Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

መድሃኒት ዝሰኣነ ሕማም ።

$
0
0

ክሉኹም ብሃገርኩምን ብህዝቡኹምን እትግደሱ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኢሰያስ ንምጥፋእ ሃገርናን ንምብራስ ህዝብናን ካብ ዝብገስ መዋእል ኮይኑ እንርእዮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ንሕና ግን እናፈለጥናዮ ወይ እናረኣናዮ ኣብ ተኣኪብና፡ ተበቲና ፡ ኣኸባ ጌርና ፡ ብጽቡቕ ደምዲምና ክበሃል፡ ቀለሙ ከይነቐጸ ናብ ሓዲሽ ሓሸውየ ክንምለስ መዋእል ኮይኑ።

ማዕረማዕርኡ ድማ ሃገርና ክጠፍእን ህዝብና ክበርስን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ኣለና። ህዝብና ከኣ ብዓዲ ኣይጠዓሞ ፡ ብስደት ኣይጠዓሞ፡ ኣብ ንብዓት ባሕሪ ይሕንብስ ኣሎ። ንኣብነት ካብ ብዙሓት ሓንቲ እታ ብ 25 ለካቲት፡ ኣብ ሸጋራይብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን፡ ግፍዒ ካብተን ዝሓለፋን ዘለዋን ኮይና ፡ ነዚ ኵሉ ብኽያትን ኣውያትን ብ ኣሰና ዳት ኮም ክመሓላለፍ ክትሰምዖ ከለኻ ንሕልና ዘለዎ ኤሪትራዊት ወይ ኤሪትራዊ ዘደቅስ ኣይኮነን። ንምፍትሑ እውን እኹል ዓቕሚ ኣሎና፡ እንተኾነ ግን፡ ደምበ ተቛውሞ ሕድገት ገይሩ ፡ንህልኽን ቅርሕንትን ወጊዱ ፡ ተጠርኒፉ ፡ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዘይምብጋሱ ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ መንእሰያትና ከም ኣጣል ተወጢጦም፡ ዕዳጋ ወሪዶም ፡ ብሂወቶም ናውቲ ኣካላቶም እናተጠብሐ ብምሻጥ ፡ ምንጭ እቶት ህግደፋውያንን ፡ራሻይዳን ፡ ናይደገ ተሓባበርቶምን ክኾኑ እናረኣና ፡ ነንሕድሕድና ክንመናጨት እነሆ መዋእል ኮይኑ። ብታሪኽ ድማ ዘሕትተና ኢዩ።ሕጂ ግን ነቲ ብዕስራን ሓደን ጥሪ ዝጀመረ ስርሒት ፎርቶ መገዲ ፍታሕ ህዝብና ስለ ዝኾነ፡ ብሓባር ንመርሽ። ዓመት 2013 ድማ ዓመት ቅሳነትን ራህዋን ንግበራ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ንሳ ኢያ መቦቆልናን ክብርናን። ነቶም ንክብረትናን ክብረት ሃገርናን ዝሓለፉ ስውኣትና ሕድርኹም ኣይጠለምናን ቅሰኑ ንበሎም።

ተለዓል ብሓባር ኣሐድሶ ወንኻ፡

ኣኽብር ስውኣትና ሕድሪ ዝበሉኻ፡

ንኾንቱ ኣይሓለፉን እንበር  ንዓኻ ንህዝብኻ፡

ንምንታይ ደኣ ብድሕሪኦም ተፈቲሑ ስረኻ፡

ብዓሌት ድዩ ብሃይማኖት ጸልየሙኻ፡

እዚኣ ግን ድኽመት ኢያ መደንዘዝ ሕልናኻ፡

መሳርሒ ህግደፍ ኣይትኹን በጃኻ፡

ንሶም ሰብመደብ ኢዮም ከጥፍኡኻ፡

ተለዓል ደኣ ቀስቅስ ወንኻ ፡

ኣሎኹ በሎም ኣድሕኖም ህዝብኻ፡

ወጊድ በሎም ንኸዳዓት፡

ምጥፋእቲ ህዝቢ ናይ ሃገር መንደዓት፡

ፍርዶም ክትህቦም ኣብ ቅርዓት፡

መዓልቶም ክተሕጽሮ ንስሱዓት፡

ወዲ ዓሊ ዝጀመራ ሰዓት፡

ንኽትሕንስሶ ናይ ህዝብኻ ንብዓት፡

ሕጂስ ተበራበር ደኣ ኣኺሉ ኢዩ ሰዓት።

 

ካብ መኰነን ፍስሃየ

ከነክቲከት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130