Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ቓጭል ህልቀት መጸዋዕታ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ሰማዒ ረኺቡ ብጥርኑፍ ክንቃለስ ህዝባዊ ናዕቢ ይፍልፍል ኣሎ

$
0
0

ዎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽትን ወጻእን እንርከብ እታ ብኣሻሓት  መስዋእትን ስንክልናን ዘምጻእናያ ኤርትራ ንዜጋታታ ኣብ ትሕቲ ራህዋን ቕሳነትን ዘራይ ኣያኹሉ ዝኸውን ቑዋም ሕጊ ሃሊና ብመሰረት ቁዋም ሕጊ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኾይኑ ዝሰርሕ ንድሩት ዓመታት ብህዝቢ ዝተመርጸ እርሓሰና ኢልና ቆጽሊ ዘቐመጥናሉ መርሒ ኣቚምና ዘጋታት ኤርትራውያን እፎይ ኢልና ብቅሳነት ስድራቤት ክጣራነፍ ምስ ተገበኤ።

ሕማቕ ዕድሎት ኮይኑ ግን መስዋእትናን  ስንክልና’ናን ክብሩ ተጋሂሱ ከም እንስሳ ዘገዳም ስድራቤት ተባታቲኑ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ጁሆ ተሓይሩ ኣብ ርእሲኡ ንዝወርዶ ዘሎ ስቓይን መከራን ሕስረትን ክዛረብን ክቃወምን መሰሉ ተሓሪሙ እና ተዳዕኸን እና ተኣሰረን ይነብር ኣሎ እዚ ሓቂ እዚ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ዝሳማማዓሉ ኢዩ ፣እዚ ከምዚ ኢሉ ኾሎ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ከም ደላይ ፍትሒ ፍትሓዊ ሕቱኡ ስለ ዘቕረበ  ማለት ህዝብና ደቁ ዝሰዋኣሉ  ዝሰንከለሉ ንናጽነቱ ክኽዳዕ ክጥለም  የብሉን ዓገብ ስለ ዝበሉ ንዓዲ ከይ ኣትዉ ተኸልኪሎም ምስ ስድራቤቶም  እና ተናፋፈቑ በታ መራር  ሞት  ንዘላ’ኣለም ትፈላሊ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ህግደፍ ብሞት ምስ ናፍቆቶም ይሳናበቱ ኣለዉ።

ዎ ክቡር ህዝበይ  ምስ ናፍቆት ስድራ ቤት ብሞት ምፍልላይ ኣብ ዘበነ ብርታዊ ቃልስና ከብቅዕዶ ኣይ ምስተ ገበኤን ዶ?

   ተካል ምዓልትስ የለኻን በሎ ቦኽሪ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ከዳዕ ጣልማይ  ምልኪ በለጽ ብደም ንጹሓት ዝጨቀወ  ብሓቂ ኣይ ተዓደልናን

 ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ንህዝቡ ሓራን ናጻን ክብል ዝጀሞሮ ቓልሲ ተምሊሱ  ንሃለዋት ህዝብና እንተትሪኦ እንታይ ኮን ምበለ እንቓኦ ኣይ ሪኦ ኣይ ሰምዖ ።

እዚ  ከምዚ ኢሉ ኾሎ ንምጻእ ኣብ  ተቛወምቲ  ብሰንኪ ብሓደ ዄንካ ዘይ ምቕላስ ንህዝቢ ሃስየን ኢየን እቲ ብሓደ ዄንካ ዘይ መቃለሲኤን ድማ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ  ክኸውን ዘይድለ ባህሪ ዘይ የሳርሕ ድሑር ኣድሓርሓሪ ባህሊ ስለ ዘጥረያ ኢየን እወ እዚ ቃል እዚ መርር ኢዩ ግን ግደ ሓቂ ንዕዘቦ ዘለና ኢዩ፤ኣብ ነውሰከፍ ግባኤታተን ዝገበረኦ  ኣብ ክንዲ ብዲሞኩራስያዊ መስርሕ ተቃይደን ተማኪለን ዘይ ኸዳ ንድምጺ ዲሞኩራስያዊ ጥርናፈ ከም ዳኛ  ዓራቂ  መስርሕ ምኻኑ እና ፈለጣ ካብ  መስርሕ ዲምኩራስያዊ ጥርፊ ወጺኤን ሃላሊ ዕንደራ እና ኸዳ ከም ኤመባ እና ተራባሓ  ኣታሃላልወኤን መድሕን ታራ ክጻወታ ኣይ ካላን።

እብዚ  እንታይ ዘይ ገበራ ዝብል ነኒ ውድብካን ሰልፍኻን ማሕበርካን ምዝራይን ምክልኻልን   ይ’ኣክል ይ’ኣክል  ይ’ኣክል !!!!

