ርሑስ በዓል ትንሳኤ ክቡራት ደቂ-ኤርትራ! ቅንያቱ ቅንያት ክላይላይሶን ሰጊድ-ሰላምን ብምዃኑ፡ ኩላህና ዜጋታት ድግድጊትና ተቐኒትና ኣብቲ ልብና ዝምርምር ቤተ-ሃይማኖት ተንበርኪኽና ዝመተ ምሕደራ ተቐቢሩ ዝተዳኸመ ቁጠባናን ፖለቲካናን ዝትንሳኣሉ፡ ስዉኣት ሓርበኛታትና ዝድበሱሉ ግዜ ክመጸና ብስም’ቲ ኩሉ እንዳተኻእሎ ምእ ንታና ክብል ነቲ ኩሉ ኣደራዕ ዝተቐበለ ወዲ-ኣምላኽ ብልብን እምነትን ክንምህለል ይግባእ፡፡ ሰላምን ዘልኣለማዊ ድሕነትን ድማ ንዕዑ ይኹን ኣሜን !
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና መንእሰያት ኣብ ድሕሪ መስመር ንቃልሲ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን ክሰንቅዎን ክዓጥቅዎን ዘለዎም ፍልጠትን ነገራትን፡ ከምኡ ከኣ ክኽተልዎ ዘለዎም ጥበባትን ብዝምልከት “ናይ ባህሪ ለውጢ“ ኢልና ከምቀዳማ ይ ዕማም ጌርና ተዛሪብናሉ ኔርና። ብቐዳምነት ቃልሲ ድሕሪ መስመር ማለተይ ካብ ሃገር ወጻኢ ንዘለዉ መንእሰያ ት ዘተኮረ ብምዃኑ ጥራይ ኢዩ።ቃልሲ ግን ናይኩላህና ኢዩ’ሞ ሎሚ ድማ “ናይ መንነት ሕቶ“ ብዝብል ዝተዳለወ ካልኣይ ክፋሉ እንሆ ።
መንነት እንታይ ማለት ኢዩ?
ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ኢዩ፡፡ዓማሚ ትርጉሙ ግና ናይ ሓደ ነገር ውሽጣውን ግዳማውን እንታይነቱ ምዃኑ ይ ጥቀስ። እንታይነቱ ምስተፈለየጠ ኢዩ ከኣ ሓደ ነገር ካብቲ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝፍለየሉን ወይ ብተመሳሳሊ ም ስኡ ዝጉጀለሉን መልኽዕ ዝምደብ። መበቆል ደቂ-ሰባት ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል።ከምኡ ከኣ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ባህርያት/ ፐርሶና ቢሄቪየር/ ደቂሰባት ክንጉጅል ንኽእል። ሊቃውንቲ ንወዲ-ሰብ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ጠባያት ይ ኸፍልዎ። እዚ ኣከፋፍላ’ዚ ሓፈሻውን ብመንጽር ናብራኦምን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ከም ሃገርና ከኣ መግዛእቲዊ ባህርያት ክርዳደ-ጉርድን ስደትን ብዝፈጠረልና ተጽዕኖ ካብ ሓሙሽቲኡ ዓይነታት እና ቆናጠርና በሽበሽ ባህርያት ከይሃለወና ኣይተርፍን። ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። ንኣብነት መንእሰይ ዊንታ ሰለሙን ኣ ብጽሑፋ፡“ኤርትራውያን መይቶም እንከለዉ ካብ ሞት ይፈርሁ“ ዝብል ጥቕሲ ብምስማዓ ከምዜጋ ድማ ንሳ ኒሕ ሒዝዋ ኣምሪራ ተዛሪባትሉ። ድሕሪ ሞት ድኣ ጥዕና ኢዩ ዝቕበጽ እምበር እንታይ ኣፍረሆም? ኢላ ሓሲባ። ፍርሂስ ካን ድዩ ተሰቢልና? ኢላ’ውን ትኸውን። ልዕሊ ንቡር ሓቃ! ዝኾነ ኮይኑ ሎሚ ኣርእስትና ብዛዕባ መንነት ኢዩ።
