ናይ ህግደፍ አሰራርሓ፣ ተጠቒምካ ምድርባይ
አብ ባህልና ሙዉት አይክሰስንዩ እኳድአ ሽሙ ብኽብርን ሞገስንዩ ዝለዓል። ናይዚ ጽሑፍዚ ዕላማ ናይ ሙዉት ምሳሌ ብምሃብ ነዞም አገልገልትን ኮራኩርን ናይ ህግደፍ ዝኾኑ አብ ወጻኢ ኮነ አብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ናብ ናይ ህዝቦም ቃልስን መስመርን ንኽምለሱ ትምህርቲ ክቐስሙሉ (Lessons) ተስፋ ብምግባር ኢዩ። ንቤተ ሰብ...
View Articleኤርትራ፡ ግዳይ ጭቆናዊ ሞደልን ዕንደራን
ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሃገራት ኣለዋ፡ ብምኽንያት ጀዎግራፍያዊ ኣቀማምጣአን ይኹን ወይ ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ኣቃውማአን፡ ግዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ሓያላን ሃገራት ዝኾና። ካብተን ዝዝክረን ሃገራት ሓንቲ: ፖላንድ እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብዕንደራዊ ይኹን ወይ ስትራተጅያዊ ምኽንያት፡ ብጎረባብታ ክትውረርን ክትዝመትን...
View Articleህዝባዊ ኣገልግሎታት ከተማ ኣስመራ ተዳኺሙ::
ኣብ ኣስመራ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ኣብያተ ሻህን መግብን ይዕጸዋ ከምዘለዋ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም:: ብሰንኪ እቲ ህግደፍ ብጉልባብ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ዘካየዶ ራስያን: ኣብ ኣጠቓቕማ ባጤራ ዘውረዶ ቅጥዒ ዝሰኣነ መምርሒን ኣብ ኣሰራርሓ ንግዳዊ ትካላትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ጉድኣት ወሪዱ ከምዘሎ...
View Articleናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር
ናቕፋ ምቅይያር ኣስዒቡ ጾምካ ምሕዳር Tesfamariam Wel. 03/03/2016 Worway ብኢደ ወነኑ ንናቕፋ ቀይርዎ ንዓለም ከደናግር ኣተግቢርዎ ሕማም ርእሲ ንህዝቢኮይንዎ ምናዳ ነቶም ንሕና ናቱ ዝብለዎ ዝተደርዙ ከም ጣኦት ዘምልኹዎ ብጽብቕቲ ጩጉራፍ ሸሪጥዎም ዒም ከይብሉ ናሰምዑ ኣጽቂጦም ዝተሃገሩ ኣብ...
View Articleጸዊዒት ዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሃገረ ሽወደን ን4ይ ጊዜኡ ዓመታዊ ጉባኤኡ ንዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ስቶኮልም( Grusås gränd 160 ) ከካይድ ምኻኑ ኣካያዲ ሽማገለ ትሕብር። እዚ ናይ ገበርቲ ሰናይ ዝኾነ ማሕበር ናብ ከተማ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዉጉኣት ሓርነትን ብዝተፋላለዩ...
View Article“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“: ብህይወትካ ምጥላዕ!!!
ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) መጋቢት(March) 5፡ 2016 ******** “ግድነት ሽግር ኪህሉ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ግዜይ ይኹን፣ ውላደይ ሰላም ምእንቲ ኪህልዎ።“ (“If there must be trouble, let it be in my day, that my child may have...
View Articleሾሞንተ መጋቢት
ሾሞንተ መጋቢት ብፍረወይኒ ባይረ/ጀርመን ዕለት 6.03.2016 ንመሰል ንፍትሒ ንማዕርነት ደበኽ ካኣ በለት እዛ ክብርቲ ዕለት ሓርነት ሓቁፋ እናሃ ተቀልቀለት ዓመት መጸ ዓመት ክትዝከሪ ፍሊይቲ ማዓልቲ ወጽዓ እተለሊ ፈላሚት ናይ መሰል ዓወት ተበስሪ ናይ ውጹዕ መቓልሕ ካብ ኩለን ክብርቲ ሽግ ክውላዓልኪ ክትኮኒ...
