Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ኣብ ፖለቲካ ሓቂ ውጸኢት ናይ ሓይሊ ኢዩ ፡ ምስሉይነት ግን ውጽኢት ናይ ድኽመት ምልክት !!!

$
0
0

ኣገዳሲ መግለጺ

ኣብ ፖለቲካ ሓቂ ውጸኢት ናይ ሓይሊ ኢዩ ፡

ምስሉይነት ግን ውጽኢት ናይ ድኽመት ምልክት  !!!

ውድብና ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ካብቲ ብረታዊ ዕጥቂ ኣልዒሉ ኣብቲ ዝካየድ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ እጃሙ ንኸበርክት ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ጀሚሩ ብውሽጥን ብደገን ከጋጥምዎ ዝጸንሑ ሓያሎ ጸገማት ከከም ኣመጻጽኣኦም ንምፍትሖም ዘይሕለል ጻዕርታት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ክንሕብር ንፈቱ ፡፡

ኣብዚ ብንጹር ክርአ እንከሎ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ኣመራርሓ ሕቶ ብግቡእ ዘይምፍታሕ ክኸውን ከሎ እቲ ዝርካቡ ተመሪጹ ዝምዘዝ ኣመራርሓውን ሕጽረታቱ ንምሽፋን ሓባራዊ ኣመራርሓ(collective leadership) ዝኽተል መሳርሕ ስለዘይወነነ እዋናዊ ውድባዊ መደባት ሰሪዑ ነይ ምትግባሮም ኣንፈት ኣይጸንሐን ፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ መንጎቲ ኣመራርሓ ዘይምክብባርን ምንጽጻግን ምትህልላኽን ማዕቢሎም ውድባዊ ስርሓት እናተዓናቐፉ ብርክት ዝበሉ መሪሕነታዊ ኣካላት ነቲ ውድብ ራሕሪሖም ንክኸዱ ዝግደድሉ ኩነታት ከጋጥም ጸኒሑ ኢዩ ፡፡ መሰረታት’ውን ብኡመጠን ናይ ምቅላስ ሞራሎም እናተተንከፈ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝግደድሉ ኩነታት ተራእዩ ኢዩ ፡፡ ደቂ ሰባት ዓጊቦም ክቃለሱ ሰብኣዊ መሰሎም ኢዩ ፡፡ እንተዘይዓጊቦም’ውን ተሰናቢቶም ናብ ዝመረጽዎ ውድብ ወይ ጉዕዞ ክኸዱ ደሞክራስያዊ መሰሎም ኢዩ ፡፡

ይኹንምበር ሃዲሞም እናተባህለ ደድሕሪኦም እናተጓየኻ ኢደ ወነናዊ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ነቲ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ሒዝዎ ዝተረፈ ኣመራርሓ ንኪንጸግ ዝግበር ምኽንያት ኢዩ ፡፡ ምኽንያት ድማ መሰል ውልቀሰብ ከየኽበርካ መሰል ብዙሓት ይኹን ህዝቢ ክኽበር ኢዩ ምባል ዘይሕሰብ ኢዩ ፡፡ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ከም ኣቦ ወንበር ውድብ መጠን ኣብ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ጉዳያት ብውድባዊ ሕገ ህንጻ መሰረት እንታይ ክገብር ከምዝግብኦ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ ፡፡ ንምንታይ ሕጋዊ ኣገባብ ክጥቀም ኣይመረጸን ግን ባዕሉ ክምልሶ ናብኡ ንሓድጎ ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሓታትን ተሓታትን ዝኣምን ውድብ ጉድለት ምስዝርከብ ሓደ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝርከብ ኣካል እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ኣመራርሓ ዓገብ ክብልዎ ይግብኦም ፡፡ ብኡመጠን ድማ ጉድለቱ ተገምጊሙ ብውድባዊ ሕገ ህንጻ መሰረት ግቡእ መኣረምታ ክግበረሉ ይግባእ ፡፡ ውድባዊ ሕገ ህንጻኻ ብግቡእ ዘይትጥቀመሉ እንተድኣ ኰንካ ግን እቲ ኣመራርሓ ይኹን ኣሰራርሓ ውድብ መስመሩ ክስሕት ናይ ግድን ይኸውን ፡፡ እቲ ነቲ ጉድለታት እናረኣዮ መኣረምታ ንኺውስድ ተበግሶ ዘይወስድ ኣመራርሓ’ውን ምስቲ ጉድለት ዝፈጸመ ኣካል ብቐጥታ ተሓባባራይ ስለዝኸውን ካብ ተሓታትነት ነጻ ኣይከውንን ኢዩ ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ተረኽቦታት ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ፈተውትን መሓዙትን  ውድብ ኣብ ቀጻሊ ናይ ዕንወት ጉዕዞ ንኸድሕንዎ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባራት ፈቲኖም ጸማም እዝኒ ሂቡዎም ፡፡

