ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 50 ዓመት ፖለቲካዊ፡ ናይ 30 ዓመት ከኣ ብረታዊ ቃልሲ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ረዚን ዋጋን ከፊሉ ኣብ ግንቦት 24, 1991 ነጻነት (ልኡላውነት) ኤርትራ ኣረጋጊጹ። አዚ ነጥበ-መቐይሮ’ዚ፡ ንኤርትራ ሃገርና ፍትሕን ርትዕን፡ ንህዝብና ከኣ መስተርሆት ፈጢሩ: ሰባት ብሰላም ክነብሩን ሰሪሖም መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝድርኽ ሓድሽ ባይታ ክፈጥር ኢዩ ዝብል እምነት … more
↧