ናይ ደገፍመልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ ንተባዕ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ክቡራት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ልዑል ኣምላኽ ንዝተዋህበኩም ሕድሪን ሓላፍነትን ኣብ ምሉእ ፍቕርን፣ ሓቅን፣ ፍትሕን ዝተመርኮሰ፣ ንልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኹሕኩሕ መልእኽቲ ሕልናን ሓልዮትን ብምምሕልላፍኩም ክብ ዝበለ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ህዝቢ ብራዕዲ ተሸቑሪሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሓይሊ ነብያትን ሓዋርያትን … more
↧