Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ቃል ኪዳን ብፍትሕ እምበር ብዕርቂ ዝፍታሕ ኣይኮነን!!

$
0
0

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመታት ብገርህነቱ ተታሊሉ ምስቲ ሓራ ከውጽኣካ ኢሉ ዝወጸ ናይ ተጋዳላይ ሽም ሒዙ ዝመጸ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ቃል ኪዳን ኣሲሩ፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ ናብራ ከሕልፍ ትጽቢቱ ኔሩ፡ ፤ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ለውሃቱን ሕያውነቱን ግዳይ ሕሰምን መከራን፡ ስደትን ምብትታንን፡ ኮታ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕታት ተፈጺምዎ ኣብ ኣፍ ደገ ምጽናት ይርከብ፡ ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ሓይልታት ዝፈልዮ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ፡ ፡ 1. ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ኣብዛ ሃገር ግፍዕታት ተፈጺሙ፡ ፡ ካብቲ ስርዓት ደርጊ ዝፈጸሞም ግፍዕታት ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ኤርትራውያን ተፈጺሙ፡ 2. ኣብ ኤርትራ ሎሚ ካብቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ንላዕሊ ቤት ማእሰርትታት በዚሖም ህዝቢ ይሳቐየሎም ይርከብ፡ 3.ኤርትራ ሎሚ ብኤኮኖሞያዊ መዳይ ተደምሲሳ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም ናብራ ይሳቐ ይርከብ፡ ፤ ማይ መተርከሲ ጎሮሮ ዘይርከባ ሃገር ኮይና መራሒ ህግደፍ ህዝቢ ንኽስደድ ብዕሊ ኣዊጁ ኣሎ፡ 4. ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ተሰዲዱ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ጎቦታት ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ይጸንት ኣሎ፡  5. ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብሰንኪ ጸጥታዊ መሓውር ህግደፍ ህዝቢ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ርዒዱ ኣፉ ዓቢሱ ይነብር ኣሎ፡ 6. ኤርትራ ሎሚ ናይ ውሑዳት ውልቀ ሰባት ንብረት ኮይና ህዝባ ኣብ ባርነት ይነብር ኣሎ፡ ፤እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ብፍትሕ ድዩ ክድምደም ዘለዎ ወይስ ብዕርቂ ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ክምልሶ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ እብል፡ ፤ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ግን ናይ ውልቀይ ርእይቶ ክህብ ደስ ይብለኒ፡ ፡

