መገረም ኔት!
ኣንቱም ሰባት! እዛ መገረም ኔት (መስከረም ኔት) ዝብሉዋ መርበብ ሓበሬታ’ኮ ካብቲ ኣብታ ብመስዋእቲ ኣቦታትና፣ ኣደታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተረኸበት ተባሃጊት ሃገርና፡ ብኣፍና ዓቢሱ ዝድህኸና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንላዕሊ ከፊኣትና። ሎምስ ከኣ ነቶም እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ክጻወሩዎ ዘይከኣሉ፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ከይበሉ፡ ዝውንኑዎ ክብርን ሃብትን ንህዝብን ሃገርን ወፊዮም፡ ኣብ ሃገሮም ሓንሳብን ንሓዋሩን ህዝባዊ መንግስቲ፡ ንዜጋታቱ ከም እንስሳ ዘይኮነ ከም ሰብ ዝርኢ፡ ከቢሩ ዘኽብር መንግስቲ ንምትካል፡ ንጉጅለ ሕሰምን ንሱ ዘምጽኦ ጸይቂ ተግባራትን ክጸርጉ ንዝወሰኑ ተባዓት ዜጋታት ንምድኻም፡ ንገሊኦም ዘይስሞም ሂባ ብምጽላም፡ ንገሊኦም ድማ ብልመና ብምጽዳቕ፡ ዕድመ ስልጣን መላኺ ንምንዋሕ ዝከኣላ ትገብር ዘላ መርበብ ሓበ… እንታይ ኢና ክንብላ!? መርበብ ሓበሬታ ሽርሒ መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ!?
መን ኣሎ ሎሚ ህዝቢ ከስምዕ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ብመርበብ ሓበሬታ መገረም ኔት ዘይተወንጀለ!? እቲ ነታ ጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ንዝተፈላለዩ ደቂ ሃገር ብምርካብ፡ ውርጹጽ ሓበሬታን ጽፉፍን ስሩዕን መደባት ብምስራዕን ካብ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ብቐረባ፡ ሁሉው ኩነታት ሃገርና እትሕብር ራድዮ ወጋሕታ ኮነ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ናይ ምጽባእ ባህሪኣስ ደሓን ለሚድናዮ ኢና። እቲ ሎሚ ንኽዛረብ ዝቐሰበኒ ኣውራ ምኽንያት ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ዓድን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዘጥቅዕ ጽሑፍ ምውጽኣን ሎሚውን ንገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መሲሕ (ቅቡእ) ኢላ ብምልጋጽ፣ ንኮኾብ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ፡ ንፍትሕን ሓርነትን እጃሙ ንኸየበርክት ናይ ምምጽዳቕ ልመና ብምቕራባን’ዩ።
መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ? ወይስ ንዝኾነ ኣኻዕቢቱ ዝኸፈላ ወገን እትግዛእ ከዳሚት ስለ ዝኾነት’ዩ እዚ ኹሉ ለኻዕካዕ!? ኣንፈታ’ኮ ምሓዝን ምጭባጥን ስኢንናዮ! ሓንሳብ ኣዮባሊት (ወዳኢት ነገር) ደለይቲ ፍትሒ፣ እንሓንሳብ ፓፓጋሎ ህግደፍ፡ ሓንሳብውን መቓልሕ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናኾነት ሕብራ ትቐያይር ነፋሒቶ ትኾነልና ዘላ!? ሎሚ’ኮ መን’ዩ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሊ፡ መንዩ ንውልቃዊ ረብሓኡ ዝሰርሕ ንምንጻር ዘሸግር ነገር የብሉን። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሓቂ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሰርሕ ወገን ይኹን ውልቀ ሰብ፡ ካብቲ ዋና ነገሩ ተኣልዩ፡ ኣብ ካልእ ጓል መገዲ ኣትዩ፡ ‘እከለ’ኮ ናይ እከለ ኣገልጋሊ’ዩ፣ እከሊት’ኮ ናይ ኩስቶ ዕስብቲ’ያ ወዘተ.’ እናበለ ኣጀንዳ ውልቀ ምልኪ ኤርትራ ኣየሰላስልን’ዩ። ካብ ምድሪድዩ መጺኡ ካብ ሰማይ፣ ካብ ፈታዊ ድዩ መጺኡ ካብ ጸላኢ ብዘየገድስ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንምእላይ ዝሕግዝ ክሳብ ዝኾነ፡ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ መርሓባ ኢልና ኢና ክንቅበሎ ዘለና። ምኽንያቱ፡ ልዕሊ’ዚ ጉጅለ’ዚ ንኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ከምዘይብሎም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሎሚ ተገንዚቡዎ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኤርትራዊ ናብታ ‘ደመኛኹም’ያ’ ትብሃለና ሃገረ ኢትዮጵያን ናብቲ ‘ጸላኢኹም’ዩ’ ዝብሃለና መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ሓዊን ዓረረን መላኺ ከይዓጀቦ፡ ከም ምነት (ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ) ብቐጻሊ ዝዛሪ ዘሎ።
ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ካብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፡ ናብ ኣመሪካ፡ ናብ ሰብኣያ ዝኣተወት ዘመደይ ዝሓተተትኒ ሕቶ፡ ኣነውን ነቶም ‘ጸላእትና ኣመሪካን ወያነን’ዮም’ ብምባል፡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምልኪ ስልንስል (ክልተ ልቢ፡ ተወላወልቲ) ኴንኩም ዘለኹም ውሑዳት ዜጋታትና ክሓተኩም። ኣብቲ ብጉዳይ ሃገርናን ኣደራዕ ህዝብናን ኣልዒልና እነዕልለሉ ዝነበርና ህሞት’የ፡ ‘ኣንቲ ሸዊት ሓብተይ፡ እዚ ኹሉ ወሪዶና ዘሎ ሕሰምን መከራን’ኮ ብሰንኪ ኣመሪካን ወያነን’ዩ መጺኡ። ንሳቶም’ዮም ዘጥፍኡናን ዘድክዩናን ዘለዉ!’ ብምባል ከደዓዕሳ ፈቲነ። ከምዚ ክትብል ድማ ብምግራም ሓቲታትኒ። ‘ኣንታ ተስፊት ሓወይ፡ እንታይ ዘረባኡ ኢኻ ተስማዓኒ ዘለኻ!? እስከ ናተይ ናይ ሓብትኻ ኩነታት፡ ኣብነት ውሰድ። ኣነሲ ብዓል ቤተይ ኣብ ኣመሪካ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ብሸቐልቀል ንኣና ክጽበ፡ ኣነውን ምስ ኣርባዕተ ደቅና ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢለ ኣእዳዉ ከቋምት ሓሙሽተ ዓመትና ሓሊፉ፤
ሰብኣየይ ክልተ ግዜ ናይ ዕድመ ወረቐት ሰዲዱለይ፡ ክልቲኡ ግን ብሰንኪ ህግደፍ ብዘይፍረ ሓሪሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ከፊለ ምስ ደቀይ ብማኪና ናብ ትግራይ ሰጊረ። እዚውን ንሳቶም እቶም ብሕጋዊ መገዲ ንኽኸይድ ዝኸልከሉኒ ህግደፍ’ዮም ተሓባቢሮሙኒ። እቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ኣብ ኢመግረሽን ወረቓቕተይ ብዘይጸገም ኣሳሊጡ፡ ናይ ስደተኛታት ፓስፖርት ምስ ሃበኒ፡ ካብኡ እታ ዓባይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ እትብሃል ኣመሪካ፡ ሓሙሻይ ርእሰይ ሳንቲም ከይከፈልኩ፡ ብነፋሪታ ሰለለል ኣቢላ ምስ ሰብኣየይ ብሰላም ኣራኺባትኒ፤
ምርኻባ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ራህዋን ሰላምን፡ ኣብ ንጹፍ ዓራት ተቐቢላ፡ ወለድኻ ከማን ዘይገብሩልካ ነገር እናገበረት ብኾፈይ ትቕልበኒ ኣላ። ሕጂ ኣነስ እዞም ጸላእትኹም እዮም ዝተባህሉና መንግስታት እዚኣቶምሲ፡ እቲ መንግስትና እንብሎ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ዘይገበረለይ ጽቡቕ ግብሪ ጌሮም፡ ብሰላም ሓዳረይን ህይወተይን ክመርሕ ኣኻኢሎሙንስ ከመይ ጌረ’የ ጸላእተይ ክብሎም!? እስከ ንገረኒ!’ ምስ በለትኒ ብምግራም። ኣነውን ብወገነይ፡ ሕፍረት ስለ ዝተሰማዓኒ ነቲ ህግደፋውያን ዝደጋግሙልና መታለሊ ቃል ማለት ‘እወ ሓልዮምልኪ እኮ ኣይኮኑን ጽቡቕ ጌረሙልኪ፡ ዘይመታን ክበታትኑና ደልዮም እዮም!’ ክብላ ኣይደፈርኩን። እንታይ ንምባል’የ እዚ ኣብነት’ዚ ኣምጺአዮ፡ እንተ ደኣ ብሓቂ ንሃገርን ህዝብን ንሓሊ ኴንና፡ መን ንጥፍኣትናን ብርሰትናን ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ ብምስትውዓል ክንግንዘቦ ከም ዘሎና፡ ነቶም ብጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ዝጠራጠሩ ሰባት ከዘኻክር ስለ ዝደለኹ’የ።
ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት፡ በሉ ናብዛ መበገሲት ጽሑፈይ ዝኾነት መርበብ ዕግርግር፡ መገረም ኔት ክመልሰኩም፥ ኣብ መወዳእታ ንመርበብ ዕግርግር መገረም ኔት በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ስለ ህዝብን ሃገርን ኣደብ ግበሪ! ወይ ድማ መንነትኪ ኣነጽሪ፡ ኣገልጋሊት ውልቀ መላኺ ዲኺ ኣገልጋሊት ወያነ ኣፍልጥና’ሞ ከም መርበብ ሓበሬታ ሻባይትን ዓይጋን ሸለል ክንብለኪ ክብላ ፍቐዱለይ?
