Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ጀጋኑ ዝጠፍኡሉ፡ ወሻሉ ይዋራዘይሉ፡፡ መልሲ ንሓው ሮቤል ተስፋይ

$
0
0

መበገስ ጽሑፈይ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ክበብ ኤርትራውያን ኮሚኒቲታት ስቶክሆልም፡ ሽወደን፡ ዞጋነፈ ባርዕ ሓዊ ኣመልኪቱ: ሓው ሮቤል ተስፋይ ብዕለት 3 መጋቢት: ምስ ራድዮ ናዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ዝተዛረቦ ዘረባ’ዩ። ኣብዚ ቃለ-ምልልስ: ሓደ ዘደንጽው ዘረባ ሰሚዕና: ካብ ሓውና ሮቤል። እዛ ሕጽር ዝበለት ጽሕፍተይ ድማኒ ከም ግብረ-መልሲ ነቲ ከይሓነኸ ዝተዛረቦ ዘረባ’ያ።

ቅድሚ ዝኣገረ ግን፡ እቲ ዝተገብረ ነገር ፈጻሚኡ ብዘየገድስ፡ ዘይሙኽኑዩን፡ ክኹነን ዝግብኦ ተግባር ምኻኑን ርእይቶይ ክገልጽ እፈቱ። ንዑዑ ብዝምልከት፡ እቲ ነገር ተጻርዩ፡ ናይቲ ነገር ፈጻሚ ብፖሊስን ቤት ፍርድን መን ሙኻኑ ምስ ተነግረ፡ ብዝሰፍሐ ክጽሓፈሉ ከምዚኾነ ዘማትእ ኣይመስለንን። ገበነኛን ምኽንያቱን ከይተፈልጠ ግን፡ ብይኸውንን ህውተታን ምዝራብ ቅኑዕ ስለዘይኸውን፡ ንግዜ ምግዳፉ ይሓይሽ።

ኣቶ ሮቤል ተስፋይ፡ ኣዳላዊ ተለቭዝን ድምጺ ኤርትራውያን ስቶክሆልም’ዩ። ኣብቲ ምስ ራድዩ ናዛ ብሓንሳብ ምስ ጋዜጠኛ ዮውሃንስ፡ ንገለ ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ስቶክሆልም ወኪሉ፡ ዝሃቦ ቃለ-ምልልስ፡ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይትጽበዮ ዘረባ ተዛሪቡ። “ጋዜጠኛ ድዩ ኣይኮነን?” ዝብል ሞገተ ንድሕሪት ገዲፍና፡ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ልቢ ዘየብቆለ ህጻን’ውን ዝዛረቦ ከምዘይነበረ ከውክእ እደሊ።

ያኢ ኣምሒሩለይ ኢሉ፡ ካብ ካድራት ህግድፍ ብዝተለቅሖ ዘረባ፡ ንኤርትራውያን ብዝምልከት፡ ተቃወምትን ደገፍትን ዝብሃል ዘረባ የለን ኢሉና። ብኣዘራርባ ኣቶ ሮቤል፡ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ’ዮም ዝኽፈሉ፤ ንሳቶም ከኣ ሃገራውያንን ዘይሃገራውያንን። ተቃወምቲ ኣይሃገራውያንን እዩ እቲ ኣባህላ ሮቤል። በንጻሩ፡ ኣቦይ ዓንዱ ባዕሎም ይናኣዱ ከምዝብሉኹም፡ እኒ ንሱን መሰልቱን ድማኒ ሃገራዊያን።

ሃገራውያን ይብሉኹም ከምዞም ከማታትና’ዩም ኢሉና ከይሓፈረ። ወረ ዳሕራዩ ይገድድ፡ ሓደ ሓው ምስሓተቶ፡ ነተን 40 ዘይመልኣ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ምህርቲ ኻድር ህግደፍ ዝነበረለን መዓልታት፡ ክእሕበነለን ሰሚዕና። ኣየ በዓል ሮቤል! ወግዕኹም ብኾራርምትኻ’ዩ ዘስሕቅ። ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 4 ክሳብ 5 ዓመታት፡ ዕረ እንዳጠዓሞ፡ ንሃገሩ ኹቦ ደርብዩላ ንስደት ዝወሓዘ መንእሰይ፡ ን10ተታት ኣመታት፡ ኣብቲ ሃገራዊ ኣገለግሎት ዝሳጉኡ፡ ሃገራዊ ባርነት፡ ከርቲትካ እንተትነብር ደኣ፡ ሓውና ሮቤል፡ ክንደይ ምተነየትካልና ክንደይ ኮን ምሃደድካና። ኣቦይ ዝጊ ነዓና ክብል ኣየውረዶን እምበሪ፡ ኣብ ልዕሌና ምሸነ ዶ ሓቀይ?።

