Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ዓባይና ክትሓዝን ትዕልሊ ኣደና! (ኣፍሪቃ ክትሓዝን ትዕልሊ ሃገርና!)

$
0
0
ኣንታ ደማሒ፥ (መላኺ)
ብደውካ እንከለኻ ስለ *ዝበደንካ       *ነዊሕ ዝገበረ ሬሳ ስለ ዝኾንካ
*ኣጐበር ከዲንና ሓመድ ክንደብየካ    *ጸሊም ጨርቂ መኽደን ቃሬዛ
ኣንታ *ልበ-እብን መዘና ዘይብልካ     *ጨካን
ጽንዓት ከይትምነ ነታ ወላዲትካ
ብኽቱር ጣቅዒት ህዝብኻ ንዒቕካ!
በል፥       ንፋስ ክብትኖ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ
ሞት ተመኒናልካ ኣንታ መጥፍእ ህዝቢ፡
ጸላም ተቐንጢጡ መሬት ክትወግሓልና
            ኣንታ መዕነው ሃገር ሕልፈትካ ብሂግና!
ዕቡይ መርገም ስንቁ *ኣብሊስ ተንኮለኛ          *ጋኔን፡ ሰይጣን
ርህራሀ ዘይብልካ ምስሉይ *መዓተኛ             *ደፋር፡ ጨካን፡ ርጉም
ፍትሕና ዚጉዕጽጽ ምስ ኮንካና ዳኛ፡
ሞት ተመኒናልካ’ወ ድቃስ ንሓዋሩ
*እልበትና ከኽትም ሓመድ ተቐቢሩ!             *ሓሳር መከራና
ኣንታ ርኹስ ፍጥረት ድያብሎስ ሃገርና
ብፍቕርን *ሂሩትን ባህሊ ወለድና  *ለውሃትን
ተቐበልቲ ጋሻ ለዋሃት ሙዃንና
ከምቲ ናይ ቀደማ ዓለም ክትፈልጠና
ሞት ተመኒናልካ ደዋኒ ምስልና!
ኣንታ ደማሒ፥
ቀሲኖም ክነብሩ ለዋሃት ወለዲ
ሞት ተመኒናልካ ኣንታ መጥፍእ ዓዲ፡
ሕስረትና ከብቅዕ’ወ ዘለናዮ ውርደት
ሞት ተመኒናልካ ኣንታ ምንጪ ስደት!
*ኣብሪሞም ክኽፈት መጣቓዕቲ ኣሕዋትና    *ልቦም
ንህዝብን ሃገርን ክሰርሑ ምሳና
ኣንታ ፈጣር *ሄባል ሞትካ ተመኒና፡         *ህውከት
እቲ ለዋህ ፈጣሪ ኣቦ ናይ ኩልና
ተስፋና ልዑል’ዩ ክሰምዕ ጸሎትና!
ኣንቲ ኣደ፥
ካን ዲኺ ዓዊርኪ ክትነብሪ ኣብ ደልሃመት
እታ *ሔውትና’ኳ ብዕቡይ እተደፍረት  *ዓባይና’ኳ፡ እኖሓጎና’ኳ
ብቕዝፈት ደቅኺ ዝኽሪ እናገበረት፡
እንታይ ደኣ ንስኺ ደቅኺ ክሒድኪ
ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ከሎ ኣብ ጓይላ ሓዲርኪ!?
ሬሳ ናይ ደቅኺ’ወ ጌና ከይተቐብረ
ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ጓይላ እናተገብረ
ነውሪ ክንዲ ምባል ጽዩፍ ዘይነበረ
ምስቶም ሸየጥቲ ሰብ ዘሊልኪ ብማዕረ!
ኣንቲ ኣደ፥
ጽላለድዩ ዕብዳን እስከ ንገርና
ኣማእት ደቅኺ እናተቐዘፍና
ዓባይና ክትሓዝን ትዕልሊ ኣደና
ካን ዲኺ ጨኪንኪ ክንድዚ ኣብ ልዕሌና!?
ብኸንቱ ክጠፍእ ናይ ማህጸንኪ ፍረ
ክሳዕ መዓስ ኣደ ክትጭልጢ ዕረ?
መላኺ ዝምክት ጽገኺ ዘሕረረ
መድሓን ካብ ሰኣንኪ *ሃምበል ዕጡቕ ስረ   *ጅግና
ጸሎት ዘይትገብሪ ዕምሩ እንተ ሓጸረ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 13-11-2013

 


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130