መቸም እዛ ደርፊ ናይ ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈትላ ግዜ እንክንዝክር፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ግዜ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ ዘርከብና እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ እዚያዳ ተምሳጥን ተዘክሮን ጠቡላሕታን ዝገደፈ ህሞት እዩ። እምበኣርከስ እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ኣብቲ እዋን ካብቶም ቀዳማይ ተሓባባሪ ስርዓት ኢትዮጵያን መሓዛ ሃጸየ ሃይለስላሴ ዝነበረ ጀነራል ተድላ ዑቑቢት ምዃኑ ኩሉና … more
↧