ኣቦታትና ከምዚ እንከጋጥሞም፡ “ጠሪጡ እንተ ዝሓንክ ዶ ጸሊእኹም” ይብሉ። ንሙዃኑ ሃገራውነት  ትርጉሙ እንታይ ሙዃኑ ትፈልጦ ዶ፡ ጋዜጠኛ ሮቤል? ኣብ ፌስቲቫላት፡ ለይታዊ ትልሂታትን ኣኼባታትን ምውድኽዳኽ ድዩ ሃገራውነት? ካድረታት ህግደፍ ክመጽኡ እንከለው፡ ከም በቅሊ ተወጢሖም ናብ ባህትኦም ስለዝጠምዘዙኹም፤ ዝበሉኹም ከም ጠባብቅ ርእስኹም እናነቅነቅኩም  ስለዝሰማዕኩምን፤ ከም ሕንጻይ ሓንቲ ብዘይምጉዳል ስለዝደገምኩምን ዲኹም ሃገራውያን ኮንኩም? እቲ ሃገራውነት ዝብል ቃል ካብ ሃገር ዝብል ቃል ከምዝመጸን፡ በቲ ዝወሓደ መዓቀኒኡ፡ ንዝመጹን ዝኸዱን ስርዓታት ዘይኮነስ፡ ንሃገርካ ምግልጋልን ብሃገርካ ምሕማምን ምኻኑ ይርደኣኩም ዶ? ኣረ ሃገር ማለት፡ እዚ ዘሎ ስርኣት ዘይኮነስ፡ እቲ ነባሪ ህዝቢ ምኻኑ ይስቆረኩም ዶ? ወረ መን’ዩ ንህዝቢ፡ እዚ ሃገራዊ እዚ ዘይሃገራዊ፡ ኢልኩም ክትውዝዑ ሓላፍነት ዝሃበኩም? ኣረ ነዛ ኤርትራናስ እንታይ ኢኹም ጌርኩምላ? በኣል “ሃገራውያን”፡ እስከ ተሓተቱ። ሕጂ ክትዋራዘዩስ፡ ኣብቲ ሃገር ምድሓን፡ መንእሰይ ምስ ጸላኢ፡ ድንሽ ችፕስ  ዘይኮነስ፡ ጓህሪ፡ ዓረርን ቦንባታትን ኩኮላለስ እንከሎ ኣበይ ኢኩም ኔርኩም ብዓል ሮቤል? ። ብዓል ‘ሃገራውያን’፡ ኣብቲ እዋን ሓጋይ፡ ሰብ ንባሕሪ ወሪዱ ክደራገም፡ ኤርትራ ክትጣራዕ፡ ኣበይ ኮን ኢኹም ኔርኹም? ሓጋይቶ ዶ ነበርኩም ሓቀይ?

መንእሰይ ክኮራሸም፡ ምስ ወታሃደራት ጸላኢ ብዃሌታ ክታሓናነቅ፡ ብሳንጃ ክበዛበዝ፡ ምናልባት፡ ማናልባትዶ ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልም ማክዶናልድ እናበላእኩም፡ ካፈ እንዳሰተኹም፡ «We want peace! Stop Ethiopian aggression! Stop War!» ኢልኩም: ብቋንቋ ሽወደን ኢንኮላይ ጨዲርኩም ትኾኑ?

ከምኡስ ጌርኩም ትኾኑ ኢኹም። ሓቂ ይሓይሽ፡ ክሳብ ጎረረኹም ዝጭደድ፡ ቀዝሒ ሽወደን ድምብርጽ ከይበለኩም፡ ኣስሚዕኩም ኢኩም። ስለዚኾነ ድማኒ ዝለዓለ ሽልማት መዳልያ ጅግንነት ይግባኣኩም’ዩ። ንስለ ሓቂ ዝኣክል’ዩ።  ግዜ እንተፈቂዱ ድማኒ፡ ከም ወዮ መንግስትኹም ዝብሎ፡ ናይ ወያነ ተጻብኦታት ደው ኣብ ዝበለሉ፡ ዶብ ምስተሓንጸጸን ቅዋም ምስተተግበረን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓደ መደብ ሒዝዎ’ሎ ይበሃል፤ እዚ ሽልማት መዳልያታት። ካብቶም ኣብ ቅድሚት ሑጽያት ኮይኖም ተሓርዮም ዘለው ድማኒ ‘ሃገራዊ’ ሮቤል ሙኻንካስ ዑፍ መስቀል ነጊራ ኢሎማ። ሽኩሹካ ወይ ጭርጭር ዓበደ ይብሉኹም ከምዚ’ዩ።

