Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

“ፍልይቲ ፍጥረት”– (ፓይሎት 01-08 ሚያዝያ 2012)

$
0
0

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብስም ፓይሎት ዝፍለጥ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ኣብቲ ብስም ስመር ዝፍለጥ ብመንእሰያት ዝተኸፍተ ናይ ፓል ቶክ ኣደራሽ፡ ብድምር ንዓሰርተ ሽሕ ሰብ መደረ ኣስሚዑ፡፡ ኣብዚ ዳርጋ ናይ ሓደ ሰሙን መደረ ልዕሊ 450 እዋናዊ፡ ታሪኻውን ውልቃውን ሕቶታት ንሰማዕቲ መሊሱ፡፡ ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ናይ ፓል ቶክ ዉሑድ መዳርግቲ ዘለዎ ቁጽሪ ሰብ ዝተሳተፎ ኣዳራሽ፡ ዝደግሙ ሰባት እካ እንተለዉ ምስቶም ብሓንቲ ስም ብሓባር ተኣኪቦም ዝሰምዑ ኣጠፋፊእካ እቲ ቁጽሪ ዳርጋ ልክዕ ኢዩ፡፡ ብፍላይ ኣብተን ሰለስተ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት (ዓርቢ ቀዳም ሰንበት) 2000 ተሳተፍቲ ኣብቲ ንጡፍ ኣደራሽ ልዕሊ 2000 ሰባት ድማ ኣብቲ ልኡም ኣደራሽ ተረኺቦም ኔሮም፡፡ እዚ ብስም ስመር ዝጽዋዕ ኣደራሽ መብዛሕትኡ ግዜ 500 ሰባት እካ የአንግድ አንተነበረ፡ ፓይሎት ክዛረብዩ ምስተባህለ ግን 4 ነናይ 250 ኣደራሽ ወሲኹ’ዩ ነቲ ኣኼባ ጀሚርዎ፡፡ ስለምንታይ ግን ፓይሎት ሓደ ኣብ 80ታት ዝተሰለፈን ብተዛማዲ ንኡስ ዕድመ ዘለዎ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ኣኪቡን ኣድማዒ ዝኾነ መደረ ኣስሚዑን? ስለምንታይ’ከ እዚ ኣብዚ ኣደራሽ ዝተረኽበ ሰብ ካብ ዓበይቲ ሃገር-ጠቀስ ሕቶታት ክሳብ እቲ ዝተሓተ ዉልቃዊ ሕቶታት ኣዝኒቡ? እቲ መልሲ ብዙሕ ኢዩ፡ እተን መጀመርያ ክቕልቀለኻ ዝኽእላ መልስታትን ግን ክልተ ኢየን፡፡ ቀዳማይ ህዝቢ ንዓመታት ካብ ፖለቲካኛታቱ ፈጺሙ ክረኽቦም ዘይከኣለ መልስታትን መደረን ስለዘስመዐ ኢዩ፡፡ ካልኣይ ነዚ ሕቶታት እዚ ከአንግድ ዝኽእል መድረኽ ስለዝተረኽበ ኢዩ፡፡ ዕድመ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ!

