ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት፡………. ካልኣይ ክፋል። 16-09-13፡
እዛ እዋን‘ኮ ግዜ ቅልውላው ኢያ። እሞ ዝተሓብአን ዝሕባእን ነገር ብዘይምህላዉ ዝበዝሐ ሰብ ነታ ናይ ‘ ኮነ ‘ ደቒቕ ጥ ራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ኣብዛ ናይ ፈነወ እዋን እምባአር ጋዜጠኛታትና ድማ ነቲ ተዳልዩ ዝተዋህቦም ጽሑፍ እንተኣምበቡ ክንድኡ ሻሕካር ገጽ ክጽወገሎም፡ ሓቃቶም ኢዮም ኣፎም ተኸፊቱ እንተተረፈ፡ ገጾም እንተፈሰመ። ኩሉ ነገር ወልኢ ኮ ይኑዎም‘ምበር እቲ ዝተራእየ ኩነቶም መዓስ መፈጠሮም ኴይኑ። ክትሓትት ተሸቑሪርካ፡ ክትጥምት ተሸቑሪርካ፡ ክትስሕ ተሸቑሪርካ፡ ከተተንፍስ ተሸቑሪርካ፡ ኩሉ ሳዕ ተሸቑሪርካ! ተሸቑሪርካ…………….. ኣጠቓሊልካ እንክርአ ከምቲ ብሁል “መስተርሆት ኣውርድልና ወርሒ መስከረም“ ኴይኑ ነገራትና!
መቸም ኣነ ድማ እናሓንሳብስ የብዝሖ እንድየ ዝኸውን፡ ኣብ ክንደይ ንሰይሲ ልክዕ ከምዛ ኣብጎድኒ‘ቶም ሓተትቲ ዝነበር ኩ ኴይነ ብዛዕባ‘ቲ ንሳቶም ከይብልዎ ዝተሓረመ ከም ህዝባዊ መንግስቲ፡ ቅዋም፡ እሱራትን ቤት-ማእሰርትን፡ ብዝኣመሰ ልዎ ሕቶታት ‘ይረጋረግ ‘ ብምንባረይ ኢየ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዘቕረብኩ‘ምበር ብግህዶስ ኣይፋለይን! በሉ ሎ ሚ ድማ ዝተረፈኒ እንሆ፡-
11፡-ፕረሲደንትና ንኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፍጸም ፖለቲካዊ ሸርሒ ዝብሎ ይኹን ሓፈሻዊ ዓለማዊ ፖለቲካ ትዝርብ ው ዒሉ ክሓድር ይኽእል።—ብዛዕባ ግዳማዊ ፖለቲካ ክንድኡ ዝልፍልፍ መራሒ ናይ ውሽጡ‘ሞ ገለኸ እንተዝዛረብ። ኩሉ‘ቲ ዝብሎ ኣብ ውሽጥና ከምዘሎ ምጥቃስ ግን ነብሰ-ቅትለት ክንሱ ብዛዕባ ናይቲ ዕርቃኑ ዝወጸ መሸጣ መንእሰ ያት ዝገበሮ ቃልሲ ከዕግበና ፈቲኑ። መቸም ናይ ኩሉ ክፉእ ተጠቃኒት ኣመሪካ እንድያ፡ ፍልሰት ሰብ ገበን ብምዃኑ ልቡ ዝተነኽአ መራሒ በቲ ሓደ፡ ገዛእ ርእሱ በተን ነፈጽቲ መካይኑ ቀንዲ ኣሳላጢ ንፍጸት መንእሰያት ምዃኑ ዘንጊ ዑ፡ በቲ ካልእ ፕ. ኦባማ ንምንታይ ንዘንፈጾም ሶማላውያንን ኤርትራውያንን ጽላል ዑቕባ ገቲርሎም ስለዘጉሃዮ፡ ጠ ንቂ ሃዳምነቶም ከምቲ ዝቐሸሸና ዝተረዳእናዮ መሲልዎስ ብዛዕባ ምምላስ ዜጋታቱ ልቡ ዘምሉቕ ጻዕሪ ከምዝገበረ ከዘናግዓና ፈቲኑ። እንተ‘ቲ ዓላማ ምህዞኡ ንጹር ኢዩ። ዶላር ብዋጋ መንእሰይ ምኽዕባት ባቃ!! ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ዓመት ብቑጠባ ክንደይ ዶላር ተሰኪሙ ክምለስ ከምዘለዎ ከምዘይለፍለፈ ድሮ ረሲዕዎ ተገምጢሉ ባህ ክብለና ዱባ ክጸብሓልና!! ክሳብ ካሕሳ ዜጋታት ዝዓለመ ሃበስ-ቀደስ። ዘይነጽፍ ሽሕጣኑ ብስለምንታይ ኣመሪካ ከምኡ ገይራትና?