ብዝኾነ፡ ሓው ሮቤል ቁሩብሲ ሕንከት ደኣ ተማሃር። እቲ ምድጋፍ ከምድላይኩም፡ እንተ’ቲ ዘረባ በሃማትስ ኣየድልየኩምን። ሃላይሲ ትም ኢሎም እንተሰምዕዎ ጽቡቅ ዘሎ ይመስሎ’ዩ እቲ ነገር። እዞም ሕጂ እንሓንሳብ ዘየሃገራዊያንን ኸደምቲን፡ ካልእ እዋን ሃደምቲን ኸዳዓትን፡ በልዎም ተባሂልኩም፡ ንስኻን ጁጅ ማጁጅካን ትዝልፍዎም ዘለኹም መናእሰያት፡ ትማል ንኤርትራ ካብ ወራራት ጸላኢ ዘናገፍዋን፡ ደው ኢሎም ኣለናልኪ ዝበልዋ ንሳቶም’ዮም። ኣለናልኪ፡ ምሽ ኣብ ወረቀት፡ ኢንተርነትን ካናተራታቶምን? ኣለናልኪ ኣብ ግብሪ ብኣካል፤ ኣብ ሜዳን ሽንጭሮን፤ ኣብቲ እምባታታን ዶባታን፤ ብደሞምን በዕጽምቶምን። ከምዚ ጌርና ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዘይተዛረቡን ዘይተነየቱን፡ ከምዘይከማኻ ልቢ ስለዘዕበዩ ጥራይ’ዮም። እቲ ምንታይሲ ጽምኢ ኽረምትን ጥምየት ቀውዕን ረረኻቢኡ ከምዚፈልጦ ኣንዳዕዲዖም ሰለዘፈልጡ ጥራይ’ዩ።

ንስኻ፡ ርእስካን ከብድካን፡ ብችክንን ድንሽን ሽወደን፡ ወላእላእ ክሳብ ዝብል ኽትህንጉልም እንከለኻ፡ እዞም ‘ዘይሃገራውያን’ ዝጠቀንካዮም መናእስያት፡ ክልተ ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ማይ ሩካን ዝመስል ጸብሒ ዓደስ እናበልዑ’ዮም፡ ማዓልታት ኣረ እንሓንሳብሲ ሳምንታት ከይደቀሱ ምስ ጸላኢ ዝተረባረቡ ንድሕነት ኤርትራ፤ ብዘይምግናን ካብዞም ሕጂ ከይሓነኽኻ ትጸርፎምን ኣነዋሪ ዘረባታትካ ትስንድወሎም ዘለኻን፡ 99% ኣብዚ ዳሕረዋይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ሓመድ ድፋጭኦም ዝሰተዩ’ዮም። ቁሩብሲ ልቢ ደኣ ኣቡቁል፡ ኣስተውዕል ሓው ሮቤል።

እዞም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ነዚ ስርኣት ዝቃወሙ ዘለው መናእሰያት ብዙሕ ርእዮም’ዮም። ሂወት ብዙሕ ምሂርዎም’ዩ። ከሙኡ ደኣ ሚዛንኩም መዓቀኒኣ በበይኑን ሓባልን እያ እምበሪ፡ ከምቲ መሰል ናትካ፡ ብዝውሓደ ብዝውሓደ ነዚ ንስኻ ከም ሰብ ረኪብካዮ ዘለኻ ዕድላት ክረኽቡን ዝመሰሎም ፖለቲካዊን ካልእን ኣረኣእያ ክህልዎም መሰሎም ሙኻኑ ክርደኣካ ነይርዎ፡፡ ጉቡኦም ገይሮም ከብቅዑ፡ መሰላቶም ኣብ ሃገሮም ክረኽብዎስ ይትረፍ ጥቃ ምርካብ ውን ዘይሓልፍ ስለዝኾኖም’ዮም ሃገር ንድሕሪት ገዲፎም ንዓኻ ክመስሉ ንኤውሮጳን ካልእን ተሰዲዶም። ገሊኦምሲ ወረ ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ነዛ ሃገር ንምምጻእ ዝከርተቱ፡ ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን’ዮም። እቲ ሃገራውነትሲ ኣብ ደሞም’ዩ ዝዘውር። የዕጽምቶም፡ ኣንጉዖም፡ ቆርበቶም፡ ኮታ ኩልንትንኦም ሃገራውያን’ዮም። እቲ ንቡር ስለዝራሓቆም ጥራይ’ዩ ናብዚ ዘለኻዮ ሃገር ኣምሪሖም። እምበኣርከስ፡ ሃደምቲ እንተኾይኖም ንስኻውን ምሳሊኣዊ ሃዳሚ፡ ደቂ ከዳኣት እንተኮይኖም ንስኻውን ወዲ ከዳእ ምኻንካ ብደንቢ ከተስተዕውልን ክስቆረካን ምተገብኣ።