መንነት መበቆላውን ውህብቶን ተባሂሉ ክጽዋዕ ከምዝኸእል ይጥቀስ ኢዩ። እቲ በወለንታ ጠወርቲ ሃገራት ዝወሃብ መንነት ሰባዊ /ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ / ልግሲ ኮይኑ ክሳብ ርዕመት ክዘልቕ ይኽእል። መስርሑ ምስተማልአ ከ ኣ ናይ ወረቐት ኣመሪካዊ፡ ካናዳዊ፡ ኤውሮጳዊ ኤሲያዊ፡……… ይጽዋዕ ሓታቲ። ናይ ልግሲ መንነት ውዕሉ /ኮንትራ ቱ/ ኣብዝውድኣሉ እዋን ድማ ብወሃብቲ ወይ ተቐበልቲ ክስረዝ ይኽእል ኢዩ። መበቆላዊ መንነት ግን ኣይስረዝ ኣ ይድለዝ ኣይምስራሕ። መበቆላዊ መንነት ምስ ምምጻእ ሃገራዊ ዶባት ኩሉ ግዜ ፖለቲካዊ ትርጉም ክሕዝ ኢዩ ተራ እዩ። መበቆልካ ምፍላጥ ድማ ዘየደቅስን ይጽንሓለይ ዘይበሃልን ዕማም ተወላዶ ኢዩ። ስለዚ ጉዳይ መበቆል ኣማስ ያኡ ሕቶ ፖለቲካ ኢዩ። ንሱ ብንሱ ድማ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ይሓትት።
ብዙሓት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ናይ መበቆል ቅልውላው ስለዘቕለውልዎም ሃገሮም ንምፍላጥ ነቲ ብዘመን ኩንታኩ ንተ በስገዳድ ዝተቐበሉዎ መንነት፡ ዘይሕለል ጻዕሪ ብምክያድ ደቂ ኣፍሪቃ ምዃኖም ዘረጋግጽ ጭብጥታት ፈሊጦ ም መበቆላዊት ሃገሮም ብምብጻሕ፡ ፍስሃዎ ባህታ ዓሲልዎምን፡ ከምኡ ድማ ነብሰ-ምሉእነት ተሰሚዕዎምን ናብ ኣ መሪካኦም ይምለሱ። ተሰኒዱ ዘሎ ታሪኽን ምስልን ብዙሓት ደቂ ላይበርያ ንኣብነት፡ መበገሲ ናይቶም ገላዩ ቅድመ -ኣቦሓጎታቶም ክበጽሑ ብምምጻእ፡ ነቲ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት መቐፈዲ ኣቦሓጎታቶም ዝነበረ ህንጻ ቤት ማእሰ ርትን ሓጺነ-መጺን መቑሕን ክበጽሑ ዓመታዊ ብዙሕ ዝመጠኖም በጻሕቲ ይውሕዙ። ላይበርያ ድማ ብጽላት ቱሪ ዝም በጻሕቲ ደቀባትን ኣሰነይቶምን ህጣራ እቶት ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ሃገርና ኤርትራ ብዙሕ ዝመጠኑ ክብጻሕ ዘለዎ ተፈጥሮኣውን መግዛእታውን ቅርስታት ኣለዋ። ኣብዛ ብኣቀማምጣኣ ተባሃጊት ሃገር መግዛእታዊ ቅርስታት ከመእኒ’ቲ ብኣሰቃቕነቱ ዘስካሕክሕ ናይ ናኹራን ማርያም ግንብን ዝኣመሰለ ቤት ማእሰርትታት ክትበጽሖ ይዕድመካ። ከምኡ ከኣ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝመከተ ሓጺናዊ ዕርድታትን ትንግርቲ ዝስርሖ ዝነበረ ናይ ትሕቲ-መሬት ህንጻታትን ካልእ ከምብዘይሕለል ጻዕሪ ዝኣረጉ ዜጋታት ንዝኣረገ ኣገል ግሎት ምድሪ ባቡር ንምብርባር ዝተገብረ ቃልስን ካልእን ከነስዕብ ንኽእል። እንተኾነ ክብጻሕ ዘለዎስ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገርና ሎሚ’ውን ካብቲ ቅድም ብዝበኣሰ ብቤትማእሰርትታት ኣዝያ ሃብታም ኢያ። ናይ ከተማን ከምኡ ድማ ዝበዝሐ ዝቑጽሩ ናይ በረኻን ማሕዩራት ኣለዉና ኢዮም። ግዜ ፈቒዱ ንዘመናዊ ህድማታትን ክሳብ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ንምውጋይ ጊላታትን ዋጋታት ጥቦት ኩሊተ-ብሌን ኣዒንትን፡ ከምኡ ድማ እቲ ዘይሓልፍ ታሪኽ ዝገደፈ “እዚ’ውን ይሓልፍ“ ዝብል ትርኢት መጥባሕቲ ኣካላት ዜጋታትና ነባሪ ናይ በጻሕቲ መስሕብ ክኾነልና ኢዩ። ሽዑ መንእሰያትና ከምበዓል /ዘርኦም ወዲወራሲ/ካብዚ ናይ ሎሚ ብዝበበለጸ ዙራ’ሞ ሃገርካ ክመጸኩም ኢዩ፡፡ ኣውራ ትበጽሑዋ ቦታ ከኣ ህድሞ ወይ ዑና ዓደቦሓጎታትኩም ክትከውን ኢያ። ዕድለኛታት እንተኾንኩም እቲ ንወለድኹ ም ዘዕበየ ጠቐርን ትክን ክትዕጠንዎ፡ እንተዘይኮነልኩም ድማ እታ ወለድኹም ወይ ኣቦሓጎታትኩም ዝተወልዱላ ፍርስራስ ንእዲ ሰኣኢልኩማ ክትምለሱ ኢኹም። ምናልባሽ ጉዕዞኹም ብውልቂ እንተኾይኑ፡ ኣብተን ሰብን እንስሳን ዝጽዕና ኣውቶቡሳት፡ ከም ደርሁን ጤለ-በጊዕን ከደንግጻኹም ስለዝኽእላ ክፍሊ ቱሪዝም ብምቹኣት መካይን እ ናገበረ ከዛውረኹም ኢዩ። እንተኾነስ ንሱ ንክብጻሕ ቃልሲ ትሕተቱ ኣለኹም። ከምኡ እንተዘይጌርኩምን እንተ ዘ ይተቓሊስኩምን፡ ከምዚ ናይሎሚ ዘሎ ካብ ገዛኹም ብሰላም ምስወጻእኩም ኣይክትምለሱን ኢኹም። ኣብኡ ስለ እትእሰሩ:፡ “ስለምንታይ ንእሰር? ዶ ኢልኩም ሓቀይ? ንስለምንታይነቱስ በሉ ንቐጽል።
መጀመርታ መድረኽ ዕድመ ሰብ ብነብሱ ህንጡይ ኢዩ። ጽባሕ ንዝኾነካ ፍልጠት ክትቀራርም ክትብል ብዙሕ ኢዩ ዘሕትተካ። ሕቶ ምሕታት እምበኣር ባህርን መሰልን መንእሰይ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዘርኦም ዝገበሮ፡ መበቆላዊት ሃገ ርኩም ምስከድኩም በዓል ጐደና ካምቦሽታቶን ህንጻታት ካዜርሞ ሞሶልዮኒን ምስረኣኹም፡ ክልኣይ መደበርፖሊስ ድማ ብግዳማ ክትርእይዋ ግድን ኢዩ። ክሳብ ክንድኡ ሰላማዊት መሲላ ስለእትረኣየኩም ብዛዕባኣ ከኣ ክትሓስቡ ኢ ኹም። ኣብውሽጣ በዓልመን ኮን ተኣሲሮም ይህልዉ? ስለምንታይከ? እኒ እከለ-እከለ ዝበሃሉኸ ኣብዚኣዶ ይህልዉ? ……..