ኣብ ሓዳር ዓለም ፍቕርን ስኒትን፡ ሓልዮትን ምክብባርን ካብቶም መሰረታውዮም መእሰሪ ቃል ኪዳን ኢዮም፡ ፤ ብሃገር ደረጃ ክርአ ከሎ ከኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን ሓደ ንኽልቲኦም ዝጠምሮምን ዝቕይዶምን ስርዓተ ሕጊ ክህሉ ኣለዎ፡ ፤ እዚ ስርዓተ ሕጊ እዚ መሰላት ዜጋታት ዘኽብር፡  መንግስቲ ከም ድላዩ ህዝቢ ከይረግጽ ዝቕይድ ቃል ኪዳን ኢዩ፡ ፤ህዝቢ መሰሉ ተሓልይሉ ከም ድልየቱ መራሕቱ መሪጹ ከውርድን ከደይብን ዝኽእለሉ ባይታ ክፍጠረሉ ኣለዎ፡ ፤ እዚ ምስዘይግበር ግን እቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ቃል ኪዳን ክህሉ ኣይክእልን፡ ፤ ኣብ ኤርትራ እምበኣር እዚ ሕጊ አዚ የለን ኣይነበረን ከኣ፡ ፤ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ርጉም ሰብኣይ ንሰበይቱ መዓልታዊ ዝሃርማን ዝጭቁናን ልክዕ ከምኡ ጌሩ ንህዝቢ ኤርትራ ይጭፍልቖ ኣሎ፡ ፤ ምጭፍላቕ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ገጽ ምድሪ ንኸጽንቶ ተላዒሉ ኣሎ፡ ፤ እሞ ደኣ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ? ክሳብ ህዝቢ ጠቕሊሉ ዝጸንት ብፍርሂ ተዋሒጥና ስቕ ክንብል ወይ ይኣክል ክንብል ንመርጽ? ዝነገሰ ንጉስና ኢልና ብሰማይ መድሓኒ ክመጻና ምጽባይ ወይ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኮይና ሰሚርና ነዚ ዲያብሎስ መንግስቲ ምቅላስ ይሓይሽ? መንእሰይ ወለዶ ዘለኻ ሓላፍነት ቀሊል ኣይመስልንን፡ ፡ ቀደም ኣቦታትካ ምእንቲ ናጽነት ደምዮምን ተሰዊኦምን ኢዮም፡ ንስኻ’ኸ ንሓርነት ህዝቢ ክተምጽእ ድሉው ዲኻ? ሓርነት ብዘይ ዋጋ ስለ ዘይትመጽእ መስዋእቲ ክትከፍል ድሉው ዲኻ? ኣባል ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ዝኾነ ሓደ ውፉይን ጅግናን ተቓላሳይ መንእሰይ ከምዚ ይብል፡ “  ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራና ዘሎ ዝምድና ዝዕረቕ ዘይኮነስ ዝፍታሕ ጥራይ ኢዩ። እዚ ማለት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን፡ ንዕኡ ንምትግባር ዝጥቀመሉ መሓውራት ሓምሽሽካ ኣብ ዑና መቃብሩ ሓቀኛ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ። ልዑላውነት ህዝቢ ምርግጋጽ ኢዩ። ኩሉ መድያዊ ሓርነት ምርግጋጽ ኢዩ። ቋንቋ ህግደፍ ስነ መጎት ሓይሊ ኢዩ በዚ ዝርዶ ከአ ክንገጦም ኢና”፡ ፡ እዚ ዘረባ እዚ ቀሊል ኣይኮነን፡ ፤ህግደፍ ብዝርድኦ ክንገጥሞ ኢና ዝብል ሞገተ እታ እንኮ መፍትሒት ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኢያ ኢለ እኣምን፡ ፤ ብበትሪ ዛአምን ስርዓት ብሰላም ክትስዕሮ ምጽባይ ዕሽነት ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ጨካን ስርዓት ኢዩ፡ ፤ ህግደፍ ንዜጋታት ኤርትራ ከይሞቱ ከለዉ ከም ዝብኢ ይበልዖም ኣሎ፡ ፤ ህግደፍ ብእሂን ምሂን ዘይኣምን፡  ብዘይካ ሓይሊ ካልእ ቋንቋ ዘይርድኦ እኩይ ጉጅለ ኢዩ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ወይ ብዕርቂ ዝመጽእ ለውጢ ኣይቅበልን ኢዩ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ መሓውራት ህግደፍ ካብ ገጽ ዓለም ሓግሒጉ ኣብ ጋህሲ ከእትዎ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን መዝሙር ደለይቲ ፍትሒ እንዳ ዘመሩ ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ንኽቖጽዩ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ኣይተሳእኑን፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ ግን በዚኣቶም ተደናጊሩ ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዳድ ከይእትወሉ ክጥንቀቕ ይግባእ፡ ፡ መንእሰይ ወለዶ ከይፈርሀ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ኮይኑ ንስርዓት ህግደፍ ክገጥሞ ምዃኑ ብግልጺ ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ኣለዎ እብል፡ ፤ መንእሰይ ወለዶ እዚ ናይ ህግደፋውያን መፈራርሂ ሜላታት ካብቲ ሓሲብዎ ዘሎ ቅዲ ቃልሲ ንሓርነት ከተዓናቕፎ የብሉን፡ ፤ ብኢትዮጵያ ሕለፍ፡  ብሱዳን ሕለፍ፡  ብጂቡቲ ሕለፍ፡  ዝክአል እንተኾይኑ’ውን ብሰማይ ሕለፍ ብዘይገድስ ፈውሲ ህዝቢ ኤርትራ ክተናዲ ይግብኣካ፡ ፤ ወላ ሓደ ሰብ ኣብቲ ንስኻ ትወስዶ ምርጫ ከተዓናቕፈካ ዝኽእል ሰብ ጉጅለ ማሕበር ክህሉ ክትፈቅድ የብልካን፡ ፤ ምኽንያቱ እዚ ዘመን እዚ፡  እዚ ታሪኽ እዚ፡  እዚ ዓውዲ እዚ፡  እዚ ዘውዲ እዚ ንብረትካ ስለዝኾነ፡ ፤ ህዝቢ ልብኻ የንብቦ ኣሎ፡ ፤ ትሓስቦ ዘለኻ ሓሳብ ተረዲእዎ ኣሎ፡ ፤ልብኻ ዝበለካ፡ ሓንጎልካ ዝኣዘዘካ ንስኻ ትፈልጣ ኢኻ፡ ፤ብዝኾነ ኣቕጣጫ ምጻእ ሓርነታዊ ዓወት ክሳብ ዘምጻእኻ ስኽፍ ክብለኻ የብሉን፡ ፤ እዞም ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ጎሓላሉ ኣብ እዋኖም ሓገዝ ሓቲቶም ኢዮም፡  ነዞም ሎሚ ወያኔ’ባ ለመንቲ’ባ ዝብልዎም ዘለዉ ኣብቲ ቀውጢ ጊዜ ተሓጋጊዞም ኢዮም ናጽነት አምጺኦም፡ ፡  ሎሚ እታ ሕማቕ ጊዜ ምስ ሓለፈት ታሪኽ ክቕይሩ እኳ እንተፈተኑ፡  ታሪኽ ግን ብውልቀሰባት፡  ብጉጅለ ዝቕየር ኣይኮነን፡  ታሪኽ ታሪኽ ስለዝኾነ፡ ፤ ናአኻ ንምድንጋር ኢትዮጵያ እትብል ቃል ከም ሕማም መንሽሮ ንክትፈርሃ ዘመተታት የካይዱ ኣለዉ፡  እቲ ሓቂ ሒዝካ ንእትገብሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ክትስከፈሉን ክትፈርሃሉን ኣይግብኣካን፡ ፤ ህግደፋውያንን መሰልቶምን ካብ ጸለመ ከምዘይዓርፉ ተረዲእኻ እቲ ንስኻ ትኽክል እትብሎ ቃልሲ ሓቅነትካ ሒዝካ ክትቅጽሎ ይግብኣካ፡ ፡

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130