ወዮ ድኣ ሰብ ረሳዓይ እዩ እምበሪ፡ ነታ 40 መዓልታት ዘይትመልእ ትምህርቲ ካድር ክትወስድ ኣብ ኤርትራ ከመይ ከምዝተጣላቀኻ ተረሲዑ ድዩ? እዚ ኸማን፡ ምሽ ከምቲ ሽግር እዞም ‘ዘይሃገራውያን’ ዘሕለፍዎ፡ በቲ ናይ ኤርትራ መዓቀኒ፡ መግቢ ሆተል እንዳበላዕኻ፡ ወርሒ ዘይትመልእ ከመይ ዲኻ ተጣሪዕኻን ተጠላቅኻን  ኔርካ? ዶስ ሓባል በልያ እዩ…እቲ ነገር። ወይ’ውን ሰብ የሎን ዝፍለጥ ኢልካ ኢኻ።

ሓደ ግዜ እቶም ካብ ሚኒስትርታት ዘመጽኡ ተኣኪቦም ንመንግስቲ ክሓምዩ ምስ ጸንሑኻ፡ “እዞም ካድረታት ተባሂልኩም ዝመጻእኩም ከምዚ ትብሉ እንተድኣለኹም፡ ህዝቢ ደኣ እንታይ ይብል ኣሎ ማለት እዩ ክትብል ረሲዕካዮ ዲኻ፡” ዶስ ንሱውን ንይምሰል ዝበልካዮ ዘረባዩ?

ስርኣት ህግደፍ ልጋም ኣጉርሱ ድልየቱ ክዝውረኩምን፡ ከም መቃልሕ ዝበሎ ክትደግሙ ክግብረኩምን ንኣካን መስለትኻን ከተፍቅዱ ሰብኣውነትኩም ምሻጥ ጥራይ እዩ። ምናልባት ገለ ቁሩብ ጣፍያ ይድርብየልኩም ይኸውን፡ የግዳስ እንገራ ጀላእ ኣይበላእዩ’ሞ እዚ ኤህ! ህዝብናስ ክይሓንቀኩም ደኣ ተጠነቀቁ።

ሕዝብኹምን ሃገርክሙን ድኣ ፍተው ኣቶ ሮቤል። ስርዓታትን መራሕትንስ ምስ ግዜ ከየድትን መጻእትንዮም። ንሕዝብኹም ደኣ ኣገልግሉ። እቲ ትማል፡ መኣዓጋጉርትኹም እናተደራረዝኩም፡ መባሃልቲ ‘ኣንታ እዚ ናትካ ክንደይ ይለምጽ፡ ናትካባ’ ዝነበረ ዓርክኻ ኣሊ ዓብዱ ኸማን፡ እንተስ ባንደርኡ ወዲቃ ፈሊጡ፡ እንተስ ፍራንካ መንሺቱ፡ እንተስ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ተረዲእዎ፡ ነዚ ስርዓት ራሕሪሑዎ እናሃልካ ተሸሪቡ። ትማል ትማል ከም ወዩ ትዝክሮ፡ክመዚ ንስካ ትብሎ ዘሎኻ ሕጂ፡ ኣብ ኤርትራ “ዝጎደለ ዘየልቦ፡ ወላ ጸባ ደርሆ” ይብል ከምዘይነበረ፡ ሕጂ ኣብቲ ተሓቢኡዎ ዘሎ ውሻጠ ኮይኑ ‘ወላ ዝፈልጦ ኣይነበረንን’ ኢሉ፡ ከምዛ ጻድቅ ወኻይራ ኮይኑልና። ንስኻ ከኣ ሓው ሮቤል፡ ከም ወያ ኣቦው ዝብልዎስ፡ ‘ስጋ ኣድግስ፡ ኣብ ማእሲ እንተበልዎስ፡ ኣብ ምድሪ ይሕሸኒ ይብል፡’ ዝብልዎስ፡ ስጋ ኣድጊ ኣይትኹን። ኣብ ማእሲ ምስ ህዝቢኻ ይሕሸካ።

