Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክልብመሉ ‘ለዎ

$
0
0

አብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ይኹን እንግሊዝ ኮታ ክሳብ እቲ ናይ መጨረሻ ባዕዳዊ ገዛኢና ዝነበረ መራሒ ኢትዮጲያ ኃይለሥላሴ ይኹን ፋሽሽታዊ ደርጊ(መንግስቱ ኃ/ማርያም) ህዝብና ኣንጻሮም ዝገብሮ ቃልሲ ክሓንን ከሎ ንምዝሓሉ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሰራም ሜላ ንህዝብና ብሃይማኖት ብኣውራጃን ዓሌትን ፈላልዩም ሕድሕድና ክንተፋንን ብዓይኒ ምጥርጣር ክንረእኤአ ምግባር እዮ ነይሩ። ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝባሃል እዚ ሕጂ ብሓይሉ ብዘይድልይት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሥልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ጉጅለ ህግድፍ ዕደመ ሥልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቅመሉ ሜላ ልክዕ እቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ዝተጠቐሙሉ አረጊትን ድሑርን ሜላ መቓቒልካ ግዛእ እዩ።
መራሒ ናይዚ ገዛኢ ጉጅለ ኢሰይያስ አፈወርቂ በዚ ዱሑር ሰራም ሙያ ገና ብጊሓቱ ኢዩ ተኻሂኑዎ (specialize ገይሩ)። አብ መዋእል ቃልሲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን እንተኾነ ብመንጽሩ ካብኡ ዘይንእስ ካልእ ሃይማኖታውን ወገናውን ዝንባሌታት ዝሳወር ኣኳ እንተነበረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግን ርቕቕ ብዝበለ ሜላ ሃይማኖት፡ ወገን፡ ኣውራጃ ከምኡውን ደረጃ ትምህርቲ ከይተረፈ ምሁርን ጨጓር ዳንጋን እናበለ እውን ከይተረፈ ንምፍልላይ ክጠቕሞ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ሜላታት ተጠቒሙሉ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ምፍልላይ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉ ህዝብና ደጋጊሙ ኣብቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ይኹን ሕጂውን ህግደፍ ዘጻውድዎ መጻወድያ እናኣተወ ግዳይ (victims) ናይዚ መልክዑ እናቐያየረ ዝኽሰት ንረብሓ ገዛእቲ ሓይልታት ጥራሕ ዘገልግል ውዲት ዝወድቕ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እውን ካብኡ ፈሊኻ ዝረኤ ኣይኮነን። ሕጂ ጎሊሑ ዝረኤ ዘሎ ሓደገኛ ዝንባሌታት ግን ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረኤ ዝከኣል እዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝሳወር ዘሎ ሃይማኖታዊ ወፍሪ ክኽውን ከሎ እቲ ካላኣይ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ዝሳወር ናይ ኣወራጃውነት ወፍሪ እዩ። ክልቲኡ ከኣ ከካብ ናይ ውሽጡ ፍርሕን ዕርቃንን ዝብገስ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንእትደልዮ ዕላማ ንምትግባር ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘይብልካ እንተኮንካ ንነገራት ቀልጢፍካ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናኣትሓዝካ ዝሰፍሔ ተቐባልነት ክትረክብ ምጽዓር ልሙድ ኣሰራርሓ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሕጂውን ዝበለየ ኣይኮነን። የግዳስ ሕጂውን ኣብቲ ዝኸፍኤ ደረጅኡ እዩ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሓደ ጉዳይ ኢልና ጥራሕ ክንሓልፍ ንደሊ። ጸረ ኣስላም እናተቓለስካን ንተራ እስላም እናኣናኣኣስካን ንኤርትራ እሰርሕ ኣለኹ ክበሃል ኣይከኣልን። ልክዕ ከምኡ ድማ ጸረ ክርስትያን እናተቓለስካን ንተራ ክርስትያን እናኣናኣኣስካን እውን ምእንቲ ኤርትራ እሰርሕ ኣለኹ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኤርትራ ብዘይ ኣስላም ወይ ኤርትራ ብዘይ ክርስትያን ካልእ ደኣ ትኸውን እምበር እታ ንፈልጣ ኤርትራ ክትከውን ኣይትኽእልን። ስለዚ ምእንቲ ኤርትራ እቃለስ እየ ዝብል ኩሉ ብጉዳይ ሃይማኖት ሓዊ እንተዘይወለዔ ወይ እሾኽ እንተዘይዘርኤ ይሓይሽ ንብል። ከመይሲ እታ ዝተወለዔት ይኹን እታ ዝተዘርኤት ክፍኣት ንወላዒኣን ንዘራኢኣን እውን እያ ትልክም።
