Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

መገዲ ኣየርና!

$
0
0
መገዲ ኣየርና!
ጀጋኑ ፓይለት *ኣልያጦናት ሰማይ       *ሽላታት
ህዝቦም ከይሃልቕ ብስእነት እኽለማይ
ሓርነት ክነግስ ኣብቂዑ ምኹርማይ
ይኣክል ኢሎሞም ንጉጅለ ጣልማይ!
ምስቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝወገኑ
ዮሃና በሉለይ ንኹሎም ጀጋኑ
*ሃንአ በሉዎም’ወ ነቶም ዝወሰኑ   *ዮሃና
ንመላኺ ስርዓት ስለ ዝጠንጠኑ!
ኣየ’ዚ መላኺ ላግጺ ዘይምነዎ
ቀጻሊ ኣብረርቲ እናራሕርሑዎ
መገዲ ኣየርና ኩሉ እናዓጸዎ
ጌና ዘይፈወኖ ኣብ ባጽዕ ከለዎ
ሓደስቲ ኪሰርሕ እንታይ ኣጃሂሩዎ!?
ሃብቲ ናይዛ ሃገር ብኾንቱ ከባኽን
ትርጉም ኣልቦ ስራሕ ብሃውሪ ዚውጥን
መጽናዕትን ፍልጠትን ናይ ምሁር ዘይኣምን
የማን ምስ ፈሸሎ ብጸጋም ክፍትን
እኖሆ ኣምኪኑዎ ድንግል ባሕርን መሬትን!
ስውኣት ረጊጹ ህልዋት ዝቐትል
ነዚ ለዋህ ህዝቢ ብሓሶት ከታልል
‘ሃገር! ሃገር!’ ዚብል ወትሩ ንኸምስል
ዘራእቲ እንዳማቱ ኪዘምት ዚኾልል
ዝዓምበበት ገረብ ረጊጹ ዘቖምስል
ጅግናዶ ስኢኑ ኣታ ክሳዱ ዚምንጥል!
ናይዞም መጣቓዕቲ ግን ይገርመኒ ኣነ
ነዚ ዕቡይ መላኺ ብህዝቡ ዝጨከነ
ዓስርተታት *መርጡል ስለ ዘይወነነ              *ቪላ፡ ኣዳራሽ
ባድላ ቀያይሩ ስለ ዘይተኸድነ
ፈላሲ ይመስሎም ዓለም ዝመነነ!
ሃገር ብምልእታ ናይ ውልቁ ምዃና
ከመይ ዘይርደኦም መጣቓዕቲ ኣሕዋትና
ኣይኮነን ብህይወት ኣብ ዓለም ከለና
ድሕሪ ሕልፈትና’ኳ ንኽቕበር ሬሳና
ጉድጓድ ዘይንኹዕት ንእኡ ከየፍቀድና!
ስልጣን ናይ መላኺ ደረት ከምዘይብሉ
ንቕሑ’ንዶ የዋሃት ብልቢ ኣስተውዕሉ
ኣይኮነን ንመሬት መንበሪ ናይ ኩሉ
ነዛ ህይወትና’ኳ እናወነና ባዕሉ
ከመይ ጌርኩም ኢኹም ነዳይ እዩ እትብሉ!?   *ድኻ
ኣይኮነን *ንግኡዝ ህይወት ሰብ ዚውንን                 *ንህይወት ዘይብሉ ነገር
ድኻ እንተ በልኩሞ መን እዩ’ሞ ክኣምን?
ንእኡ ኣምሊኽና እንተዘይሰጊድና
ዜግነት መንጢሉ እናኣባርረና
ሬሳ’ኳ ከይቅበር ምእታው ዝኸልኣና
ከመይ ጌርኩም ኢኹም ትብሉዎ *ህባብና!?              *ጸግዕና፡ ሓበንና
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/11/2013

 


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130