ሓንቲ ነገር ግዳ ቅንዕቲ ተዛሪብካ ኣብ ወዮ ቃለ-ምልልስካ። ክዕረ ንደልዮ ነገር እኮ ክህሉ ይኽእል’ዩ በልካ። ናይ ልብካ ይግበሮዩ። ክዕረ ዝግብኦ ደኣ ብኸፈር። የግዳስ ክሳብ ክንድዚ ዲኹም የዋሃት፡ ወይስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ዝቀሰምኩሞ፡ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ እትጥቀሙሉ ታክቲክ’ዩ። ጂ-15፡ ጂ-13፡ ነናይ እዋኑ ተቃውሞ ተጋደልትን ስንኩላንን፡ ክዕረይ ዝደለይዎ ነገራት ሰልዝጠለቡ እንዳ ጦርቶሶም ከምዝኣተው ገና ኣይተረድኣኩምን ኣሎ?

ከም ሓሳባት ግን፡ እዚ ምዕራይ ትብሎ ዘሎኻ፡ ካብቲ ትሰርሓሉ መደበር ተለቭዥን እንተጀመርካ ድንቂ ምኾነ። ኣብ ክንዲ ዘዝመጸ ወዳሳይ ወይ ደራፋይን፡ ዘዝመጸ ካድር ስርኣት ህግደፍን ጥራይ ቃለ-መጠይቅ ትገብርሲ፡ ብዛዓባ ዞም መዓልታዊ ሀገሮም ራሕሪሖም ፋሕ ዝብሉ ዘለው መናእሰያት መደብ እንተትሰርዕ ኣይምሐሸን’ዶ፡፡ እስከ ንፈውሲ ማሕላ በዛዕባ እዘን ኣምዑት ዘይቆጸራ፡ ጨለግዕ ናኣሽቱ ኣሓትካን ሕጻውንትን፡ ብዛዕባ እተን ቀጢን ኣውያትን ዝሰምዖ ስኢኑ ተዓፊንነ ኣብ ሲናይ ብጉሓላሉ ራሻይዳን በድወይኒ  የዕራብን መጻወቲ ኮይነነ ዘለዋ፡ ብዛዕባ እቶም ናውቲ ከብዶም ተጎልጊሉ ሬስኦም ከም ሬሳታት ኣኻልብ ተጓሒፉ ዘሎ ኣሕዋትካ ተዛረብ፡፡ እስከ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን፡ ብዛዕባ እቲ ሽግርን፡ ጠንቁን ሳእቤኑን መፍትሒኡን ተላዘበሉ። ጋዘጠኛ’የ በሃላይ ኢኻሞ እስከ ንሓንቲ እዋን ስራሕ ናይ ሓቀኛ ጋዜጠኛ ስራሕ። እቲ ዝናኣሰ ንኤርትራን ህዝባን ክትገብረላ እትክእል እምባኣር እዚ’ዩ። ሽግር የሕዋቱ ዘሕምሞ፡ ናይ በሓቂ ሃገራዊ ኸኣ ከሰይመካ’ዩ።

ሃገራውነትካ ዝምስከረሉ፡ ነዚ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝተቃወምካን ወይ’ውን በንጻሩ ስለ ዝደገፍካን ዘይኮነስ፡ ሃገርን ህዝብን ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ብቅንዕናን ብዘይሻራን ኣጽኒዕካ፡ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ነገር ምስ እትዛረብን ምስ እትገብርን’ዩ።  ከም ኣብ ሰላምን ሓርነትን ዘለዎ ሃገር ተቀማጢ መጠንን፡ ከም ጋዜጠኛን ሃገራዊ ሓላፍነትካ’ዩ። ምናልባት ሽዑ ነዞም ኣብ ዝሑሉን ኣብ ውዑዩን፡ ብጻዕዳን ጸሊምን የእዳዎም ነዛ ሃገር ዘገልገልዋን፡ ደሞምን ረሃጾምን ዘንቱዑላን፡ እንግድዕኦም ዝተሰብሩላን መናእሰያት፡ ዘይሃገራውያንን ሃገራውያንን ኢልካ ክትውዝዕ የምሕረልካ ይከውን። ምናልባት።

ወድሓንካ

ስብሓት ዘይቀሰነ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130