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ብሓደ ወገን ክኸውን ከሎ ብኻልእ ወገን ድማ ውድብና ም.ደ.ፍ.ኤ. ብጭሉቕ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ይሰምር ኣሎ ፡ ዝብሉ ነፍሕታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዞም ምስ በጽሑ ናይቲ እዋን’ቲ ኣቦ ወንበር ጥዑምዝጊ ሃይሉ ኣብ ፈተውትን መሓዙትን ውድብ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ም.ደ.ፍ.ኤ. ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ንኽንሰምር ስምምዕ ኣሎ ዝብሃል ፕሮፓጋንዳ ብግልጺ  ንኽምልሶ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን እቲ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ ፡፡

ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝተገብረ ዝርርብ የለን ፡ ዝተሰማማዕናዮ ናይ ስምረት ውዑል’ውን የለን ፧ ኣብ ዝበለሉ እዋን እምበኣርከስ ነዚ ክካየድ ዝጸንሐ ንፍሕታት ሓቅነት ከምዘይብሉ ጭቡጥ ዝገብሮ ብኣጅ ደረጃ ከተውጽእ ኣለካ ተባሂሉ ብግልጺ ድማ ብኣዋጅ ደረጃ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጐርባ ንሓፋሽ ዘርግሐ ፡፡

ካብ ኣባላት ውድብን ሓፋሽን ተሓቢእካ ዝካየድ ምስጢራዊ ርኽክባት የለን ክብል ብኣዋጅ ንሓፋሽ ገሊጹ ከብቅዕ ገና እዚ ኣዋጅ’ዚ ቀለሙ ከይነቐጸ እታ እትጥርጠር ዝነበረት ስውርቲ ዝምድና ዳግም ንኽትጠናኸር ናቶም ምትእምማንውን ከረጋግጽ ስለዝህልዎ ምጒብዕባዕ ዝተሓወሶ ሓድሽ ምሕደራዊ ኣሰራርሓ ከዘውትር ተራእየ ፡፡

እዝን ካልእን ተደማሚሩ እቲ ውድብ ናብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዞባታት ናይ ም.ደ.ፍ.ኤ. ነቲ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝኸዶ ዘሎ መስርሕ ጉዕዞ ንምእራም እዚ ዝስዕብ መተሓሳሰቢ ክቕርበሉ ተገዲዱ ፣

ሀ – እቲ ዝፍጸም ዘሎ ብዙሕ ጉድለታት ሕጽረት ክለሳ-ሓሳባዊ ንቕሓት ዝወለዶ ስለዝኾነ እቲ ኣብ ባይታ         ዘሎ ውድብ ናይ ክልተ ወርሒ ምንቕቓሕ ከምዝወስድ ምግባር ፡፡

ለ – ምስ ደሞክራስያዊ ውድብ ሳሆ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካልኣዊ ስለ ዝኾነ ብደሞክራስያዊ ልዝብ ንኽእለ ቅሩብ ክትከውን ኣለካ ተባሂሉ ፡፡

ሐ – ምድቶም ኣብ ትሕቲ ግንባር ኢ.ደ.ለ. ተዓቚቦም ንዘለው ኣባላት ም. ደ. ፍ. ኤ. ደሞክራስያዊ ምርድዳእ ኣካይድኩም ኣብቲ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ብሓባር ክትጅምሩ ዝብሉ ሃነጽቲ ሓሳባት ፈጺሙ ነጸጎም ብድሕሪ’ዚ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ሰ. ኣሜሪካን ካናዳን ተኻታታሊ ሰሚናራት ብምክያድ ነቲ ጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝኸዶ ዝነበረ ኣገባብ ኣመራርሓ ብዕቱብ ገምጊሙ ምዂናን ነቶም ኣብ ትሕቲ ግንባር ኢግደለ ተዓቚቦም ዝነበሩ ምሉእ ደገፉ ብምርግጋጽ ኣብቲ ብኽልቲኡ ውድባት ዝቖመ ሓባራዊ ግንባር ኣትኪሉ ክሰርሕ ወሲኑ ወጸ ፡፡ ዞባ ኤውሮጳ  ይኹን ኢስራኤል’ውን ከምቲ ናይ ዞባ ሕቡራት ሃገራት ስ. ኣሜሪካን ካናዳን ዝወሰድዎ መርገጽ ኣነጺሮም ስለዚወጹ እቲ ብጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝምራሕ ጉጅለ ኮይኑ ክተርፍ ናይ ግድን ኮነ ፡፡