ፓይሎት ነታ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ክሊ ኢሰያስ ኮይና፡ ረብሓኣ ዘይኮነ ረብሓ ኢሳያስ ክትሕሉ ከይደቀሰት እትሓደር ናይ ዉሑዳት ጉጅለ፡ “ፍልይቲ ፍጥረት” ኢልዋ፡፡ ናይ ብሓቂ ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ መሬትን ህዝብን ክትፈሊ ዘይትኽእል ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድለይንን ኢዩ እትብል ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ በብሓደ ንጹህ ኤርትራዊ እትለቅም ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ ከብድኻ ኣጥምያ ደርፊ እትምግብ ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ ንዓኻይ ሓምሳ ሽሕ እተገብር ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ ክንዲ ኣማኢት ቤት ትምህርቲ ኣማኢት ቤት ማእሰርቲ እትነድቕ ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ ምስ ህሉዋት ከይኣኽላ ምስ ሬሳታት ትቆራቖስ ፍልይቲ ፍጥረት፡፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኤርትራዊ ደምን ኤርትራዊ መንፈስን ዘይብላ ፍልይቲ ፍጥረት። ፓይሎት ኣብ መደረኡን መልስታቱን ዳርጋ ዘይተንከፎ ኣርእስቲ ኣይነበረን። ልዕሊ ኩሉ ግን ነታ ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብ 03 እትፍለጥ ዘይወግዓዊት መፈነዊ ሓበሬታ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዕላዊት መሳርሒ እዚ ስርዓት ከምዘላ ደጋጊሙ ኣብሪሁ፡፡ ሃገር ኣብ ክንዲ ብሕጊ ብ03 ንዓመታት ከምተገዝአትን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኣብ ዕንክሊል ተእቱ ዘላን ንሳ ምኻና ደጋጊሙ ገሊጹ፡፡ ንኣብነት ይብል ፓይሎት፡ ሓደ ሓላፊ እንተደኣ ካብ ስልጣን ክእለ ተደልዩ፡ ቅድሚ ምእላዩ ዘሎ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ብዛዕብኡ ሕማቕ ወረ ኣብ ጎደና ይንዛሕ፡፡ ህዝብና ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ሰለዝተንፍጎ ከኣ ነዚ ኣብ ጎደና ዝተዘርገሐ ወረ ከም ዘለዎ ተቐቢሉ ናብ ካልኦት የመሓላልፎ፡፡ ሽዑ ፍልይቲ ፍጥረት ኣብ መሳኹቲ ተለቪዢን ወጺኣ ነቲ ኣብ ጎደና ዝወዓለ ወረ ስጋ ተልብስ ኢሉ፡፡ 03 ነታ ፍልይቲ ፍጥረት ኣብ ምንኣድ’ውን ዓቢ ተራ ኢዩ ኔርዋ፡፡ ንሳ ዘይገበረቶን ዘይወዓለቶን ጅግንነት ብስማ ይወጽእ፡፡ ገለ ካብ ኣባላታ ስልጣን ክወሃብ ከሎ ድማ ህዝቢ ይኹን ተጋዳላይ፡ እቲ በዓል ስልጣን ተኣምር ክሰርሕ ብሃንቀውታ ይጽበ፡፡ ፓይሎት ነዚ ናይ 03 ስራሕ ከብርህ ዝኽእል ኣብነታት ብብዝሒ’ዩ ጠቒሱ፡፡ ምእሳር ናይ ኣዛዚ ኮር ዝነበረ ሳልሕ ሕሩይ፡ ምእሳር ናይ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ዝነበረ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ምእሳር ናይ ጉጅለ 15፡ ምእሳር ኣባላት ቀይሕ ባሕሪ፡ ምቕታል ኢብራሂም ዓፋን ካልኦትን ዝተዋህበ ምኽንያታት ብ 03 ዝተፈነወ እምበር፡ እቲ ሓቂ ፓለቲካዊ ምንባሩ ኢዩ ኣውኪኡ፡፡

ፓይሎት ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ገበነኛታት ውሑዳት ምኻኖም ኢዩ ኣተንቢሁ፡፡ መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስተራት፡ ጀነራላትን ናይ ህዝቢ ኣመሓደርትን እንተላይ እቶም ኣብ ናይ ጸጥታ ትካላትን ዘለዉ ሰባት ከይተረፉ መሳርሒ ናይዛ ፍልይቲ ፍጥረት ኣይኮኑን ኢልዎም፡፡ እካ ደኣ በዚ ኣካይዳ ናይዛ ሃገር ኣዝዮም ዝሓዝኑን፡ ፍታሕ ከናድዩ ከም ኩሉ ህዝቢ ከይደቀሱ ዝሓድሩን፡ ነብሶምን ደቀሙን ክኣልዩ ክብሉ ጥራሕ ምስቲ ስርዓት ከምዘለዉ ኣብሪሁ፡፡ እዚ ብ03 እንሰምዖ እከለ ከምዚ ጌሩ፡ እከለ ከምዚ ደጊሙ ዝበሃል ወረ ካብ 03 ዝነቐለ እምበር፡ እቶም ንጹህ ሰብ ብቓጻ ዝቐትሉን ዝኣስሩን ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ዝረኣዩ ኣይኮኑን ድማ ኢሉ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ፈልዩ ከለልዮም ይግባእ ክብል ተማሕጺኑ፡፡

ፓይሎት ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ዘሰንበደ ምስጢር ዝተዛረቦ ግን፡ እዛ ፍልይቲ ፍጥረት እትገብሮ ብዕልግናን ስርቅን ኢዩ፡፡ እቲ ብስም ሮሞዳን መሓመድኑር ዝተኸፍተ ናይ ወርቂ ዱካን፡ ብፍሉያት ጸጥታ ናይ ፍልይቲ ፍጥረት ከምተሰርቀን፡ ንዑኡ ንምድላይ ፖሊስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሸንኮለል ግዚኡን ገንዘቡን ከምዘባኸነን ኣብሪሁ፡፡ ፍልይቲ ፍጥረት ገንዘብ ሃገርን ህዝብን ኣብ መዓላ ነብሳ ብምውዓል፡ ብሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ ንብዕልግና ኣብ ታይላንድን ካልኦት ናይ ምብራቕ ሃገራትን ከም ዝዘረወት ሓቢሩ፡፡ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ደቀንስትዮ መመሪጻ ብውስኪ እትእንገድ፡ ኣብ እዋን “ሳልሳይ ወራር” እውን ከይተርፈ ካብዚ እንግዶት’ዚ ከምዘይኣዕረፈትን ደጋጊሙ ገሊጹ፡፡ እቲ ንዓመታት ዝተነግረና ካብ ብልሽውና ነጻ ዝኾነ መሪሕነት ብርእሱ ካብ ዝጥስጥስ ሓያሎ ዓመታት ከም ዘቑጸረን ካብዚ ብልሽውና ክወጽእ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ብዕራይ ክወልድ ኢልካ ምጽባይ ከምዝቐልልን ኣምሪሩ ተላብዩ፡፡ ፍልይቲ ፍጥረት ገነት ክትፈጥረሉ ዝጽበ የዋህ እንተልዩ ግን ልቦና ኣዕብዩ ከሎ ገና ኣንጻራ ክውደብን ነዛ ስጋና በሊዓ ዓጽሚ ጥራይ ዘትረፈትና ፍልይቲ ፍጥረት ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓግሒጉ ክድርብያን ይግባእ ኢሉ፡፡

