Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

መአረምታ ኣብ መልሲታት መሪሕነት ባይቶ

$
0
0

aseye.assenna@googlemail.com

ናብ ኣቶ ኣማኑአል ኢያሱ፡

ንጉዳይ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብመሪሕነት ባይቶ ካብ ሓላፍነቱ ምውራዱ ዝተዋህበ ውሳነ ኣመልኪትካ ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስን፡ ምክትል ኣደ መንበር ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃብተማሪያምን ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ ዝሃብዎ መልስታት ብዙሕ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ነጥብታት ዋላ እኳ እንተለወ ብቐንዱ ግን ኣብዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ንህዝቢ ክበርሁ ኣለዎም ዝበልኩዎም ነጥብታት ኣትኩሮት ጌረ ገለ መአረምታ ክገብር ፍቐደለይ።

እቲ መስርሕ ዝነበረ፡ እቲ ውሳነ መሪሕነት ባይቶ ብቐጥታ ብኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ ተዋሂቡ ክልቲኦም ኣባላት መሪሕነት ባይቶ ማለት ፍረወይኒ ሃብተማርያምን ኣብርሃም ነጋሲን ኸኣ ደጊፎም ተዛሪቦም። ብድሕርዚ ዕድል ንዶክተር ዩሱፍ ምስተዋህበ እዩ፡ ቅድሚኡ ተወሳኺ ርእይቶ እንተሎ ተባሂሉ ተሓቲቱ እምበር፡ “13 ካብ 15 ደጊፎም 2 ድማ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም ዝበሃል” ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ርእይቶታት፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ዩሱፍ ነቐፌታዊ ርእይቶ ዝሃቡ ብቑጽሮም ሓሙሽተ ኾይኖም፡ ዑመር ኢብራሂም፣ በሺር ይስሓቕ፣ መሓመድ ጠሃር ሸንገብ [ኣቡሻክር]፣ ኢድሪስ ዓሊ ስዒድ [ኣቡልሃማም]፣ ከምኡ’ውን ዓሊ ኣርዳይቶ እዮም። ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ መስርሕ ብመሰረቱ ከምዘይተቐበልዎ ዝገለጹ ኸኣ፡ ብቑጽሮም ሓሙሽተ ኮይኖም፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፣ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፣ ስዒድ እስማዒል፣ ትዕግስቲ ብርሃነን፣ ሰመረ ገብረእዚኣብሄርን እዮም። ኣብቲ መድረኽ ርእይቶኦም ዘይሃቡ ዓብዱ ኣሕመድ፣ ብሩኽ ተኽለ፣ ዑስማን መሓመድ ኪናን፣ ጃምቦ ወልዳይን እዮም።

ስለዚ “ብውሳነ ናይ መሪሕነት ባይቶን ብደገፍ ናይቶም ኣብኡ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ካብ ሓላፍነቱ ኣውሪድናዮ” ዝበሉዎ’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብመሰረቱ ኣብቲ ምስ መሪሕነት ናይ ባይቶ ዝግበሮ ኣኼብኡ፡ ንጉዳይ ናይ ዶ/ር ዩሱፍ ንምርኣይ ይኹን ካልእ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምቅይያር ኣብ ኣጀንዳ ዘይነበረ ምዃኑን፡ ኣብዚ ውሳነ ኸኣ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኢድ ዘይነበሮ ምንባሩን ብንጹር ኽቕመጥ ይግባእ። ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ ነዚ ውሳነ ክወስድ ከሎ ዝተዛረቦ ቓል “ነዚ ተባዕ ስጉምቲ ክንወስድ ጠለብ ናይ ህዝቢ እዩ ኔሩ። ክነተግብሮ ኸኣ ቃል ኣቲና ኢና። ነዚ ኸኣ ክነተግብር ኢና፡ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኸኣ ብሓላፍነት ንሕተተሉ፤ ክሳድና ንህበሉ” ኢሉ። በዚ ምኽንያት እቲ ውሳነ ናይ መሪሕነት ባይቶ እዩ ኔሩ፡ መሪሕነት ባይቶ ኸኣ ይሕተቱሉ። መሪሕነት ባይቶ ድሕሪ እቲ ውሳነ ብዙሕ ዘይተጸበይዎ ተቓውሞ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ናይ ባይቶ ምስ ኣጋጠሞምም፡ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ውሳነ ኣእቲዮም፡ ዝያዳ ሕጋውነት ከም ዘለዎ ከምስልዎ ምፍታኖም፡ ኣብቲ ናቶም ጽፍሒ ሓላፍነት ንዘሎ ሰብ ብታሪኽ ዘሕትት ዓቢ ገበን እዩ።

ሓቅነት ናይዚ መአረምታ ንምርግጋጽ ንኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐጥታ ተወኪስካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጉቡእ ክበርህ እትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ እንዳመስገንኩ ኣብዚ እሰናበተካ።

ሓደ ካብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ.።


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130