ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡ ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡ ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን ኣይፈተኹን ብጽምዋ ተወሪስኪ ወላድ መኻን ክትኮኒ … more
↧