መገረም ኔት!
ኣንቲ መገረም ኔት እንታይ እዩ እቲ ጉድኪ
ቁውም ነገር ከናዲ ገንጺለ ማህደርኪ
ሓሶትን ሸፈጥን ይሽትት ልባስኪ
ዘለፋን ጥቀናን ይንበብ ድርሳንኪ
ፈጣን ኣመንዝራ ኣገልጋሊት ምልኪ
መሬት እናወገሐ ኣብ ጸላም ምጉዓዝኪ
ኣዕጽምቲ ሃንዛ ኢለ ኣነ ሓፊረልኪ!
ኣንቲ መገረም ኔት ክንደይ ተደንግጺ
ኣብ ባሕሪ ኣንሳፊፍኪ ማዕበል ትናወጺ
ካብ ቃላይ ወጺእኪ መሬት ዘይትረግጺ
ፍትሕን ሓርነትን ራህዋ ከይትመርጺ
ብህዝብን ሃገርን ወትሩ ተላግጺ
ግዜኺ ኣጥፊእክዮ ሓቂ ክትጉዕጽጺ!
ፓፓጋሎ ህግደፍ ብዓል ኣለናልኪ
መርገጺአን ፍሉጥ ኣገልገልቲ ምልኪ
ናታተን ይሓይሽ ካብዚ ጸይቂ ናትኪ
ለኽበጥበጥ ክትብሊ መሬት ዓሪቡኪ!!
ኣንቲ ዘይትሓፍር *ፋይቶት መገረም ኔት *ኣመንዝራ
እንታይ ኣእትዩኪ ኣብዚ ኹሉ ሕስረት
ሃብቲ ናይዛ ዓለም ሓላፊ እንድዩ ንብረት
ሓቂ ተዓጢቕኪ ከይትረኽቢ ክብረት
ዕስበት ብምምራጽኪ ናይ መላኺ ሽቕለት
ተጎልቢብኪ ኣለኺ ሎሚ ካባ ሕፍረት!
ደርሆ ከይነቀወ ከምዛ ዘይፈለምኪ
ጉዕዞ ናይ ሓርነት ኮምፓስ ጠፊኡኪ
ንፋስ ክመርሓኪ ኣብ ህዋ ኣንሳፊፍኪ
ክርዳድ እተፍሪ ጎድፍ ብምዃንኪ
ስጋኺ መገረም ልበይ ሓዚኑልኪ!
ሓንሳብ ደብረዘይቲ ሓንሳብ ኣብ ቦሎኛ
መንእሰይ ዘትዩ ከይከውን ሓርበኛ
ፍትሒ ከይፍጠር ፈራድ ሓቂ ዳኛ
ክፋእ ንምፍጻም ሸርሒ ዓመጸኛ
ሓድነት ንምዝራግ ትኾኒ መንጎኛ!
ንፍቕሪ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ትሰርሒ
ህዝቢ እናጠፍአ ንስኺ ክትረብሒ
ሃልሃልታ ቅርሕንቲ ሓዊ ተጋውሒ
ጽባሕ ኣብዛ ሃገር ምስ ነገሰ ፍትሒ
ጸሓይ ምስ በረቐት ተኪኣ ንወርሒ
ፍርዲ ናይ ህዝቢ’ሎ ዘይምሕር ገናሒ
መሬት ከይቀደደ ሕጂ ተናስሒ!
ዕብየትን ብልጽግናን ነተን ከይተሓለላ ንህዝብና ሓቀኛ ሓበሬታ ብምስናቕ፡ ኣንጻር’ዚ ብስም ስውኣትን ሃገርን እናሸቀጠ፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንኽቃለስ፡ ሓያል ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋ ኩለን ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ይኹን እብል።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-12-2013