ስለዚ እቲ ዝበዝሐ ኣካል ም.ደ.ፍ.ኤ. ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ተኣኻኺቡ ነቲ ብደሞክራስያዊ ውድብ ሳሆን  ም.ደ.ፍ.ኤ.ን ዝተመስረተ ግንባር ኣጠናኺሩ ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንኸሰጋግሮ ኣብ ምትግባሩ ይርከብ ፡፡

እዚ ክንብል ከለና ነቲ ብጥዑምዝጊ ዝምራሕ ጉጅለ ንምቊንጻብ ወይ ንምንእኣስ ማለት ክሰምዕ የብሉን ፡፡ ከም ተቓለስቲ መጠን ኣበይ ይሃልው ብዘየገድስ ናይ ምቅላስ ድሌት ክሳብ ዝሃለዎም ኣብ ሰውራዊ መስርሕ ቃልሲ እጃም ከም ዝለዎም መሰሎም ክኽበረሎም ናይ ሕልና ጉዳይ ኢዩ ፡፡ እቲ ፍልልይ ክመጽእ ዝኽእል ግን መን’ዩ እሙን ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር መንከ ነቲ ህዝባዊ ደማክራስያዊ መደብ ዕዮ ኣዋዲቑ ካልእ ሓድሽ መደብ ዕዮ ይወርስ ኢዩ ክኸውን ፡፡

ናይ ሓደ ውድብ መለለዪ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ኢዩ ፡፡ ነቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ተቐቢሉ ዝትግብር ኣባል ናይቲ ውድብ ክኸውን ይኸል ፡፡ ነቲ መደብ ዕዮ ናይቲ ውድብ ራሕሪሕዎ ምስ ዝኸይድ ግን ብኡ ንብኡ ካብቲ መደብ ዕዮ ይፍታሕ ስለዘሎ እቲ ውድባዊ ስምውን ይብጻሓኒ’ዩ ዋልኳ ይበል’ምበር እቲ ስነፍልጠታዊ ሓቅስ ንሱ ኣይኮነን ፡፡ እቲ ስም ሒዘዮ ክኸይድ ኢየ ምስ ዝብል እቲ ፖለቲካ መደብ ዕዮ’ ውን ብኡደረጃ ክትግብሮ ክኽእል ኣለዎ ፡፡ ውድባዊ ስምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ክልተ ዘይነጻጸሉ ናይ ቃልሲ መሳርሒ ኢዮም ፡፡ ውድባዊ ስም መጸብረቕታ ናይቲ መደብ ዕዮ ኢዩ ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝምራሕ ጉጅለ ምደፍኤ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሓድነት ከም ዝገበረ ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ማዕከናት ከም ዘፍለጠ ሪኢና ኣሎና ፡፡

ብኡደረጃውን እዚ ጉጅለ’ዚ ንሱ ከም ናይ ሓድነት ቀንዲ ተጣባቒ ካልኦት ኣካለት ግን ነዚ ሓድነትዚ ክጻረሩ ዝኸእሉ ከም ዝህልዉ ከብርህ ፈቲኑ ፡፡ ቅድሚ ናብ ሓተታና ምእታው ዝኾነይኹን ኤርትራዊ ሓድነት ዝጸልእ ከም ዘየሎ ከንብርህ ንፈቱ ፡፡ ይኹንምበር ካብ ዝሓለፉ ናይ ሓድነት ተሞክሮታት እንተድኣ ተማሂርና ብዙሓት ሓድነታት ተመስሪቶም ዝፈረሱን ደስኪሎም ከፍርዩ ዕድል ዘይረኸቡን ከምለዉ’ውን እናዘኻኸርና እቲ ንሕና ክንምስርቶ እንደሊ ሓድነትውን ስነፍልጠታዊ መስርሕ ተኸቲሉ ዝጓዓዝ ካብ መትከላውን ግብራውን ስነ-ምግባር ዝነቐለ ክኸውን ይግባእ ንብል ፡፡

