Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ነጎዳ ለውጢ –ኣብ ዲስን በይ ኤርያን

$
0
0

ህዝባዊ ማዕበል በይ-ኤርያ

ንሰላማዊ ሰልፊ ዋ.ዲሲ ይዳሎ

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ጎስጓስ ሽማግለ ንሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ግንባር ድሕነት፡ ሳግም፡ ኣባላት ባይቶ፡ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ዘሎ ዜጋ ተረኺቡ። እቲ ቴማ ኣኼባ፡ በዚ ኣብ ሃገር ስደት ዝግበር ዘሎ ግብራዊ ተቓዉሞታት፡ እቲ ደምበ ተቓዉሞ ስሙር ቃልሲ የመዝግብ ስለ ዘሎ፡ ስምረትናን ሓድነትናን ዓቂብና ነደልድሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታትን ተቓዉሞን፡ ንመጀመርያ ግዜ ልብናን ቀልብናን ናብቲ ጸላኢ ከም ነድህብ ገይሩ፡ ስራሕና ኣስሚሩ፡ ነቲ ጨቛኒ ስርዓት ብግብሪ ጸጸር ክንድርብየሉ ሰለ ዘብቅዓና፡ መን ኣበገሶ ዝብል መባኾርን ንቕድሚት ዘይርእን ምጽብጻብ ወጊድ ኢልና፡ ስሙር ተቓዉሞና ብዝለዓለ ደረጅኡ ክቕጽል ንንጠፍ። ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ከም ዝንህር ጌርና ኸእ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ተቓዉሞ ከም እንደገና ክትስእ ኣጆኻ ምባልን ምንቕናቑን እዩ።

ኣብ በይ-ኤርያ ዝርከቡ ውድባት ይኹኑ ዘይተወደቡ ተቓለሰቲ ዜጋታት ዕዉታት እዮም። ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ብኣና በዞም ተረኺብና ዘሎና ንጀምር ብማለት፡ ሽዑ ንሽዑ መን ይትዓወት ተባሂሉ፡ ወጻኢኦም ባዕሎም ሸፊኖም ዝካፈሉ ዜጋታት ድሮ ኣስማቶም ኣመዝጊቦም። እቶም ክኸዱ ዘይጥዕሞም ከኣ፡ ዓቕሚ ገንዘብ ንዘይብሎም ንኽካፈሉ ሓገዞም ወፍዮም። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ በይ-ኤርያ እቲ ዝድለ ጎስጓስ ንኽግበር ከኣ ተሰማሚዖም። ከምኡ እውን፡ እቲ ብዝሒ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክትርንዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢአን፡ ኣዝዩ ጽዑቕ ጎስጓስ ክግበር ከም ዘሎዎ ተዛራሪቦም።

ንመንእሰያት ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢአን፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈ ተሞክሮ ሰላማዊ ሰልፊ ዘኪርና፡ እንታይ እዩ ጸገሞም እንዳበልና ድሕሪ ኣኼባና ኣልዒልናኩም። ኣሕዋትና ሓሚናኩም። እቲ ሕሜታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። ቁጽርኹም ክንዲ ጨጒሪ ርእሲ እትኾኑ ኣጓብዝ ዲሲን ከባቢኣን፡ ብቐሊሉ ጽርጊያ ከተማኹም ብጽርግያኡ ኣዕጺኹሞ ክትውዕሉ ከምእትኽእሉ ትፈልጡ። ውዕለትኩም፡ ንዋሽንግተን ዲሲ “እንታይ እዩ ነገሩ?” ከብላ ከምዝኽእል፡ ውጺኢቱ ድማ ኣድማዒ ከምዝኸውን ኣይጠፍኣኩምን። ተኻፋልነትኩም ግና፡ ኣይ ከም ብዝሕኹምን። ኣብዚ መናሀርያ ዓለማዊ ፖለቲካ ዝኾነ ከተማኹም፡ ነቲ ን24 ግንቦት ካብ ምሉእ ካናዳን ኣሜሪካን ዝውሕዝ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዓጂብኩሞን ኣዐዊትኩሞን ክትውዕሉ፡ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ካባኹም ዓቢ ትጽቢት ይገብር ኣሎ። ነዚ ኩሉ አኢዱ እንዳሓወሰሉ ንላዕሊ ዝሰግድ ዘሎ ደው ዘይብል ህዝባዊ ማዕበል፡ ኢድኩም ሓውስሉ። ሰሚዕኩሞ ትኾኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮናስ፡ እቲ ገጣማይ እውን እንተኾነ ይሓምየኩም እዩ ዘሎ።ዘይሰማዕኩሞ እንተኾንኩም ከተንብብዎ እንሆልኩም።

ጎበዝ ዲሲ! ሸባብ ዲሲ!                         ሱቕታኻ ካብ ኮነ

ትሰምዖ ዶ ኣሎኻ ወቐሳ ሓብቲ                  ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዘሳሲ

