ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ኩነታት ፎርቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብናሉ እዋን ታሪኽ ህይወት እቲ ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013 ዝተሰውኤ ጅግና ተጋዳላይ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ: ከነስዕበልኩም ምዃና ተማባጺዕና ኔርና። እንሆ ድማ ነቲ ካብ ደቂ ኣሃዱኡ ዝተላእከልና ታሪኽ ህይወቱ ነቕርበልኩም። ስእሉ ኣሰኒና ክነቕርቦ ኳ ድሌት እንተነበረና ዛጊት ኣይበጽሓናን። ምስ ታሪኽ ህይወቱ ተተሓሒዙ ብዛዕባ ክቕጽል ዘለዎ ምእላይ ናይቶም ምእንቲ መትከላዊ እምነት ድሕሪት ገዲፉዎም ዝሓለፈ ስድራቤቱን፡ ሃገራዊ ውርሽኡን ዝምልከት ጉዳይ ዘይውንዘፍ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት ዘሰክመና እዋናዊ ዕማም ምዃኑ እናዘኻኸርና ድማ ምስ ታሪኽ ወዲዓሊ ንሓድገኩም። ሰናይ ንባብ።
ታሪኽ ስዉእ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ
“ጅግንነት ወዲ ዓሊ ኣብ ፎርቶ ኣይተጀመረን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ፎርቶ እዩ ተወዲኡ”
እቶም ምስ ስዉእ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝደመና፡ እቶም ምስኡ ዝተዋጋእና፡ እቶም ኢድ ንኢድ ኣብ ምድሪ ኤርትራን ስግረ-ዶብን ንጸላኢ ዝመከትና ከም’ቶም ሂወቶም ዝኸፈሉ እቶም ብሂወት ዘለና ንወዲ ዓሊ ናይ ጀጋኑ ጅግና ኢና ንብሎ።
እቶም ዘይፈልጥዎ፡ ብዘይ ሕንከት ብዛዕብኡ ክዛረቡ ዝደለዩ ግን ተስደሚሞም ዝበልዎ ምስ ጠፍኦም “ሓደ ኔሩ ደሓር ከኣ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ” እናበሉ ታሪኽ ናይ ሓደ ጅግና ሃገር ከቆናጽቡ ሰሚዕና። ንሰማዒ ብዘስደምም ዘረባ፡ ብዘይ ኤርትራዊ ቋንቋ፡ ናይ እስላማዊ ጥሩፍ ምንቅስቓስ ኢዩ ድማ ኢሎም ሰምዮሞ። እዚ ታሪኽ ወዲ ዓሊን ጅግንነት ንምብላል በቶም ኣብ ከብዲ ዓዲ ከለዉ ብዋርድያ ባዕዲ መሕብኢ በዓቲ ፈጢሮም ክነብሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ዝተዘርበ ስለ ዝኾነ ዋጋ የብሉን። እቶም ወዲ ዓሊ መን ምኻኑ ዘይትፈልጡ ድማ ሓቀኛ ታሪኽ ሲዒድ ንኽትፈልጡ ታሪኽ ሓውናን መቓልስትናን፡ ንሱ ክዛረበሉ ኣብ ዘይክእል ጊዜ ከነቕርበልኩም ሓላፍነትና ስለ ዝኾነ ጊዜ ረኺብና ብሙሉእ ክሳብ እነቕርቦ፡ ንጊዚኡ እነሆ፤
ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ብርግጽ ዕለተ-ልደት’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ካብ 1958 – 1959 ዘሎ ዓመታት ኣቢሉ ኢዩ ተወሊዱ። ዝተወለደሉ ቦታ ካብ ከተማ ኣፍዓበት ብሸነኽ ምብራቕ ኮይኑ፡ ኣብ ወለት ሽከር ዝተባህለት ዓዲ ኣውራጃ ሳሕል ተወሊዱ። ወለት ሽከር ኣብ ሃበሮ ጻዕዳ ትርከብ ኮይና፡ ዝዓበየት ዓዲ ናይቲ ከባቢ እያ። ክሳብ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ድማ ምስ ወለዱ ዓብዩ። ወለዱ ብሄረ ትግረ ኮይኖም፡ ስዒድ ካብ ቀቢላ፡ ‘ርግባት’ እዩ። ሲዒድ ቋንቋ ትግረ፡ ቋንቋ ኣዲኡ ኾይኑ ኩሉ ቀቢላዊ ፍልጠት ናይ ከባቢኡ ከም ሓባብ፡ ኣስገደ፡ ማርያ ከምኡ’ውን ሃበሮ ባህልን ልምድን ኣካይዳ ብንእስነቱ ዝተማህረ ባህላዊ መንእሰይ ኢዩ ኔሩ። መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብን መጽናዕቲ ቁርኣን ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ መሓድ ተኸታቲሉ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ሃይለስላሴ ንህዝባዊ ሓይልታት ከምኡ’ውን ንተጋድሎ ሓርነት ንምድምሳስ ተደጋጋሚ ወፍርታት ብኮማንዶ የካይድ ስለ ዝነበረ ሲዒድ ምስ ስድራ-ቤቱ ንሱዳን ተሰዲዱ።
ኣብ ሱዳን ነዊሕ ከይጸንሐ ብዝነበሮ ሃገራዊ ስምዒት፡ በቲ ርሱን ኩነታት ኣብ መወዳእታ 1974 ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ኣብ ድሕሪኡ 1989 ምስ ተጋዳሊት ኣብርሃጽየን፡ ብዓልቲ ደንበዛን ከባቢ ዓዲ ተከሌዛን፡ ሕጋዊ ቃል ኪዳን ፈጺሙ። ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1989 ዮኑስ ዝተባህለ ቦኽሪ ውላድ ረኺቡ። ዮኑስ ወዱ፡ እዋናዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ ኣብ ጋንታታት ናይ ኣስመራን ከረንን ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ስዒድ ንኻልኣይ ጊዜ ምስ በኺታ ዝተባህለት መምህር ሓዳር ጌሩ፡ ብ1997 ተወሳኺት ሓንቲ ጓል ከምዝወለደ ይፍለጥ።
ታሪኽ ገድሊ ስዉእ ስዒድ ዓሊ (ወዲ ዓሊ)
ምንጪ ሃገራዊ ስምዒቱ፡ ቀጥታ ካብ ኣቡኡ ወላዲኡ ዝነቀለ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ሓደ ካብ ኣቦታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብንእስነቱ ከም ዝተራኸበን ናይ ቃልሲ ስምዒቱ ከምዝተነሃሃረን ይንገር። ሸኽ ኢብራሂም ብትውልዲ’ውን ምስ ትውልዲ ስዒድ ዓሊ ሓደ ምንባሩ ሓደ ካብ’ቲ ንመራኸቢ ምኽንያት ዝኾኖም ረቓሒ እዩ።