ውዱዕ ነገር ሓሳባት ይፈጥር። ሓሳባት ድማ ብቃላት ይግለጹ። ኮይኑ’ውን ኣብ ኣእምሮኹም ብዙሓት ነገራት ይመ ላለስኹም።ንዘረባ ከኣ ዘረባ ስለዘምጽኦ ከምታ ናይ ዘርኦም ነቲ ዘሰንየኩም ሰብ ወይ ሰራሕተኛ ቱሪዝም ሕቶ ክት ድርብዩሉ ትግደዱ።
“ጉጅለ ዝበሃሉ ሓለፍቲ ነበርከ ኣበይ ተኣሲሮም ኣለዉ“? ዝዓይነቱ ሕቶ ማለተይ ኢዩ። ወዮ መሰነይታ ባኣንባኣ ልቡ ክትፍጋእን ነብሱ ከተንፈርፍርን ክተረእዩን፡ ንስኹም ድማ ነዚ ንቡር ትቖጽርዎ ሕቶ ምሕታትኩም ጉድለት ኩም ከይተረደኣኩም ክተርፍን ይኸእል። መሰነይታኹም ጉዳይኩም ኣብዝምልከታ ከብጽሓ ከምዝክእል ምንም ግ ምት ኣይክህልዎኩም ኢዩ። ሓልይልኩም እንተኾይኑ ከምኡ ከምዘይበሃል ክምዕደኩም ክብል ከሕሸኹሽኽ ይግደ ድ። ነገራቱ ከኣ መመሊሱ ክድንጽዎኩምን፡ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክሕወዝውዙኹምን ኢዮም። “እዋእ፡ ስለምንታይ ከምኡ? ሰብ ናጻዶ ኣይኮነን? ወረ ስለምንታይ ንእሱራት ሰብ ዘይበጽሖም? ስለምንታይከ ኣብቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ? ሕጊዶ የለን ኢዩ ኣብዛ መበቆል ሃገረይ? ብዙሕ ብዙሕ ሕቶታት ማለተይ ኢዩ።
እታ መሰታኹም ማርታ ናይዝጊ ብዘይካ ሕቶ መሰል ካልእ ዝኣበሰቶ የለን። ምናልባሽ ክሳብ ኣብ ነብሳ ዝበጽሓ ወ ይ ብምኽንያት ንእስነታ ከይተረዳኣ ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል ማለት እናተዘይኮይኑ እቲ ሃገር ዘዕነወ ተግባራትሲ መንብርትና ኢዩ። ብዝኾነ ኣቦኣ በዲሉ እንተኾይኑ ከምቲ ዓከዓካ ዝበሎ ናይፖሊሲ ጉዳይ እምበር ናይ ወላዲኣ ነ ገር ጸገማ ስለዘይቆጸረቶ መሰል ክትሓትት ብድፍረት ከይዳ። ሎሚ ኣንጻር’ቲ ሓሲባትሉ’ዃ ዘይትፈልጥ ኣይሕሱብ ወድቂ ምስወረዳ እንታይ ትብል ከምእትህሉ ኣይጠፍኣኩምን ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ንዓኹም ከምኡ ከምዘጓንፈ ኩም ስለእትሓስቡ እንደገና ናብ ዝኸበደ ሕቶኹም ትድቕደቑ። “እዋእ እዛ መበቆል ሃገርናስ እምበርዶ ነጻነታ ረኺ ባ“? ዝብል ሕቶ። በቲ ነጻነት ሃገር እንተዘይተጠራጠርኩም’ውን “ኣብሃገርና ዘሎ ምሕደራ ዲክታቶር አዩ“ ከምት ብሉ ብፍጹም ጥርጥር የለን። ዲክታቶር መሸም ቀንዲ ጸላኢ ናይቲ ባዕሉ እምብዛ ዝምድረሉ ነጻነት፡ ሓርነት፡ ፍት ሒ፡ ዲሞክራሲ ወዘተ ኢዩ። ስለዚ ቅሳነት ኢልካ ነገር ጡብ ብዕራይ እንድዩ ኣብ ሃገርና፡ እንደገና በብልብኩም ና ብ ተሰላስልዎ ሓድሽ ሕቶ ከኣ ትድርገሙ። በበቲ ትነብርሉ ከባቢታት ከምዝተጸለኹምን፡ ትኣምንሉ መልክዕ ምሕ ደራ ከምዝቀረጽኩምን መጠን፡ “ስለምንታይ ኣብሃገርና ምርጫ ዘይግበር“ ዝብል ሓሳብ ክብሕተኩም ትግደዱ። እ ሞ ሓሳባት ከኣ ክድፈኑ ስለዘይብሎም እምነትኩም ዳግማይ ሳልሳይ ሳዕ ምስሰባት ክትደጋግምዎ ኢኹም።