ክብራት ተኻታተልቲ ነቶም ሓቂ ሲሒቶም እዞም ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት እንታይ ዘይ ገበራ ዝብል ዘራይ ዘንባዕ ሞጎት ሒዞም ዝቐርቡ  ነዚ ዝስዕብ ሓቂ ትዓዘቡ ንብል።

  • Ø እዚ መንእሰያትና ብብሰንኪ ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት  ብሓደ ኾይኖም ዘይ ምቅላሶም ናብ ካላኣይ፥ ሳልሳይ ስግረ ዶብ መንእሰያት ኤርትራ ኣዲታት ኤርትራ  ናብ ሓደጋ ኣብ ሳህራእ ሲናይ  ብቦዶዊን ይጥብሑን ይሕረዱን ይቖርዩን   ክሳብ ምግሳስ  ክብዚ ሓሊፎም ክ’ኣ ናብ  ባሕሪ ቀለብ  ዓሳ  እዚ ናይ ላምቦዲዛ ኣብ ሃገር ጣልያን ዝተገብረ መንእሰያትና ኣዲታት ምስ ደቀን ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም ከም ዓሳ ተዘቚቖም ናብ ሳናዱቕ ክእከቡ ዓለም ዝመስከርቶ ናይ ትማል ህልቀትና ኢዩ ።
  • Ø ክድሕኑሉ ዝኽእሉ መስርሕ ነይሩ አዩ ፥ውድባትን፥ ሰልፍታትን፥ ማሕበራትን ብሓደ እንተትሰርሑ ቑተባ ሓያላት ምኾና  ቅጠባ ዕብየተን ክ’ኣ ነቲ ንኻላኣይ ሳልሳይ ስግረ ዶብ ክሰግር ዝሓስብ ከልኪሎም ብፈውሱ ቀለቡ ክዳኑ ጫሙኡ ኪሎም ክሳብ ምስ’ኦም ዝቓለስ ዘይ ምግባሮም መድሕን ታራ ኣየ ተጻወታን ኢልና ንኸሰን ነዚ መንእሰይ ፈቖዶ ኣመርካን ከነዳን ኤሮጳን ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን  ኣስያን ዝተሰደደ ከም’ኡውን ኣብ ግዕዞ ስደቱ  ዝተሓርደን ዝሰንከለን  ናብ ባሕሪ ዝጣሓለን  ብዕብየት ገበን ጠንቂ ስርዓት ኢሳያስ ምኻኑ እኳ ፉሉጡን ሩኡይን ይኹን እንበር፤ ንሕና ውን ብሓፈሻዊ ኣዛራርባ  ማዕረ ህግደፍ ድ’ኣ ገበን ኣይ ንሰከም እበር ብሰንኪ ዘይ ጡርኑፍ ተቃውሞና መድሕን ታራ ስለ ዘይ ተጻወትና ብታሪኽ ተሓተቲ ኢና።
  • Ø ነዚ ሞጎታዊ ሓቂ እዚ ወዚፍካ ንውድብካን ሰልፍኻን ማሕበርካን ቲፎዘ  ምዃን ኣብ ቃልሲ ኣካል ጸገም ዳኣ እምበር ኣካል ፍታሕ ኣየስምዕን ኣብ ቃልሲ ዘየዕውት መገድን ኣካያይዳን ውድበይ ሰልፈይ ማሕበረይ መሪሑ ክዝውሮ ኣለዎ ነዚ ቃልሲ እዚ ካብ ዝብል ድኻ ሓሳብ ማእቶት ዘይ ቡሉ ሓሳብ ከም ምዃኑ ናይ 20 (ዕስራ)   ዓመት ቃልሲ እንታይ ሓፊስና  ንስርዓት አሳያስ ዝዋዳደር ዓቀን ተቃውሞ እንከሎ እዚ ቓልሲ ቀለስቲ መራሕቲ ብድሞኩራስያዊ ጥርናፈ ተማእኪሎም ተቐይዶም ዝኸዱ ቡቑዓት ሰለ ዘየጥረና ኢና ኢዩ እቲ ሓቂ ።ሕጂ ግን ከነጥሪ ኢና።
  • በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ንውድቦምን ንሰልፎምን ንማሕበሮምን ዘየሳርሕ መገድን ውሳንየን ካብ ሓባራዊ ቃልሲ ፍንጥሪዕ ዘይብሉሉ  ቃጭል ህልቀት ላምቦዱዛ ኣብ  ኢታሊ ዝጥፍ’ኡ ዝጠፍ’ኣ ጡኑሳትን ሓራሳትን ሕጻናትን  መንእሰያትን  መጸዋዕታ ሕድነት ይኹንኩም ይብል።