ንእግረ-መገዱኸ ንምንታይ ብቕዓት ሰራዊት እስራኤል ሎሚ መሊቛ? ዶስ እቲ ናይ ርእሲ ሕማም ኢዩ ደጊሱ ገለ ም ሽጥር ከንቱግ ደልዩ? ስራኤል ድኣ‘ሞ ብቐደማ ንወዲኤርትራ ን “ፈጥኖ-ደራሽ“ ከምትብህጎ መን ይስሕቶ? ዓለም ዘ ደነቐ ብቕዓት ኮማንድስ ቁጽሮም ከምዝግደብ ከምተገብረ ኣይረሳዕናዮን። ‘ዕሽነቶም ‘ ግዳ ኣይከምትጽቢት ገዛእትና ን!………. መንነቱ ኣይስሕትን ኮይኑ ኤርትራዊ።……. ሎሚ ዝተሓስበ እንተኣልዩ ድማ ንርኢ!
12፡- ሕቶ ደቡብ ሱዳን ሓያለይ መጸጽቲ ጥጅኣት ዝተጋህደላ ነገር ኮነት። ንሕና ኣብ ዕድል እንዳማትና ክንዛረብ ይ ካኣል‘ዃ እንተኾነ መርኣያን ማለትናን ምስኩነታትና ዝመሳሰል እንተኴይኑ መግለጺናን እምነትናን ካብምዃን ዓዲ ኣ ይውዕልን።ሕቶ ደቡብ ሱዳን ከምቲ ናይ ትግራይ ክንዲ ሃገራዊ ዝኸውን ጠለብ ማዕርነት እንተዝኸውን ዝብል እም ንቶ ህ.ግምባር ከምዝነበረ ይዝክር ብወገነይ። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ግን ድሒሪ ተፈጻምነት መሰል ሃገር እንታይ ኢዩ‘ቲ ሎሚ ዘለፋልፍ? ታሪኽና ንዘክር፡ ትማሊ ድሕሪ ናጽነትና ነቲ ብረፈረንዱም ዝተወድአ ዓለማዊ ውሳነ ናጽነትና፡ ህዝ ቢ ብዘይፈልጦ ሕቡእ ኣጀንዳ ፈደረሽንዶ ኮንፈደረሽ ዝብል ሰባብ ነዃል ክፍጠር ተፈቲኑ ከምዝነበረ ናይ ትማሊን ገና ዘይዓለወን ትንዕ-ምንዕ በትሪ ጥልመት ርኢና ኢና። ከምርዱእ ፕ. ኢሳይያስ ብዛዕባ ራህዋን ሰላምን ክዛረብ ኢል ካ ምሕሳብ ዘይተልእኾኡ ብምዃኑ ኢ-ሞራላዊ ኢዩ‘ሞ ካብ ማእገር ደቡብ ሱዳንን ከባቢናን እንተዝወርድ ዞባናስ ክ ንደይኮን ምዓለወ። ………ገና ግን፡ እዝግዮ፤ ካብ ፈተና ኣድሕነና ጎይታይ!!