እዚ ክንብል ከለና እቶም ሓደ ዓይነት ፕሮግራም ዘለዎም ብምሉእ ስምረት እቶም ዝተቐራረበ ፕሮግራም ዘለዎምውን ዝፈላልዮምን ዘቀራርቦምን ብንጹር ኣቐሚጦም በቶም ዘቀራርብዎም ብሓባር እንዳሰርሑ ነቶም ዝፈላልዩዎምውን ኣብ ቅሉዕ መድረኽ እንዳውረዱ ብኽትዕ ከጻብብዎም ይግባእ ፡፡ እዚ ኣብ መንጎ ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ብጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝምራሕ ጉጅለ ምደፍኤን ተፈጺሙ ዝበሃል ናይ ምሉእ ሓድነት መስርሕ ክልተ ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሒዞም ዝቐርቡ ዘለው ኣካላት ስለዝኾኑ ሕደ ካብ ክልቲኦም እቲ ዝነበሮ ፕሮግራም ኣውዲቑ እንተዘይቀሪቡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናይ ስነፍልጠት ናብ ፍጹም ሓድነት ክብጻሕ ዘኸእል ኣይኮነን ፡፡ ካብዚ ስነፍልጠታዊ ትንታኔ ወጻኢ ክልቲኦም ብዝሰማምዕሉን መሰረት ንሓፋሽ ክበርህ ዘይግብኦ ነገር እንተሃልዩ ግን እቲ ምሕዝነት ምፍንጫል ዘጻብብ ብምዃኑ ጥራሕ ብኣወንታ ምቕባሉ ኣገዳስነት ይህልዎ ፡፡

ኣብ ውሽጢ ምደፍኤ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሓድነት ዘይድግፉ ኣካላት ኣለው እናተባህለ ዝንፋሕ ወረታትውን  ሓሓሊፉ ይስማዕ ኢዩ ፡፡ ኣብዚ ብንጹር ከነቐምጦ እንደሊ ነጥቢ እንተሃልዩ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ይንኣስ  ይዕበ ኣንጻር ህ.ግ.ድ.ፍ. ኣትኪሉ ክቃለስ ኢየ ክሳብ ዝበለ ከም ፈታዊ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢና ንፈልጦ ፡፡

እቲ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ክህልወና ዝኸእል ናይ ሓድነት ሕቶውን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልና ከካብ ፕሮግራምና ተበጊስና ብእንመያየጠሉ ኣገባብ መሰረት ዝገበረ ዝፈላልዩናን ዘራኽቡናን ነጥብታት ብንጹር ምስ እነቐምጥ ጥራሕ ኢዩ ንጹርን ዘየማትእን ምሕዝነት ክግበር ዝከኣል ፡፡ ሓድነት ብባህግን ድሌትን ዝፍጸም ጉዳይ ኣይኮነን ፡፡ ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን ዝተፈላለዩ ሕጽረታት ኣጋጢሞም ናብ ጥፈሻ ገጽካ ኣብ እተምርሓሉ እዋን ህላዌኻ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ብዘይ ዕግበት ዝውሰድ ዓቕለጽበታዊ ኩነታት’ውን የጋጥም ኢዩ ፡፡

እዚ ግን ታሪኽ ንምዕጻው ኢልካ ዝግበር ተርእዮ ስለዝኾነ ምስ ስነፍልጠት ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን ፡፡ ናይ ዓቕምን ብቕዓትን ሕጽረት ዘስዓቦ ውጽኢት ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ ፡፡

ኣብ መደምደምታ እቲ ም.ድ.ፍ.ኤ. ጠቕሊሉ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሓድነት ገሩ ኢዩ ብዝብል ኣደናጋሪ ሓበሬታ ሓፋሽ መታን ከይታለል እቲ ብጥዑምዝጊ ሃይሉ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ድሕነት ክኣቱ ከሎ ፣ እቲ ካልእ ወገን ም.ድ.ፍ.ኤ. ድማ ኩሉ ዓቕምታቱ ኣኻኺቡ ነቲ ምስ ደሞክራስያዊ ውድብ ሳሆ ዝተመስረተ ግንባራዊ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ንምስግጋር ናይ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ ዕዮኡ እሙን ብምዃን ዝቕጽል ዘሎ ሓይሊ ኢዩ ፡፡ ኩለን ናይ ወጻኢ ዞባታት’ውን ነዚ መርገጽ’ዚ ተኸቲሎም ክሰርሑ ምዃኖም ዝለዎም ደገፍ ኣረጋጊጾም ኢዮም ፡፡

 

ዓወት ንሓሽ ብግብሪ ;

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት;

ውድቀት ንህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዓንገልቱን !!!

ኣባላት EMDJ ኣብ ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣመሪካን እስራኤልን


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130