  ካብቲ ዘሕዝን ድማ ካብ ብተሞኩሮና ዘይ ንማሃር ኣብ ክንዲ ጉድለታትካ ምእራምን ስለ ተቃወመካ ከም ሉኡኽ ህግደፍ መግለጺ እና ሃብካ ሰባት ኣስማት እና ጠቐስካ ህግደፍ እናበልካ ጠቀነታት ቀደም ንብሎ ዝነበርና ከይ ተማሃርናሉ ሒዝናዮ ምጓዓዝ ካንሰር ሕማም ቃልሲ እዩ።ዓገብ ካ ንብዕለይ ነብሰይ ነብሲ ኣማተይ ኣብዚ ጢሒልና ህግደፍ እና ተባሃሃልና እቅረ ከይ ሓተትናሉ ብሞት ምፍልላይና ስለምንታይ ዘይ ንማሃረሉ  ሕጂ ተሓዲሱ ክመጽእ ኣይ ግድን።

ኣብ መጨረሽታ ዛዘሚ ሓሳበይ ምዕበል ሓፋሽ ተባሂሉ ብሓባር ንቃለሰሉ ሓያል ተቃውሞ ንምግባር ቃጭል ህልቀት ተሰማዕነት ረኺቡ ብዞባታት ናይ ዓለም ናይ ብሓባር  ዘቃልሳ ሽማግለታት ይምዘዛ  ኣለዋ ንሰፊሕ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ንምህናጽ ሓደ ነቲ ሓደ ገዲፉ ዘይ ከይድ  እምስረታ ከም ዘለዋ ዘሕጉስ ዜና ከማሓላልልፍ ይደሊ    ከም ኣብነት ካብተን ተመስረታ ኣብ በይ ኤርያ ኦኩላን  ካሊፎርነያ ሽማግለ ቆይማላ ብ’ኡ ምሰርት ድማ ኣብ ኩሉ ዞባታት ይኸይድ ኣሎ ዘባኻ ሓሉ ካብዞም ሕግደፍ ተኻሉ ይባሃል ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ክሉ ዓለምና ነዘን ዝቖማ  ሽማግለታት ካብ ነውሰከፍ  ናይ ወርሒ ደሞዙ  ከዋጽ’ኣ ከም ሓሳብ ኣብ ስመር  ሩም  ዝርርብ እዋናዊ ኾይኑ ኣሎ ስብ ኣብ ስምምዕ እና በጽሔ ከይዱ  እዚ ተቦግሶታት እዚ ክብ ዚሮ ኣይ ተበገሰን ህልቀት ቃጭል  ላምቦድዛ ኢታሊ ምረት ጓሂ ሓዚሉ ኣብ ርእሲ ህግደፍ ተባዕ ስግምቲ ዘውስድ መንገዲ ይህንደስ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ  ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ዝሓወሰ ኣሰር ወዲ ዓሊ ስርሒት ፎርቶ ዝኽተል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘሎ ኣብ ግምት የእቲና ሓድነት እዋናዊ መድረካዊ ጠለብ ኾይኑ ኣሎ።

ዓቕምታትና ናይ ዝተፋላለየ ዓቅምታት ብሓደ ኣጸሚድና ሓያል ተቃውሞ ክንገብር ናይ ነውሰከፍ ኣብ  ትሕቲ ሓልዮ ህዝብና ዝብል ቴማ ዕጥቅና ይኹን እናበልኩ ጽሑፈይ ኣብዚ ይዛዝም ሰናይ ቅነ።

ካብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

ካሊፎርንያ፣ ሰሜን ኣመሪካ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130