13፡-ፕረሲደንት መወዳእታኡስ ብዛዕባ ናይ 17 ትሪሊዮን ልቓሕ ኣመሪካ ክሻቐል ተሰሚዑ። ንምዃኑ ርእሱ ብምኽኣ ል ዝምካሕ መራሒ ሰበቡ ከየገደሰ ብዛዕባ ልቓሕ ዓዲሃገርከ እንታይ ኣሻቐሎ? ሓገርናኸ እንታይ ዝኣመሰለ ናይ ካሕ ሳ ዕዳ‘ኾን ይህልዋ? ከምቲ እናሽካዕለለ “ጉልቡብ ምርቓ“! ዝብሎ ኣይግዳዱ ነዚ ‘ሃሳስ‘ ህዝቢ ኣታሊሉ፡ ካን ኣኺል ዎ ቀሲኑ ዝሓደረ ኢዩ ዝመስሎ። ድሓን‘ንዶ መዓስ ንሱ ኮይኑ መወዳእታና! ናብ ልቓሕ ጥራይ‘ሞ ንመለስ።ርግጽ‘ዩ ልቓሕ ሕማቕ ግዜ ንምስጋር፡ ከምኡ ድማ ንንግዲ፡ ዝኣመሰልዎ መዓላ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ሕመቕ ዘይምልቃሕን ዕዳ ኻ ዘይምምላስን ጥራይ ኢዩ። መንግስትና ግን ንምንታይ ክልቃሕ? ንዕብየት ቁጠባ ሃገር? ንዝተመሓየሸ ደሞዝ ሰራ ሕተኛታት? ንኣገልግሎታት?……ብሓጺሩ ዕብየት ኣይመደባቱን ኢዩ። ዕብየት እንተኣልዩ ድኣ‘ሞ ሃገርና ከመይ ኣቢላ ርእሳ ዘይትኽእል ክትመስል? ከምኡ ድማ ብሰናይ ሕልና ነገር መበቆልን ጉርብትናን ብምህማል ከምሃገር ምህሳስ መንነት‘ውን ኣይዕዉትን ኢዩ። ኩሉ ገዲፍና ድማ ፕረሲደንትና እንተዝደልዮኸ መን ኣሚኑ የለቅሖ? ልቓሕ‘ኮ ንርእ ሱ ሕጋዊ ተሓታትነት መዓላኡን ኣገባብ ኣመላልሳኡን ይሓትት ኢዩ።ፕረሲደንት ንርእሱ ኤርትራ ብዘይምልቃሓ ነቲ መድቆስቲ ከም መርኣያ መንፋዓት ተምይኑ ዘጣቕዕ ህዝቢ ከቢብዎ እንከሎስ እንታይ ኣሻቐሎ?
ብዛዕባ ሃገራውነት ዝመጸ ርግጽ ተባሂሉ እንተኾይኑ ብሓቂ ኣምልኾ ኢዩ። ኣምልኾ ሃገር ጥራይ ከይመስለኩም። ብኣው ራኡስ ኣምልኾ መራሒና‘ምበር!! ነዚ ፈንጠጋር እምንቶ ጸራሪብካ ናብ ንቡር ምምላሱ ሽርሕታት ሰልፊ ህግደፍ ይኹን ፖለቲካዊ መናውራኡ ጸጊምና ኣይፈልጥን። ንእዋኑ ጸጊሙ ዘሎ ስእነት ‘ኣርሓ‘ ጥራይ ኢዩ።
ኣብ መጨረሽታኡ “ከምግሉጽነት ዝመስልዎ ነገር የለን፡ ካብኡ ክትሃድም ክትብል“……፡ ከምዚ ሰሚዑ “ገለዶኾን ብገለ መልክዕ ንራህዋ ይዕጠቕ“ ኢልካ ንዘየሎ ተስፋታት ቃላት ናይቲ ትማልን ቅድሚ-ትማልን ዝፈለጥናዮ ኢሳይያስ ጽባሕን ድሕሪ-ጽባሕን ዝሓሸ ክኾነልና ዝጽበ እንተኣልዩ ንተጸባይ ይጭነቆ። እምበር ንሱስ ሰራውሩ የለ ጨናፍሩ። ጉንዱ ከይተ ረፈ ደሪቑን፡ ከም ገረብ ኣውሊዕ ድማ መሸፈኒ ቅላጡ ነጺሉን ኢዩ። ኣኸለ!!
ኣስተውዕሉሉ‘ንዶ። መርኣያ‘ኮ ኣለዎ‘ዚ ዝብሎ ዘለኹ። ንኣብነት ንሱ ዝጽበ ምቅብጣር፤ ህዝቢ ዝጸልእ ምጥባር፡ ንሱ ጽላ እቲ ክፈጥር፤ ህዝቢ ክምክት ንሰላም ክጽዕር፡ ንሱ ናይ ኣፍ ሸፈጠ-ድለላ ይኹምር፤ ህዝቢ ብእምነት ንዕቤት ይጽዕር፡ ….. “ተራባሪብና ካንዶ ኣኸለ“………ትብል ጣዕመ-ዜማ ገድሊ‘ካ ብልጭ በለትኒ!