ካብ ሕጂ ሒዙ ዝነቀወ ዝብኢስኒ ነየሕደረኒ“ ከምዝበሃል፡ ድሮ ተመዝጊባ ዝጸንሐት ስምኩም ብእዋኑ ክትንጸል፡ ክሳብ’ውን ክትውገን ስለዘለዋ ጉዳይኩም ናይግዜ ሕቶ ጥራይ ይኸውን። ኣኸለ! ከም ዘርኦም እታ ብማዕዶ ዝበሃጋ ን፡ ብዛዕባኣ ከኣ ብዙሕ ጎስጓሳት ዝሰማዓላ መበቆል ሃገሩ ክርኢ ዝመጸ ጉንዲ እዝኑ ምስተጨልገመ እንተድኣ ሓንሳ ብን ንሓዋሩን ዘይተዓሽጉ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ድማ ንወያ መበቆል ሃገሩ ኩቦ ደርብዩላ ይፋኖ።
ዛዕባና ብዛዕባ መንነት ኢዩ። መንነትን ዋንነትን ድማ ኣይነጻጸላን። ኩላህና ድማ ኣብ ትርጉም ሃገርን ሃገራውነትን ኣይነፈላለን ይመስለኒ። ብሓጺሩ ሃገር ፖለቲካ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ጾታን ደርብን ዘይፈሊ ምዕሩይ ትርጉም ኣለዎ። ሃገር ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ትብጽሖ ኢያ ስለዚ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና“ ዘይኮነስ “ ንሕና ንሃገርና፡ ሃገርና ናዓና“ኢልና ክንሓስብ ይግባእ። ስደት ዝመዘዙ መኻልፍ ከምዘሎ ግን ኣይከሓድን። ኣብቲ ድሕሪ መስመር ኣብዘሎ ናብራ ምእ ንቲ ርእሱ ከክልተ ዜግነት ሒዝካ ኢዩ ሃለዋት ኢልና ኔርና። ነገር ባህረት ከኣ በቢዝኣተናዮ ምምሳልን ምፍራይን ስለዘሎ፡ ወለዲ ደቆም ከይጠፍእዎም ዘካይድዎ ቃልሲ ድማ ገሊጽናዮ ኢና። እንተኾነስ ሓደሐደ ግዜ ንብዙሕ ም ኽንያት ናይ እንጀራ ዜግነት ልዕሊ’ታ መበቖላዊት ከምትምረጽ ከኣ ዝርአ ኢዩ። ብመንጽር ብታነ ሰብና ድማ ምር ዓም ናይ ዘዝኣተናዮ ባህልታት ኣሎ። ነዚ ብቋንቋኻ ኣብሓደ መንነት ክትጥርንፍ እጃምካ ኢዩ ኣንታ ተቓላሳይ መን እሰይ።ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምክያድ ድማ መጀመርታ መንነትካ ምንጻርን ምቕባልን ኢዩ ወሳኒ። መንነት ብመፈጠርን ውልቀ-ጠባይን ማለተይ ኢዩ። ብደረጃ ሃገር ድማ መን ኢና ንሕና ኤርትራውያን እንተፈሊጥና ሽዑ ፈተውትን ጸላ እትን ምንጻሩ ኣየጸገምን። እንተኾነ ዘይምፍላጥን ምግድዳዕን ምስዝህሉ፡ ኣድብዩ ንዝጻባእ ገንሸልነትና ቅሉዕ ይኸ ውን። ብግርህና ዝዝረብ ከም ኤርትራዊ መንእሰይ ዓጋመ ዘይምዃን እምበር መን ምዃንካ ክሳብ ከምዘይትፈልጥ ተመሲሉ ዝተዘርበ ጥቕሲ ኣንቢብኩሞ ትኾኑ። ምስትንዓቕ ከይመስለኩም። ካባኹም ዝተጸበዮ ዘይተማለኣሉ ወላ ዲ’ውን ከምኡ ክብል ይኽእል ኢዩ። ኣነ’ውን መጀመርያስ “እዛ ጠንቃም ሃገርና ዶኾን ንሓደ ውዲሲንጋፖር