እወ! ሓቂ’ዩ፡ ስዓት ንመገሻ በጺሑስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ይሽባሸብ አሎ። እንተኾነ ነዚ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣደራዕ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ምትእኽኻብ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ንነዊሕ እዋናት ክንዕዘቦን ክንዛረበሉን ዝጸንሓና ሽግር ብዘይ ጥርኑፉን ድልዱል መሪሕነት፡ ናይ ህዝቢ ተቋውሞ ጥራይ መዕለቢ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን፤ ኣይከኣለን’ውን። ቃልሲ ብዘይ ዋና፥ ኣለይን ቅኑዑን መሪሕነት ዝጎደሎ ክዕወት ኣይክእልን … more
↧