ካብዚ ናይ ፓይሎት መደረ እንመሃሮ ነገር እንተሎ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ክሊ እዛ ፍልይቲ ፍጥረት ዝነበርናን ዘለዉን ሰባት ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ንስልጣን ናይዛ ፍልይቲ ፍጥረት ተሓባበርቲ ኢና ኔርና፡፡ ፍልይቲ ፍጥረት ብ03ን ወግዓዊ ልሳናታን ሰባት ከተቓሽሽን ክትዝልፍን ከላ ኣክንዲ ነቲ ሓቂ ምብራህን ምንጋርን፡ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ሪኢና ከምዘይረኣና ኣጽቂጥና ሓሊፍናዮ፡፡ አረ ሓደ ሓደ ግዜ’ስ ነታ ፍልይቲ ፍጥረት ዝጠቅም ወረ ነውሪ ኔርና፡፡ ንኣብነት ኣብ ገድሊ ሓደ ልሙድ ዘረባ ኔሩ፡፡ እንተደኣ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ቅድሚ ሲቪል ብዛዕባ ናይ ገድሊ “ምስጢር” ተዛሪቡ፡ ከም ሓደ ዓሻ ወይ ከኣ ደንቀሮ ይቑጸር ኔሩ፡፡ ኣብ ቅድሚ ገባር ተዛሪቡ ተባሂሉ ከኣ፡ ሓላል መራሒ እንተረኺቡ ብመቕጻዕቲ ይሓልፈሉ፡፡ እንተዘይኮነ ካብቲ ኣሃዱ ተነጺሉ ምናምን ኮይኑ ከምዝተርፍ ይግበር፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብቶም ነቲ ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ወይ ከኣ ብደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሑ ሰባት ሰሪጹ ምውጻእ ኣብይዎም፡ ዋላ ድሕሪ እዚ ኩሉ ኩናትን ሞትን ቃል ከስተንፍሱ ኣይከኣሉን፡፡ ሓደ ካብቲ ጉጅለ 15 ዘንቀልዎ ሕቶ ክዕወትሉ ዘይካኣሉ’ውን ካብዚ ዝነቐለ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ዘልዓልዎ ሕቶ መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ተጋደልቲ ዘልዕልዎ ዝነበሩ ሕቶ’ካ እንተነበረ፡ ንዓመታት ቃል ዘይሰማዕናሎም ሓለፍቲ ሃንደበት ዓቢ ሕቶ ምስኣልዓሉ ህዝቢ ግር ኢልዎ፡፡ ምእንቲ ህዝቢ ዘልዓልዎ ሓላል ሕቶ ከኣ በርዒኑ ተሪፉ፡፡ ስለዚ ሕጂ’ውን እንተኾነ ዝሓለፈ ታሪኽ ከምዚ ናይ ፓይሎት ክዝረብ እንተዘይክኢሉ፡ ጽባሕ ንግሆ ካልአይቲ ፍልይቲ ፍጥረት ከይትመጸና የፍርሕ ኢዩ፡፡ ታሪኽ ዝነግር ለባም እምበር ዓሻ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ታሪኽ መምሃሪ ኢዩ፡፡ ታሪኽ መማዕዳዊ ኢዩ፡፡ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ እንተንፈልጥ፡ ሎሚ ክድገም ከሎ መስተባሃልናሉ ኔርና፡፡ ተዓሚቱ ሃገር ዝሃነጸ የለን፡፡ እዛ ፍልይቲ ፍጥረት ተሓቢኣትላ ዘላ በዓቲ ሕጂ እንተዘጋሕጉሕናያ፡ ሽማ ቀይራ ገና ክትቅጽል ክትፍትንያ፡፡ ዕድል እንተሂብናያ ከኣ ነታ ልዕሊ 100 ሽሕ ከፊልና ዘምጻናያ ሃገር ካብ ኢድና ክትሞልቕ ኢያ፡፡

ሙሉጌታ ዓንዱ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130