ዜግነት ዓዲላ ኮይና“ ኢለ ነይረ። ዝኾነ ኮይኑ ዓጋመ ኪኖ መጸውዒ ወረዳ ካልእ ትርጉም የብሉን። ትግራዋይ፡ ትግራይ-ትግርኚ ማለትከ ንተቐማጢ ናይ ሓደ ከባቢ ድዩ ተዋሂቡ ዋላስ ንተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ? ፍርቂ ተዛራባይ ትግርኛኣብ ኤርትራ፡ ፍርቁ ድማ ኣብ ስግር ምህላዉ ንዝተፈለየ ፍቕሪ ወይ ጽልኢ ዝዕድም ዲዩ? ብዝኾነ መዐቀኒከኒ ተጋሩ ጸ ላእትና ድዮም? ወዘተ። መንእሰይና ብናይሓሶት መንነት ወይ ዘይነበረ ታሪኽ ተታሊሉ ንዝተቀበላ ሃገርን መንነትን ከይዕቅብ ፈዘዝ-መዘዝ እንተኢሉ ግን ከምትማሊ ጽባሕ’ውን ገዛእትና ናይ ምዃን ሕልሚ የለን ኣይበሃልን።
መሓሪ ምስግና ዝተባህለ ተራኺ፡ ብዛዕባ ኢትዮጲያውነትን ዓድዋነትን ክዛረብ እንከሎ ሓያለይ ሳዕ ታሪኽ ክሓዋ ውስ ሰሚዕናዮ ኢና። “ዓድዋ ዓድዋ፡ ክትመጸኩም ድያ ክትከዱዋ“ እናበለ ብዝገጠሞ ታሪኽ’ዃ ብፍላይ ዛንታ ሰለ ስተ ሽሕ ዓመታት ዘቑጸረ ነጻነት ኢትዮጵያ ክዉንነቱ ሓላሊኹ ከዐውነና ዘይፈተኖ ኣይነበረን። በቲ ልሙድ ጥበብ ነጋውስ ኢትዮጲያ ከምቲ ክሳብ የመን ገዚኦም ዝብልዎ፡ ሱዳን ኣትዮም ከኣ ንዘጓነፎም ዕርዲ ደቀባት ከምዝኸርተ ሙ፡ ርእሲ ከተማኦም ከኣ ካብቲ “ከርተመ“ ዝብል ናይ ትግርኛ ቃል “ካርቱም“ ኢሎም ከምዘጠመቑዋ ተረኸ ኣቶ መሓሪ። ዘመኑኸ ቅድሚ እቲ ድርቡሽ ርእሲ ንጉስ ኢትዮጵያ ሰሊቡ ምኻዱ ድዩ ድሕሪኡ ከምዝነበረ ዝገለጾ ሓበሬ ታ ግን ኣይነበረን። ብሓጺሩ እቲ ሃጸይ ንብለድንግል ብግራኝ ተሳዒሩ ደብረዳሞ ምስተሰቕለ ሰበይቲ ሃጸይ ወይዘሮ ሰብለ-ወንጌል ምስ ወደን ንጉስ ገላውዴዎስ ዘዕቆበ ታሪኽ ባሕሪ-ነገስታትና ክጥቀስ ኣይተደልየን። እዋእ፡ ነቲ ብእ ምነት ዝቀረቦም ንጉስና’ውን እኮ ኣላጊጸሙሉ ኢይም። ኣብ ኲናት ዓድዋ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጲያ ዝተሰለፉ መራሕቲ፡ ሰለይትን ተዋጋእትን ኤርትራውያን ሓደ ትጽቢት ነይርዎም። ንጥልያን ክድምስሱ ኢትዮጲያ ክትሕግዞም። ንጉስ መለሊክ ካልኣይ ግን ኪኖ’ቲ ናብ ጥፍኣት ዘምርሐ “ ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ“ ዝብል መጎሰ መራሕ ኵናት/ ኤርት ራዊ/ መረብ ክሰግሩ ኣይደለዩን። ኤርትራ ትሕዞ ናይቲ ዝተሳዕረ ጣልያን ኮይና ክትተርፍ ኢዮም ፈሪሞም። ኤርት ራዊ ኩሉ ግዜ ዘይኢዱ ምስረኸበ! ዝኾነ ኮይኑ ሎሚ ንሕና ምስ ተጋሩ ኮነ ኣምሓሩ ሓድሽ ታሪኽ ሰኒድና ስለዘለና ክንጸባጸብ ዘይኮነ ክንከባበር ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ከምኡ’ውን ከምቲ ካልእ ህዝቢ ዓለም መዐቀኒ ጽልእን ፍቶትን፡ መመመይ መንነትን ሃገራውነትን