ብጸላኢና ህግደፍ ዝሳወር ዘሎ ሓደገኛ ኣውርጃዊ ኲናት እውን ኣብ ቅድሜና እነሆለ። መንቀሊኡ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ብገዳይም ተቓወምቲ ክሻቐሎ ዝጸንሔ በቶም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መሬት ሽባና ዝገበርዋ መንእሰያት እዩ ዝያዳ ሸበድበድ ክብልን ክሻቐልን ዝጀመረ። ሻቕሎት ህደፍ ግን ሻቕሎት ኮይኑ ኣይተርፍን እዩ። ኩሉ ግዜ ንስልጣኑን መጻኢ ዕድሉን ዝፈታተን ዘበለ ቅልጡፍ በዳህን በታትንን ስጉምቲ ወይ ውዲት ምፍሓስ ንህግደፍ ዘርክብ የለን። ነዚ ናይ ሕጂ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ከተፍሽል እትኽእል ውዲት ከኣ ኣውራጃውነት ኮይና ተረኺባ ኣላ። ህግደፍ ነዛ ውዲት ንምዕዋት ብዙሓት ካድራት ኣዋፊሩን ብዙሕ ገንዘብ ኣፍሲሱን ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳን ኣብ መብዛሕትኦም ክርስትያንን ዝኾኑ መንእሰያት ሃይማኖታዊ ይኹን ወገናዊ ፍልልይ ኣይሰርሕን። ስለዚ ከኣዩ ህግደፍ ኣውራጃዊ ፍልልይ ክመርጽ ዝኾነ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣውሮጳ ጀሚሩ ናብ ኣሜሪካ ቀስ እናበለ እውን ናብ ካልእ መኣዝናት ዓለም ዝልሑኽ ዘሎ ኣውራጃዊ ፍልልይ መንቀሊኡ ህግደፍ እዩ – ንረብሓና ኣይኮነን። ብኣውራጃኻ ክትኮርዕ ጽቡቕ ብኣውራጃነት ክትፈላለን ክትበኣስን ግን ድሕረትን ክሳራን እዩ።
እዚ ግን ቀንዲ መሃዚኡ ህግደፍ እኳ እንተኾነ እቶም ንክልተ ሰለስተ መራሕቲ ህግደፍ ጥራሕ ብምእላይ መሓውራት ህግደፍ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽለሎም ዝደልዩ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣካላትውን እንተኾነ ነቲ ኣብ ደገ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምጥርናፍ ብጽቡቕ ዝርእይዎ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ኣቱም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ኣውራጃዊ ቁርቁስ ኣቲኹም ዘለኹም መንእሰያት ኩሉኹም፡ ህግደፍ ብናትኩም ምልዕዓል ሰንቢዱን ኣንቀጥቂጡን ንክፈላልይአኩም ኢሉ ዘተኣታተዎ ሰራም ሕማም ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ። እምበር ንስኹምሲ እታ ኤርትራ እኳ እናነኣሰትኩም ታሕቲ ወሪድኩም ብኣውራጃነት ትጨማለቑሉ ምኽንያት የብልኩምን። እዚ ንታሪኽኩምን ንክውንነትኩምን ዘየንጸባርቕ ድሑር ዝንባሌ ስለ ዝኾነ ባዕልኹም ንባዕልኹም ለባማት ሓዊስኩም ፍትሕዎ። ኣብዚ ጉዳይዚካብ ኩሉ ቂምን ቅርሕንትን ነጻ ኮይኖም ሰናይ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወስዱ ዘለኣለም ኣብ ታሪኽ ብጽቡቕ እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።
ዝኾነ ስርዓት ኣብ እዋን ምዳቑ ኣሎ ዝበሃል ኩሉ ናይ ድሕረትን ናይ ምፍልላይን ሜላታት እናተጠቕመ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣይጠፍኣናን እዩ። ህግደፍ ኣብ ውሽጡ እናዓበየ ብዝመጸ ምፍሕፋሕ ይሰሓግ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ብርግጽ ለውጢ ዝደሊ ኣካል ካብ ውሽጢ ቦሎኽ እሉ ንቕድሚት ይመጽእ ምህላዉ ብኣዎንታ ንርእዮ ጉዳይ እዩ። ግን ሕጂውን ከምቲ ናይ ቀደም ብሓደ ሸነኽ ጥራሕ ዝመጽእ ለውጢ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ከርዊ ስለዘይክእልን ዘየድሊ ምጉታትን ደም ምፍሳስን ከነወግድ ምእንቲ ንኹሉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ደላይ ለውጢ ዝሕውስ መሰረታውን ኩሉ መዳያውን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ቃልሲ ክኽውን ንርኢ። እዚ ንሰምዖ ዘለና ናይ ለውጢ ንፋስ ብመን ነቒሉ ብዘየገድስ ናይ ምስፍሑን ናይ ምምዕባሉን ጉዳይ ናይ ኩላትና ደለይቲ ለውጢ ስለ ዝኾነ ንድቅሰሉ ጉዳይ ኣይኮነን።
ውልዶ ስምረት ሓሙሽተ ውድባት ዝኾነ ውድብና -ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንሓድነትን ምቅርራብን ውድባት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብናህሪ ተበጊሱ ኣሎ። ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ ካልእ ካብዚ ንላዕሊ ከይለኻኸመ ከሎ ንዘለኣለም ከብቅዕ መታን ክኽእል ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ ንምእላዩ በርቲዑ ክቃለስ እዩ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130