ወዲ ቫካሮ!
ኣንታ ዘይትሕለል ተወልደ ቫካሮ
ሽግር ናይዚ ህዝቢ ዕምሩ ከተሕጽሮ
ንውልቀ መላኺ ፈቲንካ ክትመኽሮ
ኣይመስለንን ግና ዕቡይ ዝስቆሮ
ንህዝብኻ ደኣ ኣብ ሓደ ጥመሮ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ልቡ ክሓድሮ!
እቲ ኣብ ኩሉ ዘሎ ስውር ዘይርአ
ህዝቢ ከይጸንት ከንቱ እናጠፍአ
ካብ ማእከል’ዚ ህዝቢ ሕሩይ ካብ ቀብአ
ሃዋርያ ሓርነት ሓቅነትካ ይርአ!
ሽግርን መከራን ኣዕሚቚካ ንምቕባር
ሓድነት ዓጢቕካ ነቕ ዘይብል ኣጽዋር
ፋሕ ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሓደ ንምስማር
ጉዕዞኻ ጀሚርካ ኣንታ ውፉይ *በሃር! *ኣርሓ ሓርማዝ
ልበይ ዝምነዮ ኩሉ እናወነንኩ
ምስቶም ሚኒስተራት ዊስኪ እናጨለጥኩ
ምስቶም ጀነራላት እምባሕ እናበልኩ
እንታይ ክምልእ’የ ኣነ እተቓወምኩ!?
ኣይበልካን ተወልደ ውፉይ ወዲ ህዝቢ
ካብ ውልቃዊ ሃብቲ ድሕነት ህዝቢ ይዓቢ
ምስ’ዞም ሰተይቲ ደም ኣይወፍርን እምቢ
ንስድራ ስውኣት ክኸፍል’የ ዓስቢ
ኢልካ ተበጊስካ ኣንታ ጻዕራም ንህቢ!
ትማሊውን እኮ ምስ ህግደፍ ከለኻ
ሃገርካ ክትሃንጽ ንዕብየት ህዝብኻ
ብዘይተጉላባነት ዘውፈርካ ሃብትኻ
ውፉይ ወዲ ህዝቢ ቀደምካ ኣቦ ድኻ!
ወነንቲ ሆቴላት ንብረትና ከይበልኩም
ንጉጅለ ህግደፍ ዓገብ እናበልኩም፡
ገለ ግን ኣለና መረባዕ ክንሕሉ
ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት ጌና ንሰግደሉ!
ኣንታ ንብረት ደኣ ናበይ ከይከደና
ዘይንሰምር ግዳ ንድሕነት ሃገርና
መላኺ ኣሊና ፍትሒ ምስ ኣንገስና
ጸሓይ ምስ በረቐት ክንውንኖ እንዲና!
ክብርን መጐስን ነቶም ቃንዛ ህዝቢ ሰሚዖም፡ ውልቃዊ በቊዔቶም (ረብሓኦም) ይኹን ብጻዕሮም ዝመጸ ጸጋታቶም ወፊዮም፡ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ብምስላፍ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሱ ዝወሰኑ ዜጋታት’ዛ ሃገር ይኹን! ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ካብዚ ቀጺለ፡ ካብዛ “ሓድነትና” ዘርእስታ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸት ሓዳስ ደርፊ ናይቲ ብግብሪ ስሙ ዝለበሰ፡ ማለት ስነ ጥበበኛ ዝኾነ ወዲ ህዝቢ፡ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ፡ ነተን ኣዝየን ዝመሰጣኒ ናዕታታቱ ብምድጋም ክሰናበተኩም፥ እዚ ንውሉድ ወለዶ ብጽቡቕ ኪዝከር ዝነብር ህያው፡ ዘሐብንን ትምህርቲ ዝህብን ታሪኽ’ዩ። ዚኾነ ይኹን ስነ ጥበበኛ ኸኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ’ዩ ኪኸውን ዘለዎ። እዛ ሓሳብ’ዚኣ ኩሉ ግዜ ዘስምረላ ጉዳይ እያ። ፍጹም ክትዝንጋዕ ዘይብላ ግቡእ’ያ። ቃንዛ ህዝቡ ዘይስምዖ ስነ ጥበበኛ፡ ስነ ጥበበኛ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ።
“ኤረይ ንሓድነትና፡ ሸጥ መዓንጣና
ንሕና ንሓረትና’የ፡ ሸጥ መዓንጣና!
ገይሻ ኣላ’ምበር ተተህሉ ገድሊ
እንታይ ደኣ’ሞ ተሓቢኣ ኣብ ከውሊ፡
ገይሻ ኣላ’ምበር ገድሊ እንተ ትህሉ
ምረአና መሰልና ክትሕሉ!
“ኤረይ ንሓድነትናየ፡ ሸጥ መዓንጣና
ንሕና ንሓረትና፡ ሸጥ መዓንጣና!
ደቂ ባሕሪ፡ ሰብ ከበሳን ቆላን
ኣይንበላዕ ብቖሊባን ሽላን
መገድና ዘጋጊ የብላን
መንዶ ይምቅር ካብ ዕረን ወለላን?
ደሃይ ሰላም ጥዑም መለኸተ
ናይ ፈጣሪ’ኳ ኣሎ በረኸተ
ከነቕስኖም ወለዲ ሓየተ
ኢልና እንዲና ስጋ ስውኣተ
ኣይትበደል ምድሪ ስውኣተ!
ብኾኾብ ድምጻዊ የውሃንስ ትኳቦ
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 24-11-2013