View Articleዕውት መኽፈትን ዕውት ኣበዓዕላ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ኣብ ዳላስ፤
ዕውት መኽፈትን ዕውት ኣበዓዕላ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ኣብ ዳላስ፤ ብይኩኖ ባህታ ላስቬጋስ ትማሊ ዕለት 03/05/2016 ዕዉት Grand opening ( መክፈቲ) ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ዳልስን...
View Articleስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ
ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ወዮ ድኣ “እናፈለጠ ዝደቀሰ ተነቅኒቁ ነይሰምዕ” ጠባይ ስለዘለዎ’ምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ’የ ክብል ከሕፍሮን ከነውሮን ምተገብአ። ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ክብል እንከለኹ...
View Articleእቲ ሽማግለን እቲ ቈልዓን
ኣረጊት ወለዶ ይሓልፍ፣ ብሓዲስ ወለዶ ከኣ ይትካእ። እቲ ሓዲስ ወለዶ’ውን ይበሊ ብመጻኢ ወለዶ ይሕደስ። እቲ ኣረጊት ተካኢኡ ይፈጥር። ህይወት እዚ እያ። ብዘይካ እዚ ጥራሕ ከኣ ካልእ ትርጉም የብላን። ሞት እውን። ታሪኽ ከኣ፡ ታሪኽ እዚ ምትኽኻእ ወለዶታት ጥራሕ እያ። ምትኽኻእ ወለዶታት እቲ ቀንዲ ህንጻ ሰብኣዊ...
View Articleኣገዳሲ ሓበሬታ (ናብ ሩዋንዳ ንዝብገሱ ነበርቲ እስራኤል)
ህግደፍ ከም ወትሩ ንህዝቢ ኤርትራ ብዅሉ መዳይ ከሳቒ ዝተፈጥረ ሽርሐኛ ጭፍራ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገብሮ ናይ ባጤራ ኣሲሩ ንቍጠባ ሃገር ምሕናቕ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታትን ቦታን ሜላ እናቐያየረ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ዕንወት ክፍጽም ብርቱዕ ጻዕሪ...
View Articleኤርትራ ኣብ ቅልውላው –ህጹጽ ብድሆን ስሙር ተግባራትናን –ሳልሳይ ክፋል
ድምጽና መጻኢና ኣብ ኢድና መእተዊ ውርሻታትና፣ ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ተመኩሮን ቀንዲ ሽግራትና፣ ኢሳያስ አፈወርቂን ዘውዳዊ ትውልዱን ጸይቀ-እምነቱን ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ገበነይና በላዕሰብ ካብ ሱሩን ጉንዱን ምእላይ ምልክነት ሓጺርካ ንምድምሳስ ዘድሊ ሰፊሕ ስምረት ኣድላይነት ዕጡቕ ክንፊ ካበይ ንበገስ፣ ብኸመይከ...
View Articleኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶን ከባቢኣን ፡
ነዚ ሰኣን ቁዋማዊ መንግስቲ ምትካል ፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ፡ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ሕሰምን ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ንምዝታይን ንምምይያጥን ዝዓለመ ፡ ዓሕ ክሳብ መዓስ፡ጽባሕ ከይትጠዓስ ብዝብል መርሆ ተሰንዩ፡ ብዓይነቱ ፍሉይን ፡ ተጽዕኖ ዘይብሉ ቅሉዕን ነጻን ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም ኣለና። ነዚ ኣብ...
View Articleደም ዘንብዕ ዛንታ!
ደም ዘንብዕ ዛንታ! 16.03.16፡ ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ ቤት ብጹሑፍን ብድምጸን...
View Article