ኣለና። ምድንጋርን ቅጭ መጺእካ ዝዝረብ ከምዘሎ ግን ዘይምርሳዕ። ንኣብነት ጌጋ ድኣ ይኽለኣለይ እምበር፡ “ባባ ኢሰይያስ ቀጺልዎ እምበር ኣይፈጠሮን“ኣብ መቐለ ብነፈርቲ ቆልዑ እንተዘይቐትል ድማ ሓደነትና ተዛዚሙ ምሃለወ“ ዝመሳሰል ጽሑፍ ዘንበብኩ ይመስለኒ ። ኦይ፡ ላግጺ እንተኾይኑ እንታይግድኹ ም፡ ታሪኽኩም ከምዘይትፈልጡ ኣምሲሉ ንዝሕጭጭ ብቕዓትኩም ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ’ሞ ኣይትገደስሉ። ኣውራ ዃ ጸላእትና ክሳብ ሎሚ ንሃገራውነትና ኣይወሓጥዎን። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ናይ ታሪኽን ወለዶን ምትእ ስሳር፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝስዕብ ትጽቢት ውህደት ኢትዮ-ኤርትራ ከም መበገሲ ክዝረብ ትሰምዑ ትኾኑ። ብኡ ዝተ ቓነየ ጠለብ ወደብ ድማ ብመገዲ ፈተውትና መሰል ክዕደልዎ ተመንዮም ኢዮም። እንተኾነስ ክልተ ካብ ሓንቲ ማ ህጸን ዝተወለዱ ደቂ ሓንቲ ኣደ ከይተረፉ ጎጎጆኦም ሒዞም ኢዮም ኣሕዋት ክኾኑ ዝኽእሉ። እቲ ንክብሪ ሰብ ዝት ንክፍ ትዕቢተኛ ጠባያት ድማ ንወናኒኡ ከይተረፈ ኣይጠቅምን ኢዩ’ሞ ካብቲ ብወተሃደራዊ ቋንቋ ዝግለጽ ጠባይ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን ኢዩ። ብኸምኡ ጥራይ ዝተመልአ ኣእምሮ ከኣ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥ ገታር ጥራይ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። እምበር “ኣመናን ኣይትትረር ከይሰብሩኻ፡ ኣመና ድማ ኣይትጎምባሕ ከይሰሩኻ“ ስ ኢ ሎም ኢዮም ወለድና። ምስግብርና ዘይተሰማምዐ ሕሉፍ ትምክሕትስ ይትረፍ ዋላ ጅግንነትና’ውን ኣይተመካሕናሉ ን ኤርትራውያን። ምስ ኢትዮጵያውያን ዘካየድናዮ ናይ ሃባር ቃልሲ ድማ ንናይሓባር ጠቕሚ እምበር፡ ንኮንፈደረሽ ን ወይ ዝመሳሰል ስርዓት ክንምስርት ኣየውዓልናን። እሞ መመንነትና ዓቂብና ክንከባበር ናይወትሩ ሕልምና ኢዩ። ምጅላሕ መንነት ግን ፈተነ ሓድሽ መግዛእቲ ስለዝኾነ ንሓድሽ ኵናት ካብምዕዳም ሓሊፉ ካልእ ቁምነገር የብሉን። ካብ በኣል ጣፍሲ፡ ብዓል ኣፍ ከምዝበሃል እቶም መዳኸምያ ከዘንግዑና የብሎምን። ስለዚ መንእሰይና መንነትካ ፍ ለጥ። ብሰበብ ናይ መቃለሲ ባይታ ካልእ ሓድሽ መግዛእታዊ ሰነድ ንከይትኽተም ኣብቲ ሃብታምን ጽኑዕ መንነትካ ን ሃገራውነትካን ኮንካ ኢኻ ትቃለሶ።ንፍሉይ ረብሓ ተባሂሉ ዝጥምዘዝ ታሪኽ ዕላማኻ ከየስሕተካ ምእንቲ ታሪኽ ካን መንነትካን ዓቂብካ ንቃልሲ ተበገስ።
ሰናይ ቅንያት ትንሳኤ ሙታን ይግበረልና፡ ኣሜን!
ጎደፋ
12-04-12