ተዳሎ!! ተበገስ!! ንዓ ውጻእ!!                     ድምጽኻ ክሓንቆ እዩ

ኣይትውዓል ከተኽውስ ድስቲ                    ንኢሳያስ ኣብ ናሕሲ

ሰብኣይ የለን ድዩ?                             ተዓወት!! ኣይተግድዕ

ይብላ ኣለዋ እተን ኣንስቲ                        ንፍትሓዊ ቃልሲ

ብጠጠዉ ዝሸይን                               ውጻእ ተሰለፍ

ኩሉ ዝብል ዘሎ ፍቲ-ፍቲ                        ኣስምዕ ግብራዊ መልሲ

መንእሰይ ዓዲ እንግሊዝ                          ሕሜት በዚሑካ ኣሎ

ዘይኮነካ ኣርእስቲ።                              ግበረሉ መደቀሲ።

መንእሰያት ዋሽንግተን ዲሲ፡ እቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ መንእስያት ይኹኑ ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብነት ይኹንኹም። መንእሰያት ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ትማሊ ኣብ ብሪሚንግሃም ሕቡእ ኣኼባ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንኸፍሽሉ፡ ክልተ ሰለስተ ሰዓት ዘይከውን ሓጺር መጸዋዕታ ተገይርሎም፡ ልዕሊ 300 ደበኽ ብማለት ኮሪዕም ኣዂሪዖምና። ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝኣትዎ ጨኒቕዎ። ከምኣቶም ድማ፡ ተቓወምቲ በይ-ኤርያ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ሓባራዊ ስራሕ ንምግባር፡ ከም ሓደ ስድራ-ቤት ብቐሊሉን ብቕጽበትን ዝልዓሉን ብስምምዕ ዝነጥፉን ጥርኑፋት እዮም እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ በይ-ኤርያ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ነቲ ቀንዲ ድፋዕ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝነበረ፡ ሎሚ ዘይኮነስ ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ኣፍሪሱ ዝቐበረ እዩ።

ንጃህራ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት ንለውጢ ምስ ተቓወምቲ ኣያታቶም ኮይኖም፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ በይ-ኤርያ ከምዘይሰርሕ ገይሮሞ ኣለዉ። ነቶም ዓዋሉ መራሕቲ ከም በዓል የማነ ማንኪ፡ ክሳብ ኣብ ኒዩው ዮርክ ከይዶም ዘባህረሩ ኣባ-ዳህሪታት ዝኾኑ መንእሰያት ከኣ ይርከብዎም። ሳልኦም ከኣ ኣብ ከባቢና ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ሰብ ርእዩ መእተዊኡ ነቓዕ ዝጠፍኦ ጠበቕ ከውሒ እዩ ኾይኑ ዘሎ። ብሓጺሩ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተቓዋሚ ክርኢ እነከሎ፡ መስቀል ከም ዝረኣየ ሸይጣን ገይረሞ ኣለዉ።

ስለዚ ክቡራት መንእሰያት ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን፡ ካብ ምሉእ ካናዳን ፈቐድኡ ኣሜሪካን ብደላይ ፍትሒ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብቲ ግቡእ ሰፈሩ ከተእትውዎ ዘድልየኩምን ዘኽእለኩምን ሓገዝን ጥበብን ሒዙልኩም ይመጽእ ኣሎ። እታ መባእታዊት ጥበብ ሓያልን ቀላልን ኮይና፡ ንፍርሒ ያዕ ኢላ ንኤርትርዊት ሕልና ማዕጾ እትኸፍተላ መድሃኒት እያ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ጽርግያ ኣፍ-ልብኻ ገቲርካ “ህ.ግ.ደ.ፍ. ዓድና ግደፍ!! እምቢ ንምልኪ!!” እንዳበልካ ምኹናኑ እያ። ስለዚ ኩሉኹም ን24 ግንቦት፡ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ክትወጹ ንህዝብኹም መብጽዓ እተዉሉ። ሓደ ከይበልካ ክልተ ክብሃል ስለዘይከኣል፡ እዚኣ እንተድኣ ሰጊርኩማ ካልእ ዝተረፈ ኣስተዋጽኦታት ኩሉ መስርዕ ሒዙ ዝኽተል እዩ። ኣብዚ፡ “ህዝብን ሃገርን ከተድሕን ዓቢኻ ንእሽቶኻ ተጓየ፡” እንዳተባህለ ጻውዒት ዝግበረሉ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት እዚ፡ ንግንቦት 24 ኩሉኹም ኣብ ጽርጊያ ፈሲስኩም፡ ዘራይ ጭቁን ህዝብኹም ኮንኩም ከም እትውዕሉ ኸኣ ምሉእ ምትእምማን ኣሎና። ብጽቡቕ የራኽበና።

ቅድሚ ኹሉ ንድሕነት ህዝቢ!!

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ 04.03.13.

 


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130