“ንንባዕ ሓቢርና”
እወ! ሓቂ’ዩ፡ ስዓት ንመገሻ በጺሑስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ይሽባሸብ አሎ። እንተኾነ ነዚ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣደራዕ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ምትእኽኻብ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ንነዊሕ እዋናት ክንዕዘቦን ክንዛረበሉን ዝጸንሓና ሽግር ብዘይ ጥርኑፉን ድልዱል መሪሕነት፡ ናይ ህዝቢ ተቋውሞ ጥራይ መዕለቢ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን፤...
View Articleንትማሊ ትድብስ ጽባሕ እንተተወልደት –ከይትምለስ ከኣ ዋሕስ ተትክላ እንተኾነት (ካልኣይን መወዳእታን)
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽቡቕ ዝምነ ህዝብና ጽቡቕ ከም ዘይተፈደየ ብመጠኑ ዳህሲስና። እዛ ዓለም ብምህለላን ልመናን በጃኻን ዘይትምእዘዝ ምዃና ንዓመታት ብዝወርዶ ዝነበረ ወራራትን ብደቀይ ዝብሎም ዝነበረ ዝወርዶ ዘሎ ዝመረረ ግፍዕን ክፈልጥ ተገዲዱ። ንቱርክ፡ ግብጽ፡ መሳፍንት ትግራይ፡ ጥልያን ከከም ኣመጻጽኣኦም ይምክቶም...
View Articleኣብ እዋናዊ ጕዳይ’ስኪ ነድህብ
ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብህሰምን ጭቈናን ክግረፍ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ርብዒ ዘመንዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዘካየድናዮ ተቓውሞ እንታይ ኣፍርዩ ኢልና ምስ እንሓትት ግን በቲ ዝድለ መጠን ከም ዘይኮነ ርዱእ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ዛጊት ክግበር ዝጸንሐ እዚ...
View Articleተመስገን ፌጋቶ
ተመስገን ፌጋቶ ያኢ ጽላል ክትኮኖ ተጎዝጒዙ ኣባኻ መታን ክገላገል ካብ ናይ ጭንቀት ካባ ናባኻ እንተሃደመ ናባኻ ኣብ ጥርሙስ ሕነ ሓፋሽ ፈዲኻ ኣቢልካዮ ሕምስ ርምስ ኣባኻ ተሓብኡ መሲልካዮ ዋልታ ደም ጀጋኑ ረሲዕዎ ከምዘሎዎ ዒሕታ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ድቃስ ካብ ዝስእን ደም ንጹሃት ኣሕዋት ከሊእዎ ምቅሳን ኣንታ መስተ...
View Articleሎሚ ንወደብ ዓሰብ-ጽባሕ ንዓና ንደቅሰብ
ሎሚ ንወደብ ዓሰብ ጽባሕ ንዓና ንደቅሰብ Tesfamariam Wel. 10/11/2015 Norway ሃገርና ናብ ዋጋ ዕዳጋ እናኽደት ዓሻ ህግደፋዊ ብኮቦሮ ይጻወት ዘይግድሶ ዋላ ህልም እንተበለት ኣማዕድዩ ይሪኢ ዓሰብ ናተሸጠት ተቐኒና ብዙሕ ተኣምር ክንሪኢና ይቀራረብ እዩ ዘሎ ክሸጣ ሃገርና መሬትና ንባዕዳውያን...
View Articleኣይትንብዒ ሃገረይ
ኣይትንብዒ ሃገረይ ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡ ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር ስድራቤት...
View Articleጽፍርን ፀጉርን
ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ኣካል ወዲሰባት ብተፈጥሮ ካብ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ መተሓንቲን፣ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላት ተዋዋሂዱ ዝተሃንጸን ዝቖመን ብምኻኑ ከም ሐደ ጥርኑፍ ኣካል ዝሰርሕ ፍጡር ይገብሮ። ንሰብ ከአ ፉሉይ ባህራዊ ኮነ ደጋዊ ገጽታ ረኺቡ ክልለ የኽእሎ። እንተኾነ ብዘይ ፈሳሳዊ ደምን ማይን፣ ከም’ውን ኣየር ብውሽጡ...
View Articleልብና ደም ይነብዕ ኣሎ!
ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ረዳኢ ስኢኑ ሰላም ተሓሪሙ ብጓሂ ቃዚኑ ደምና ተሓሊቡ ብሕማም ማሲኑ ብመንቀኛ ህግደፍ ምስልና ተደዊኑ። ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ደልዩ ዘጥልሎ ሓጎስ ኣስኒቑ ጥሜቱ ዘዕንግሎ ጽምዋ ከይወርሶ ዝሕብሕብ ዘማእክሎ ሓዘን ወጊዱ ጸጽብቑ ዘዕልሎ። ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ልቢ ፈተውቱ ስለዝተኾምተሮ...
View Articleዋዛ ምስ ቁምነገር ኣዴታት ኤሪትራ ብዳዊት ክፍለዝጊ
ኣንትን ሰሚዕኽዶ ሓመድ ድበ ናቕፋ፡ እወ ሰሚዕና ኣውይያት፡ ሓንቲ ኣፋ፡ ትንፋስ ትልኽ ትብል ኣብ ምሕላፋ፡ ምቅይያር ናቕፋ መዓስ የናግፋ፡ ሎሙስ ኣኺላያ፡ ኣዳኖዬ፡ ወዲአ ፡ጸንፊፋ፡ እዚስ ዃ! ቀደም ፈሊጥናዮ ስራሕ ሃታሃታ ዘይጸፈፈ ዕዮ፡...
View Article“እዋን ጽልግልግ”
“እዋን ጽልግልግ” ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፤ እዚ ብዛዕባ ሓውና ዓብደላ ሓጋየቶ ዝሰማዕናዮ ሃንደበት ሞት ብጣዕሚ ከምዘደንገጸናን ዘሕዘናን ንጹር ኮይኑ፣ ግናኸ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንጻወሮ ዘይንኽል መርድእ ነይሩ ክንብሎ ከሸግር ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ከአ፣ ኤረትራ ብሰንኪ እዙይ ገሓማጥን...
View Articleመን ምሩቕ!
ኣቱም ኣሕዋት! ንሰማማዕ እስከ ንሰማማዕ መን ምሩቕ! ንበል ንሰይጣን ዘርሕቕ! ነዚ ስልጣኑ ከናውሕ ትንፋስ ሰብ ዘምሉቕ መን ምሩቕ! ንበል ንህዝቡ ዝኸውን ጽላል ነዚ ብስለላን ኮለላን ዘይፍጸም መብጽዓን ህዝቢ ዘጠፍእ ዘሎ ሰይጣን ከምቲ ትኣምኖ ሊኢካስ! እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል ዝብሃል ንምረጽ ውፉይ ዘይጠልም ንህዝቢ...
View Articleተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን ብዓውታን ብጥምረትን ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ። ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ...
View Articleቝንጅና ክንቲት
ሕብራ ጸሊኣ : ክትቅይር ዓይነታ ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ ተረፍ ከተውጽእ : ብመርፍእ ነቒሳ ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ? ዑፍ ዘይትፈልጦ : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ መስተር ክትቀያይር : መከራ በሊዓ ቱሽቱሻ ክትለኪ : ካብ መገዲ...
View Articleሕጊ ኣብ ዘይብሉ መንግስቲ ፍትሒ ኣይነግስን’ዩ
ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታትን ውልቀ-መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ እዋን ዕርበቶም ዝጥቀሙሉ ሓደገኛ ሜላ፡ ነቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ሓድነቱ ምዝራግን ሓድሕዱ ከምዝናቆት ምእላምን’ዩ። ህዝቢ ንተንኮላት ገዛእትን መለኽትን ተገንዚቡ ንጸላእቱ ሓቢሩ ክምክት እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ጉዕዞ ቃልሱ ዝተሓላለኸን ዝነውሐን ይኸውንን...
View Article“ወይ ጉድ”
ብህይወት ዝጸንሐስ ብዙሕ ከምዝርእይ መጠን፣ ንሕና ኤርትራውያን ከም ነጻ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዓለም ካብ ንፍለጥ ወላ ውሑድ ዓመታት ይኹን እምበር፣ እቲ ኣብ ካልኦት ዓድታት ክረአ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደሉ ኩሉ ግዕዙይ ስራሕ ሳላ ህግደፍ ብሓጺር ዕድመ ናጽነት ኤርትራውያን ንኹሉ ሽግር ኣረኻኺብናሉ። በዘን 25 ዓመታት...
View Articleህዝባዊ ኣኼባ ን29 ሕዳር, 2015።
ኣብ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን ትርከብ ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን ፡ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ከተማ ኒዩ ዮርክ ካብ 3000 ንላዕሊ ዝቑጽሮም ደለይቲ ፈትሕን፡ ደሞክራሲን ፡ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ፡ ዕዉት ዝኾነ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ከምኡ...
View Article