ድሕሪ ግቡእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምውድኡ ኣብ ቦጦሎኒ 5 ተመዲቡ፡ ቦጦሎኒ 5 እታ ብስዉእ ኢብራሂም ዓፋን ስዉእ ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ትንቀሳቀስ ዝነበረት ኢያ። ቀጺሉ ዳግመ ስርርዕ (ተኽሊጥ) ኣብ ዝተገረሉ እዋን፡ ካብ ሓይሊ ስዉእ ኢብራሂም ዓፋ ናብታ ሓዳሽ ኣብ ዓላ ዝቖመት ሓይሊ ብስዉእ ሓሰበላን ወዲ ግርማይ ብ’ይዓኒ’ ዝፍለጥ ተቐይሩ፡ ክሳብ 1976 ከም ዘገልገለ ይፍለጥ። ከም ኩሎም ምስኡ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ዝምስክርዎ ብኹሎም ሓለፍቱ ንኡድን ምስጉንን ከም ዝነበረ ይግለጽ። ብስዉእ ኢብራሂም ዓፋን ፍስሃየ ወልደገብርኤልን ብፍላይ ቆላሕታን ምትብባዕን ይግበረሉ ከምዘነበረ ድማ ባዕሉ ይምስክር ኔሩ።
ኣብ ወርሒ 3/1977 ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ቦጦሎኒታት ናብ ብርጌድ ዝተሰጋገረትሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ስዒድ ካብ ቦጦሎኒ 500 ከቢድ ብረት ናብ እታ ብሮሞዳን ኣወልያይ ትምራሕ ዝነበረት ከቢድ ብረት ብርጌድ 76፡ ቦጦሎኒ 2 ኣብ’ታ ብኣድም በገ ትምራሕ ዝነበረት ሓይሊ 21 ተመዲቡ። ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ኩሉ ምሕራር ከተማታት ከረን፡ ደቀምሓረ፡ ባጽዕ፡ ደንጎሎ ውግኣት ተሳቲፉ። ካብቶም መጀመርያ፡ ‘122 ሚሊሜተር’ ከቢድ ብረት ዝተማህሩ ተጋደልቲ ኮይኑ፡ ነተን ኣብ ዓዲ ሓውሻ 4/1978 ዝተማረኻ ከቢድ ብረትን ነተን ኣብ ሓምለ 1977 ኣብ ከረን ዝተማረኻ ታንክታትን ሒዞም ናብ ባጽዕ ናቫል በይዝ ዝተዋግኡ ኢዩ ኔሩ።
ኣብ ምዝላቕ ምስ ከቢድ ብረት ብርጌድ 76 ጸኒሑ ቀዳማይን ካልኣይን ወራርን መኪቱ፡ እቲ ወርሑ ደኣ ብልክዕ ኣይፍለጥን እንበር ብ1979 ንመጀመርያ ጊዜ መራሒ መስርዕ ኮይኑ። ኣብ ሚያዝያ 1980 ምስ ሓሙሻይ ርእሱ ትምህርቲ ታንከኛ ንኽስልጥን ንዒራቕ ተላኢኹ፡ ካብ ሓምለ 7/1984 ክሳብ ናጽነት ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ኣብ ብርጌድ 74 መካናይዝድ ኣገልጊሉ።
እቲ ኣዲስ ኣበባ ንምትሓዝ ንሓሙሽተ ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ዝተኻየደ ኲናት፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ብወዲ ለተን ሰለሙን ራሻይዳን ኣብ ዝምራሕ ዝነበረ ብርጌድ (ታንከኛ፡ ረሻሽን ከቢድ ብረትን ዘጠቓልል) ኣሃዱ መካናይዝድ፡ መራሒ ቦጦሎኒ ከብድ ብረት ኮይኑ ተዋጊኡ። ኣብ’ዘን ዝስዕባ ከተማታትን ገጠራትን ኢትዮጵያ፤ ሃምሲት፣ ባሕርዳር፤ ዱርቤቴ፣ ቻግኒ፣ መተከል፣ ፓዊ፣ ባኮ፣ ኣምቦ፣ ጭፍራ፣ ባር ሸልቆ፣ ኣማኑኤል፡ ወለጋ፣ ግዳ ኪረሙ፡ ነቀምቴ ፍንጨ ዝተኻየደ ውግኣት ድማ ብትብዓት መሪሑ፡ ተዋጊኡን ኣዋጕኡን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኹለን ጋንታታት ከቢድ ብረት መሪሑ ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።
