ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መምህር ዘርኡ ገብረየሱስ ዝጽሓፋ፡ “መመዘክርና እንተ ንግንጽል” ትብል መጽሓፍ ረኺበ ኣንቢበያ። ንመምህር ዘርኡ ኣብ ናይ ቃልሲ ግዜ እፈልጦ ስለ ዝኾንኩ ነታ መጽሓፍ ዓዲገ ቀልጢፈ ኣንቢበያ። ኣብ ትሕዝቶኣ ገለ ርእይቶይ ክህበሉ ዘድሊ ነገራት ስለ ዝረኽብኩ ድማ ነዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ እልእኽ ኣለኹ። ዕላማይ ብዛዕባ ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ንምትንታን ዘይኮነ፡ … more
↧