ምዃን ሓቀይ ኢየ። ነገር ምጥባር፡ ነገር ኣሽካዕላል እንድዩ፡ ንዘይግሉጽን ዘይትግበርን ፖሊሲታት ከምዝፍጸም ተመሲሉ ህዝቢ ምጥባር ንርእሱ ኣሽካዕላልዶ ከይኮነ። ፕረሲደንትና ሓንቲ ነገር ሒዙ ክንሱ ከም ወናኒ ከፈር “ኣብ ዝርዝራት ክኣ ቱ ኣይደልን ኢየ፡ ከምኡ ዝበሉ በዓልመን ኢዮም? ኩሉ ኣብዚ ጐደናታት ዝበሃል‘ኮ ይፈልጦ ኢየ“…..እናበለ ከምስል ሰማ የ-ሰማያት እንተጠመተ፡ ንሳቶም‘ሞ ከይጠልሙ ክብሉ ነቲ ዝሃውተተ መራሒኦም ሰብ ዘምሰልዎ ደቂ-ኤርትራ ኢዮም። ግደፍ ንገዛእ መራሒኦምስ፡ ዕድሎም ጠሊማቶም “ደቂ ማይ-ጠላሚት“ዃ እንተተባህሉ፡ ውዕል ከይጠልሙ ክብሉ ኮንጎ ዝዘመቱ፤ ኮርያ ዝተደርገሙ፡ ሮማ ዝመተሩ፤ ኣብ ማእከል ኣዲስ-ኣበባ ዝዓንደሩ፡ ኮታ ክንደይ ክንደይከ ክበሃል ውዕሎኦ ም። ንሳቶም‘ኮ ጀግንነት ዝሕላገቶም ኣብ ጽንኩር ዝንድሩ ኤርትራውያን መናእሰይ ኢዮም። መንግስቲ ነቲ ናይ ጨራሩ ኣባይቲ ብናይሰብ ክቕይሮ ካብዘይከኣለ ፍታሕ ዘይረኸበ ህዝቢ ንግዚኡስ ግድን ኣብ ናይ ጨራሩ ይድርገም!! እንተ መን እሰያት ግን ገና እንዳ ደይእቶ ክኣትዉ ኢዮም። እቲ ህግደፋዊ ንዕቀትን ላግጽን ገዲፍና ድማ ኩሉ‘ቲ ኣብ ወጻኢ ፖለቲካ ዊ ተቐባልነት ረኺቡ ብሰላም ከምዝነብር ዕድል ዝረኸበ ብሳላ መስዋእቶምን ደሞምን ምዃኑ ክስወጦ ኣለዎ።
ንብዓት ኣስከሬን መንእሰያት መንካዐ-የሚን ሰማይ ዓሪጉ “ ኤህ ድኣ ኤርትራስ ኣይሕለፈልኪ“ ክብል ተራጊሙ እንተኢሎ ምኹም ከይትጋገዩ ኣይከምኡን። ሓቂ ኢዩ ድማ ምርጋም እንተ ኣድልዩስ ነታ ሃገር ዘይኮነ፡ ነቶም ዝተረከቡዋ ግን ድማ ከውሕሱዋ ዘይብቑዓት ጣልማያት፡ ዕሱባት ጥራይ ኢዩ። ቀዳሞት ተገደይቲ ብሳላ መስዋእቶም ሃገር ከምተተኽለት ኣሚ ኖምሲ ከም መንፈሳውያን ተቓለስቲ መጠንከኣ ዳግማይ ምስ ዘመናውያን ግዳያት ኣሕዋቶም ሰሚሮም “እዚ‘ውን ይሓል ፍ“ ብዝብል ጭርሖ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ቃል-ኪዳን ዘጽንዑ ዘልኣለማውያን ህያው ተቓለስቲ ከምዝኾኑ ዘይምዝንጋዕ። ን ሕና ህሉዋት ድማ ብመንፈሶም ንጸንዕ፡ ብሕድሮም ንምርሽ ክሳብ‘ታ ዝሓለፉላ ዓላማ ንበጽሕ ፈልከት የለን። እንተ‘ቲ ኣ ሽካዕላል ከምመጽረይ ኣፉ ዝጥቀመላ መራሒ‘ሞ ኣፉ ከየጽረየ ኣብ መስርሕ ኣሽካዕላል እናኣሽካዕለለ ክሓልፍ ኢዩ።