ሲዒድ ከም ኣዛዚ ቦጦሎኒ፡ ወዲ መድህን ብወገን ወያነ ኣዛዚ ኮር ዝነበረ፡ ኲናት ተዛዚሙ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንሃገር ኣብ ዝፋነወሉ እዋን፡ መለስ ዜናዊ ዝርከቦም ዓበይቲ ኣዘዝቲ ግንባር ፡ ስብሓት ኤፍሬም፡ ሳሞራ፡ ሓየሎም፡ ናእዳ፡ ጅግንነት ወዲ ዓሊ ተዘሪቡ፡ ምስጋና’ውን ኣቕሪቦሙሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
እዚ ኹሉ ሓሊፉ ተኣምራታዊ ጅግንነት ተወዲኡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ወዲ ዓሊ ብተደጋጋሚ ናብ ስድራ-ቤቱን ንዓዲን ይመላለስ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ ግላስ ምስ ገረዝግሄር ‘ውጩ’ ሰሪሑ፡ ኣብ ክ/ሰራዊት 46 ምስ ግርማይ ማንጁስ ከም ሓለቓ ስታፍ፡ ቀጺሉ’ውን ኣብ ትሕቲ ኣስመላሽ ገረዝጊሄር ከም ኣዛዚ ብርጌድ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ’ዚ ተዛማዲ ሰላም ዝነበርሉ ዓመታት ወዲ ዓሊ ፍሉጥ ተቓዋማይ ብልሽውናን ዘይጥዑይ ምምሕዳር ሰራዊት ስለ ዝነበረ ተቐባልነቱ ኣብ ዝእዝዞም ሰራዊት፡ ነባራት ተጋደልቲ ይኹን ሓደሽቲ መንእሰያት ኣዝዩ ልዑል’ዩ ዘነበረ። ነቶም ልዕሊኡን መዘንኡን ሓለፍቲ ሰራዊት ጉቦ ‘ብላዕ’ ኣብ ዘዘውትሩሉ ብዘይ ፍርሒ ስለ ዝምክቶም ኮነረላት ይኹኑ ጀነራላት ምስ ወዲ ዓሊ ዘለዎ ኣሃዱ ይኹን ከባቢ ሕማቕ ተግባራት ንምፍጻም ይስከፉ ነበሩ።
ሲዒድ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1998 ዝተኸፍተ ኲናት ሕጉስ’ኳ እንተዘይነበረ ግና ከም እሙን ወዲ ሃገርን ወትሃደርን፡ ኣብ ኩሉ ወራራት ብጅግንነት ተዋጕኡን መሪሑን እዩ። ኣብ’ቲ እዋን ወራር ካብ ዝተሳተፈሎም ውግኣት፡ ዛላንበሳን ከባቢ ጸሮናን፡ እቶም ብዓቢ ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኢዩም። ኣብ ወራር ዛላንበሳ ግንባር ሙሉእ ንወዲ ዓሊ ዘይፈልጥ ‘ዋርሳይ’ ይኹን ነባር ተጋዳላይ ኣይነበረን። እቲ ህቡብ ወዲ ዓሊ ኢልካ ምጽዉዑ ከም ልሙድ ተወሲዱ ኔሩ። ኣብ ሓደ ኣኼባ ገምጋም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ወዲ ዓሊ ታንክታትና እርጋን፡ ብረታትና ድማ ድሕረት ከም ዘለዎ ገሊጹ ኔሩ።
