Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ዓሊ ዓብዱ ካብ መን’ዩ ዝሕባእ ዘሎ ???

$
0
0

ዓሊ ዓብዱ ካብ መንዩ ዝሕባእ ዘሎ ???

ወኪል ሚኒስትሪ ዜና ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣጸዋዉዓ ካብ “ዝኸድዕ”, በቲ ሚዛናዎ ኣጠማምታ ዘለዎ ሰብ ክኣ ኢዱ ካብ ደም ካብ ዝስሕብ,  ኣዋርሕ ቆጺሩሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ምሕባእን ካብ መራኸቢ ቡዙሃን ኣብ ምኽዋልን መሪጹሉ ኣብ ዘሎ ግዜ በቲ ሓደ ካብ መንዩ ዝኽወል ዘሎ ብዘይርዳኣካ በቲ ሓደ ክኣ ስለምንታይ ብዝብል ኣዋጣሪ ዝኾነ ሕቶ ነብስኻ ክትሓትት ትቕሰብ.

ኣቶ ዓሊ ኣብ ካናዳ ኣሎ እናተባህለ ሕጂ ካኣ ኣብ ኣዉስትራልያ ከም ዘሎ ይንገር ኣሎ እዚ ጥራይ ዉን ከይኣክል እቶም ትማሊ ዓሊ ስለ ሰቡ ስለ ኣቡኡ ዘይሓሊ ጉሒላ እናበሉ ዝጥቅንዎ ዝነበሩ ብሽም ተቓወምቲ ዕንክሊል ክብሉ ዝጸንሑ ኣዝማድ ዓሊ እንሆ ሕጂ ዓሊ ንኢሰያስ ገዲፍዎ ተባሂሉ ከበሮ ክህረም ንሰምዕ ኣለና.

ኣቱም ሰባት ንኢሰያስ ዝገደፍዎ እኮ ኣይወሓዱን እቲ ሕቶ ዝኸዉን ዘሎ ምስ ገደፍዎ እንታይ ጌሮም እዩ.

ኣቶ ዓሊ ግን ካብ መን እዩ ዝሕባእ ዘሎ ፡ ካብ ስርዓት ኢሰያስ ዶ ይኸዉን ?

ስርዓት ኢሰያስ ከም መንግስቲ ዘይኮነስ ከም ዉልቀ ሰብ ምሕሳብ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ እዚ ማለተይ ካኣ ስጋብ ኣብ ዉልቀ ሰብ ብምውራድ ን ኢሰያስን ገስረጥ ተግባራቱን ነቲ ናቱ ጨምላቕ ምሕደራ  ዝነቅፍ ወይ ውን ብሕማቕ ዘልዕል ሰብ, ድምር ናይ ኩሉ ድማ ዝቃወም ዘበለ ሰብ ኣብ ምክትታል ካቡኡ ሓሊፉ ዉን ነቲ ከሙኡ ዝገበረ ሰብ ብተዛዋዋሪ ኣብ ምጥቃዕ ካብ ዝጽመድ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ,  ቀንዲ ስራሕ እዞም ኣምባሳደራት ኤርትራ ተባሂሎም ኣብ ፈቐዱኡ ሃገራት ዘለው ዉን እዝን ነዚ ዝመስልን እዩ ስርሖም,  ኣቶ ዓሊ ዉን ኣጸቢቑ ነዚ ጉዳይ ይፈልጦ እዩ ስለዚ ስርዓት ኢሰያስ ኣቶ ዓሊ ኣበይ ከም ዘሎ ምስ መን ይራኸብ መን ይሕግዞ ኣሎ ዘይፍለጥ ኣይመስለንን.

እሞ  እዚ እንዳኾነ እቲ ሓቂ ዓሊ ዳኣ ካብ መን ዩ ዝሕባእ ዘሎ ?  ካብ ህዝቢ ዶ ይኸውን

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣቶ ዓሊ ዝጽበዮ ነገር እንተሎ ከም ማንም ኤርትራዊ ኣብቲ ስለ ሓርነትን ስለ ሰብኣዊ መሰላትን ተተኺሉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ማዕበል ኤርትራውያን ከም ሰቡ ክሳተፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ዝፈልጦ ዘበለ ነዚ ምንቅስቓስ ዝሕግዝ ካኣ ምሕባር እዩ

ካብዚ ሓሊፉ ተሪፉ ግን ሕጂ ኣቶ ዓሊ ስለ ዝሃደመ ተባሂሉ ዘይንሱ ንምምሳል ዝግበር ዘሎ ላዕልን ታሕትን ኣገዳሲ ኣይኮነን ምኽንያቱ መን ሙኾኑ ንፈልጥ ስለ ዝኾና. እንተ ዳኣ እቲ ቅድሚ ዓመት ውን ዘይመልእ ዝተዘርበ ዘረባ ተረሲዑ ኮይኑ ግን ከም መዘኻኸሪ ክጽሕፎ ዘጸግም ኣይኮነን

ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ዝዝረብ ግን ከ ዘይትግበር ካብ ዓሌትነትን ዝንባሌ ናይ ሃይማኖትን ወጺእና ከይሓሰብና ነቲ ንደልዮ ዘለና ሸቶ ክንሃርም ኣይካኣልን እዩ ነዚ ዘጉልሕ ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ ዝተገብረ ምርጫ ንናይ ኣዋሳ ( ኢትዮጵያ) ኣኼባ  ዝነበረ ጉስሩጥ ኣካይዳ ህያው ኣብነት ክኾነና ይኽእል እዩ

ስለዚ ኣቶ ዓሊ ብሃይማኖት ምስልምና ስለ ዝኾነ ወይ ውን ብዓሌት ጀበርቲ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ ከገድሰና ዘለዎስ, እንተስ ተረዴእዎ እንተስ ኣብ ነብሱ ከይትመጾ ፈሪሑ ነቲ ረሳሕ ስርዓት ራሕሪሕዎ ኣሎ, ነዚ  ከም መሰረታዊ ነገር ሪኢና ካኣ ቃልስና ክንቅጽል ይግባእ ኣቶ ዓሊ ገበነኛ እንተኾይኑ ግን ኣብ ኣውስትራልያ ይምጻእ ካናዳ ይኺድ እታ ክሲ ኣይክተርፍን እያ ድሮ እኾ ገበናት ናይ ኣቶ ዓሊ ይትንተን ኣሎ.

ስለዚ ኣቱም ን ኣቶ ዓሊ ናብ ሻሽ ክትቅይርዎ እትጽዕሩ ዘለኹም በጃኹም ነቲ ትማሊ ትብልዎ ዝነበርኩም ዘክሩ እንተዘይኮይኑ ግን ሌባን ተቐባሊ ሌባን ከይከውን ነገሩ

 

ሕቒ !!!

ካብ መልበርን ኣውስትራልያ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130