ከምዚ ናይ ዓርከይ “እዋእ! እቲ ባጫኸ እንታይ ኣምጽኦ“ ኢልኩም እንተዘይተዓጅብኩም ነገር መራሒና ኣብዛ ናይትማሊ ቃለ-መሕትቱ ቁርጹ ዳሕዲሕዎ ከምዘሎ ዘማትእ የብሉን። ብጭቡጥ “ትገብርዋ ድኣ ግበሩ‘ምበር ብወገነይሲ ፍታሕ ዝበ ሃል የብለይን“ ኢዩ‘ኮ ኢሉ።
-፡ ‘‘ማይ ዝጸገሞ ናብ ማይ ይኺድ‘‘ ማለቱ‘ስከ ተንትኑዎ። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ህዝቢ ኣብ ከም ኤፍራጢስ ጢግሪ ስ፡ ከም ኣፍላግ ሚሲሲፒ ኣማዞን ዝኣመሰልዎ ይዓስል ከምዝነበረ ክትርኸልና ተጋዲሉ።
እምባእ! ጉድ‘ኮ ኢዩ። ትማሊ ትማሊ ህዝቢ ይተኣከብ፡ መንግስቲ ማይ ክኹዕተሉ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና ዝኣመሰለ ኣገል ግሎት ክኸፍተሉ ኢዩ“……..ክበሃል ከምዘይጸንሐ ሎሚ ፈቐዶ ማይ ዝርከበሉ ፋሕ ይበል፡ ይበተን“ ኢልካ ዘረባስ ምስ እ ንታይ ትትርጉምዎ? ኣብከባቢ ማይ-ባድ ቀይሕባሕሪ ዘይምቅሮ ህዝቢ ናበይገጹ ከብል ማለቱኮን ይኸውን? ብጉልቡብ ዘ ረባኡ ዝልለ መራሒና ናብ ለጠቕታ ሸበሌ ላንጋኖ፡ ናብ ኣባይ ኣዋሽ ገጽና ክንምርሽዶኾን ይምዕደና ይህሉ? -፥ ብዛዕባ ወርቂ ቢሻ ዝመጸ፡ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ሓንትስ ኣብ ፍርያት ንብጻሕ እምበር ዃርታ ማርሻ ደርጊምና ክንሕ ምበብ ኢና“ ከምዘይበለ፡ ሎሚ ወርቂ ክገሓጥ ምስጀመረ “ካብ ጸገማት ሓሊፉ ዝገበረልና የለን“ ጥራይ ከይኣክል ብወር ቂ ዘንባሁቕ እንተ ኣልዩ የንባሁቕ“ ማለቱስ ኣብርእሲ ጻልጣ ሽፍትነት እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን? እተን ከክንዲ መሽረ ፈት ዝተጸበያ ከፈልቲ ክልተ-ምኢታዊት እኖታት ጥራይ ዘይኮነ ብሙሉኡ ህዝቢዶ ከይ ኮነ ተጸብዩ? እሞ መራሒና ድኣ እቲ ግኒ ወርቂዶኾን ለኺዕዎ ትብሉ? -፡ ብሰለስተ ኣርባዕተ ዝተሰርዓ መካይን ዘሕልፍ ጽርግያ ክስራሕ ከምዝረኣዮ ጠቒሱ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ “ግን ብሰንኪ ነዳዲ ሎሚ ኣይኮነን ዝስራሕ“ ይልቅበላ።“ዘመናዊ ኢንተርኔት ክዝርጋሕ ኢዩ“ ክብል ጸኒሑ “ግን ሎሚ ኣይኮነን“ ይውስኸላ። ብጎበዙ ዘየርኣየ መራሕ ሃገር መዓስ ድኣሉ ትንግርቲ ምዕባለ ከርኢ? ዶስ ዝተቐናጀወ ድራማ ኣልዩ?