ዝኽርታት ወዲ ዓሊ ብመጋድልቱ
ብጾቱ ንወዲ ዓሊ ክጠቕስዎ እንከለዉ፡ ‘ጅግና ሙኻኑ ርእይ ኣቢልካ እትፈልጦ ሰብ እዩ’ ይብሉ። ገፊሕ ሞንኩብን ገጀፍቲ የእዳውን ዝውንን፡ ቀይሕ ነዊሕ፡ ኣብ ኣከዳድና ብዙሕ ዘይግደስን፡ ጅግና ክነሱ ተራ ሰብ ናይ ምምሳል ተኽእሎ ዝነብሮ ሰብ እዩ ኔሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዝተጠቕሰ ቁመንኡ፤ ሙቕሉል፡ ዋዛን ቁም ነገርን ሓዋዊሱ ዘዘናግዕን፡ ከም ሰብ ፍኹስ ኢልካ ንኽትቀርቦን ከትዕልሎን ዝዕድም እዩ ኔሩ። ትብዓት፡ ቆራጽነትን ነብሰ ተኣማንነትን ሕልፊ ሰቡ ዝውንን ጅግና እዩ ኔሩ።
ኣብ ትርፊ ጊዚኡ ምስ ሰራዊቱ ምዝንጋዕ የዘውትር ከም ዝነበረ’ውን ይንገር። ኣብ ናይ መወዳእታ እዋን ጅግንነቱ፡ እቶም ኣዝዮም ዝፈልጥዎ ሰባት፡ ወዲ ዓሊ ፎርቶ ምድያቡ ምስፈለጡ፡ ወይ ክትኩስ ወይ ክሳዕ መስዋእቲ ክኸፍል ሙኻኑ ገሚቶም ኔሮም። ከምቲ ዝገመትዎ’ውን፡ እታ ዘይሓረናያ ድኣ ኮይና እንበር፡ ክሳዕ መወዳእታ ነቲ ዝኣመነሉ፡ ንህዝቢ ምክልኻል ዕላማ ክሳዕ መወዳእታ ጥይቱ ስካዕ ዝውድእ፡ ተቓሊሱ ተሰዊኡ።
ወዲ ዓሊ ፍርቶ ክድይብ እንከሎ፡ ምስ ናይ ብዙሕ ጊዜ መቓልስቱን ብጾቱን ዝነበሩ፡ ኣለም መንግስተኣብ (ጉዝዋ) ኣዛዚ ብርጌድ ዓንሰበታይ፣ ኣብርሃም ገብረሚካኤል (ገላዋ)፡ ኣዛዚ ብርጌድ፡ ሰራየታይ፡ ወዲ ከባቢ ዓዲ ኻላ፣ ሃብተገብርኤል (መንግስቱ) ኣከለጉዘታይ ወዲ መረታ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብ/ጀ ዑስማን ሳልሕ ሓደ ዕላማ ሒዙ እዩ ደይቡ። እቲ ዕላማ ድማ ድምጺ ህዝቢ ምቅላሕን፡ ንስለ ወጽዓ ህዝቢ ምውፋይን እዩ። እቲ ዕላማ ውልቂ ምልኪ ንምጥፋእን፡ ሕድሪ ስዉኣትን ንምትግባር እዩ። እቲ ዕላማ መሰል ህዝቢ ንምርግጋጽን፡ ንስለ ፍትሒን እዩ ኔሩ። ከምኡ ከምዝነበረ ድማ በቲ ኣብኡ ምስደየቡ ዘቃልሕዎ፡ ‘ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ፣ ቅዋም ይተግበር ዝብሉ’ መልእኽታት ኣረጋጊጹ እዩ። እንበር ወዲ ዓሊ ነብሱ ፈትዩ ኔሩ እንተዝኸውን ከምእቶም ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ንውልቂ ምልኪ እንዳሰገደን፡ ስልጣን ንምኽዕባት ብመሰል ህዝብን ሰራዊትን ክጣላዕ ይኽእል ነሩ።
ጅግና ኣብነት ኮይኑ እዩ ዝሓልፍ፡ ጅግና ከም በርቂ ብልጭ ኢሉ እዩ ዝጠፍእ፡ ጅግና ግና ሓድግን ሕድርን ገዲፉ እዩ ዝሓልፍ፡ ስለዚ ወዲ ዓሊ ብዙሓት ጀጋኑ ገዲፉ ከይዱ ከምዘሎ ዘየጠራጥር እዩ። እዚ መስዋእቲ ወዲ ዓሊ ንኤርትራ ዓቢ ክሳራ እዩ፡ ብቐንዱ ድማ ንቤተሰቡን መቕርቡን ዘይፎሓቕ ሓዘን እዩ። ንስድራቤቱ፡ እግዚሄር/ ረቢ ምጽንናዕ ይህቦም።
ካብ ደቂ ኣሃዱኡ