ንዲፕሎማሲ ዝምልከት፡ ከምቲ ርዱእ ኣብ ፖለቲካ ንእዋኑስ ሓቂ ኢያ ትዋላእ። እንተኾነስ ዋላ‘ዃ ምሒር እንተተደለየ ሓቂ ብድፈኖ ድፈኖ ስለዘይትቕበር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ትርፎ እዋናዊ ከቢድ ጽልኢ፡ ነባሪ ዓወት የብላን። ግናኸ እቲ ረዚን ጽልኢ‘ውን ሓጺናዊ ፍቕሪ ክፈጥር ግድን ኢዩ። እዋናዊ ቃላ-ኪዳን ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ናይዚ ከም ግሩም ኣ ብነት ክጥቀስ ይከኣል ።
ምስ ጎረቤት ኢቲዮጺያ ንዝፍጠር ዝምድና ዝተሰምዐ ሸፈፍ-ሸፈፍ ኣበይ‘ሞ ጥራይ‘ንዶ እታ ንህዝብና ዓብዒብላ ዘሎ መ ኽደን ድስቲ መግዛእቲ ትኽፈት ይግበራ! ባዕሉ መምጽኢ ጽልኢ ከምዝኾነ ዝፈለጥናዮ መራሒ ባዕሉ ፍቕሪ ከምዘይፈጥ ር ኣጸቢቕና ስለንፈልጦ፡ ሽዑ ንዝመጽእ ልዝብን ዲፕሎማስን ጥራይ የብቃዓና። እምበር ሕጂ‘ውን ብስም ባድመ ናይ ኤ ርትራ ኮይ ና፡ ከምቲ ንጉስና ዝበሎ “ጸሓይ ባድመ ኣይዓረበትን“ ተባሂሉ ወዮ ዘዝዓሸወ ህዝብና /ብፍላይ ግሩሃት ኣዴታ ት/ ድግድጊት ተተዓጢቑ ብስም ዓወት ባድመ ሸኾርተት ክብላ ዝሰሓል ዘሎ ሸበድበድ ከይገረመና ኣይተረፈን። ብሰበብ ምሕንጻጽ ዶብ ዝተጠጅአ ውዲት ከምዘለዎ ከይደቀስና ንሓልሞ ጉዳይ ብምዃኑ። ኩሉ ወዲሃገር ድማ ብእዋኑ ክሓስበ ሉ ንምሕጸን። እንተ‘ቲ ሰላም‘ሞ መወዳእታኡ‘ኮ ናብ ጣውላ ኢዩ ዝምጻእ። ንእዋኑ ከታልል ዝበቕዐ ጥራይ እንተዘይኮይ ኑ ኣብ ብዓለሙኸ መን ኣሎ ኢዩ ብስሪኡ ዝሓደረ? ግደፍዶ‘ዞም መራሕቲ ጥልቁዓት ሃገራት፡ ናይተን ስቡሓት‘ውን ብዘ ይሰላም ካልእ መወዳእታኡ ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ። ኮነ ምስተባህለ ከኣ ክንሪኦ ኢና።
መንግስቲ ኢቲዮጺያ ድሮ ነቶም ብስም ምስሊ“ሰላማውያን ተቓወምቲ“ ጣጢሖም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ከምትጉሕፎ ም ይትንባህ ኣሎ።“ብዓንተቦኡስ ኣብኡ ኣብ ረብሓ ሃገር ዝተመስረተ ተቓዋሚ መዓስ ነይሩ“ ክትብሉ ትኾኑ። ብመሰረት ናይ ገለ ኢቲዮጲያዊያን ፖለቲከኛታት መግለጺ‘ሞ ብዛዕባ‘ቶም ኣብ ሃገርና ዝዓስከሩ ተቓወምቲ ዝገርም መግለጺ ክስማዕ ቀንዩ ኢዩ። ኤርትራ ንስርዓት ኢቲዮጲያ ንምውዳቕ ዘይትኣደነ ወተሃደራውን ፊናንሳውን ወጻኢ ከምትገብረሎም ክትሰም ዕ ኣብ ቃራና መኣዝን ከቑመካ ይኽእል። ሓቂ እንተኾይኑ ስለምንታይ? ሓሶት እንተኾይኑ‘ውን ስለምንታይ?
ሕቶታትና ከይተመለሱ ነገር ድሮ ክልቲአን ሃገራት ክሰማምዓ ከምዝኽእላ ዝብል ኣፍ የውጽእ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ መቸ ም ነቲ ዝተነጽፈ ምንጻፍ ኣይህረረሉ‘ምበር ክርእዮስ ጸኒሑ ኢዩ። ነገራቱ ድማ ናይዋዛ ተሰጋሪ ኣይነበረን። ድሮ‘ኮ “ ኣንድ ህዝብ፡ ኣንድ ሰንደቅ ዓላማ፡ ኣንድ ሃገር“ ዝብል ህግደፋዊ ‘መፎክር‘ ክቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ።
“ዋእ! እዞም ቅንጅታውያን ከመይቢሎም ጭርሖ ህግደፍ ይድሕድሕዎ ኣለዉ? ‘ዃ ብናጽነት ኤርትራ ዘይኣመኑ“! ኢሉ ዘዝሓሰበ ዘበለ ገና ከይቀሰነ እንከሎ ሕቶ ሰላም ካብመጸስ በሉ ካልእ ሕቶ ድማ ምንቃሉ ኣይተረፈን። ከምዚ ዝብል፡-
ወዮም ክቱር ዝዓጠቑ ደምሒታውያን ኮኑ ካልኦት ከድኣ ንኣዲስ ኣበባ ዲዮም ክጠኑ ወይስ ናብ ቤተመንግስቲ ኤርትራ?
ዝኾነ ኮይኑ ፖሊሲ ህግደፍ ክቕየር ከምዘይኮነ ርዱእ ኢዩ። ክቕየር እንተኾይኑ ድማ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ከምዝ ኾነ ኣየጠራጥርን። ከመይሲ ፍቕሪ ነፍሲ-ሄር ጠ/ሚ. መለስን ፕ.ኢሳይያስን ናብ ጽልኢ ሓራምዝ እንድዩ ተቐይሩ፡ ዋላ‘ኻ ንግዚኡ ገለ ነገር ከስርሕዎ ይደልዩ እንተኾኑ፡ ከምቲ ናይ መለስ ምፍላይ ግድን ድማ ናይ ኢሳይያስ ምስዓብ ክወልድ ኢ ዩ። ሰውራ ደቃ ከምትበልዕ መጠን ምብላዕ ምብልዑስ ጠላሕ ክብላ‘ሞ ቀሲና ንነባሪ ሰላም እንተተዓጠቐት ማለተይ ኢ የ‘ሞ ከይተመነኹዎ ኢየ ደልየዮ እብለኩም!
መጨረሽታኡ ብዘረባ ዓርከይ ክፋነዎኩም። ንሱ መቸም መልሓሱ ዓንዴል እንድይ፡ ከምዚ ኢሉ ኣውጊዕኒ፡-
“ህዝቢ ከምቲ ቀደሙ ብእኽብካብ ድማጻውያን ዝጥበር ኣይነበረን። ካልእስ ይትረፍ እተን መሲልወን “ሓማሸናይ ኮኾብ ሸማይ ይብላኻ‘ለዋየ“……… ክብላ ዝጸንሓ ኣዴታት ከይተረፋ ሎሚ ምስጢሩ እለዝበርሃለን፡ ከይተፈለጠንን ከይደለየኦን “ያዕ በልዎ! ቀደሙስ ዘይ ተጋጊኹም‘ምበር ወዲ-ምንታይናስ ኮይኑ“ ክብላ ጀሚረን ኣለዋ። እተን ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣ ብ ዝኾነ ውራይ ብሓደ ዝሕብሩ ክዳን ኣጊጸን ብስም ማሕበር ዓዲ ዝተጠርነፋ ዝመስለን ኣዴታት ድማ ብሓቂ ተደናጊረ ን ኢየን። ዝኾነ መነ-መን ምዃነን ዘገድሶ ዘበለ መቸም፡ ንምፍላጠን ዝኣክል ስራሓት ሰፈይቲ መኪና ድዮ ነገር ሰፈይቲ ሰባት ምዃኑ ከይተገደስኩም፡ ነቲ ብላዕሊ ላዕሉ / MADE IN ERITREA/ ዝብል ጣቛ ወጻኢ ናይ መንነት መግለጺ ጽሑፍ ድቢዛአን ምስዝግምጥሎ፡ / MADE IN HAMASHEN/ ዝብል ጽሑፍ ከንብብ ይኽእል“ ክብል ኣቘጢዕኒ።
ብተግባር ህግደፋዊት ሃማደኤ ዘይምሽጋር ጥራይ። እንተ‘ዚ ጸቢብ እዋን፡ ምልክት ናይ ኩሉ ክወድቕ ዝተጋደመ ስርዓት ብምዃኑ ጽባሕ ዝፈጥሮ መቐይሮ ስለዘለዎ ኣይንተሓሰሞ ኣይንፍራሃዮ‘ውን። መጻኢት መስከረም ድማ ትሕዞኣ ሒዛ ከተ ፍ ክትብለና ኢያ‘ሞ ኣምላኽ ድማ ክሳብ ሽዑ ከይሸረፈ ከይጎረፈ ሓብሒቡን ተኸናኺኑን ከራኽበና ኢዩ። ኣሜን!! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና! ጎደፋ፡