ይሃምም ኣሎ ይጋልብ ኣሎ ሰርቢ ደም። እዚ ሰርቢ እዚ ክዘንብ ክሽብብ፡ ደናጉላ በረድ ደም ጸዲፉ ክፍግጸና፡ ብኡ ተጀፊዕና ደም ከነውሕዝ፡ ሩባታት ከኣ ብወሓይዝ ደም ክመልእ፡….. እዝስ ኣብ እዋን ምጾታት ዓለም’ምበር ኣባና ኣብ ደቂ-ኤርትራ ኣይክርአን ኢዩ ኢልካ ክሕሰብ ምተኻእለ። እንተኾነ እዚ ሰርቢ’ዚ ከይደለናዮ ኣይመጸን። ጸሊእና ዮ ድማ ደው ኣይመበልናዮን። ሕጂ ንዝኸውን’ውን ርግጸኛታት ኣይኮናን። ንሱ ስለእንሓስብ ዳርጋ ኩላህና “ደም ምእንቲ ድሕነት“ ክንብል ጸኒሕና።
እንሆ በሉ ላዕላይ ሰማይ ግባሩ ገይሩ ይበሃል ኣሎ። እቲ መማእከሉ ኣሰንቢድና ክነዋስን ዋላ እንተደለና፡ ሎሚ እንተዘይኮነ ጽባሕ ከምዝኸውን ግን ጠፊእና ኣይነበረን። ከመይሲ መልኣከ ሞት እን ተድኣ ሓንሳእ ኣንጸላልዩ ሰለሉኡ ቀልጢፉ ስለዘይወጽእ።ከምኡ ብምሕሳብ ከኣ መንእሰይና ክኾነልና እንደልዮ ክንመዓዕድ ጸኒሕና። ዝኾነ ኮይኑ ክቡር ፕረሲደንትና ብኣማላኹ ምኻዱ ዕድለኛ ኢዩ። እንኮላይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዕድለኛታት ኢና። እቲ እጉማ ሰርቢ ደም ከምቲ ዝመሰለና ኣይሰገረን። ሃየ ድማ ኣንትን ሰብ ውረቂ ማህጸን ኣራ እስክን ደርማማ። ደርሆ ሆላንድ እናመሰልክን ኣብ ቀብሪ ንጉስ ነቲ ጎልጎል ምልኣኦ። እንተኾነስ ናይዝጊ’ውን ክመጸክን ስለዝኾነ፡ ብሬሳታት ድማ ኣደነትክን ትፍተናሉ ግዜ መጺኡ።ገና ካልእ ፈተነ ኣሎ። ኣብ ሩባታት ፍቀዶ ቤት ማእሰርትታት ኣሎ ናይ ሕጂ መዋቲ ግሂጹ ዝደፈኖ ኣዕጽምቲ ሰብና። ከምቲ ናይ ደርጊ ብግሬደር ክወጹ ኢዮም ሰማእታትና። ፈቐዶ በረኻታት ኣሎ ብትእዛዝ ህግደፍ ፍትሓት ዝተሓረመ ኣዕጽምቲ መንእሰያትና:፡ትማሊ ኣይረሳ ዕናዮን’ሞ ሎምን ንሓዋሩን ከኣ ኣይክንርስዖን ኢና ንተግባራት ሕሉፋትን ህሉዋት መለኽቲ። እሞ ኮነ ካብተባህለኽ ንእዋኑ እንታይ ኢዩ ተበግሶና ደቂ ኤርትራ? ገሌና ብታሕጓስ ክንጭንዳሕ ጠራሙዝ ከነጋጩ፡ ገሌና ብጓሂ ተለኺት ና ክንሕመስ ክንርአ ንኸውን። እንተኾነስ ህዝብናን ሃገርናን ተማሊኡ ኣይዓረበን ነፍሲ-ሄር። ሕልፈቱ ከኣ ከምቲ ቀታሊኻ መርዓ፡ ጠቓሚኻ ሞት ኣሎ ዝበሃል እዚ ተረኺቡ ዘሎ ጽብቕ ኣጋጣሚ ከይሃድመናስ ህዝብናን ሃገርናንዶ ንዓቅብ ዋላስ ድኻማትና ተጸብዩ ስርጢጥ ንክኣቱ ክጻናቶ ንዝጸንሐ ክንሳጣሕ? ዋላ“ዃ ስለዘይጠዓመ ኣይተቓልሐን እምበር ኣቐድም ኣቢልና “ነዛ ወተሃደራዊት ግጅለኸ /ደርግ/ ትቕበሉዋ ዲኹም ኣይፋልኩም? ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ …..ትብሉዶ ኣይፋልኪም“? በሉ ኢለ ጽሒፈ ነይረ። ክልተሳዕ ንሕሰብ ደቂ ኤርትራ።
“እከይናን መኻልፍናን ምስ ሕሉፍ ይሕለፍ“ ኢልና ርሑው ኣፍደገ ሰላም ክንከፍት፡ ብትዕግስቲ ከኣ ንጋሻና ንለው ጢ ሃንጎፋይ ኢልና ክንቅበል ኣለና። ፈተና ጸላእና ንግዚያዊ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ክንቅበል ኢና። ንሱ ከምቲ ኩሉ ገፋፊጡ ዝዕዘር ሓያል ተጓናጺ ውሕጅ ንውሰዶ። ክሳብ ኣብቲ ሓጽቢ ዝበጽሕ። ክሳብ ከኣ በቢቑሩብ ዝግ ኢሉ ዝ ጸሪ ንተዓገሶ። ተጠቀምቲ ናይቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃን ስንፈት ኣይኮነን። እዃ ድኣ መኽሰብካ ምፍላጥ ኢዩ። ግንከ ንመሰረታዊ ሰላማዊ ለውጢ ድማ ክንዓጥቕ ኣለና።
ኣንቱም ኣባላት ሰራዊት፡ ትሕተትዎ ንዘለኩም ሓደራ ኣይጠፍኣኩምን ኢዩ። ኩሉኹም ህግደፍ ኩኑ እምበር መዐቀኒ ገበናት ከኣ ኣለዎ ህዝቢ። እከያትኩም ኣመና እንተጸንዓኩም ንግዚኡ እታ “ ተኣዚዝና“ ትብል ሓባል መመኽነይ ታ ከተጻንሓኩም ኢያ።ህዝቢ ክገጥመኩም ስለዝኾነ ከኣ ምስቲ ድሕሪ ሕጂ ዝርአ ኩነታትኩም ክሕግዘኩም ይኸው ን። ኣብ ግዜ ዕርበት መንግስቲ፡ ኢድ ሸናሒት ከኣ ኣላ እንድያ፡ ዝሓዝካ ሒዝካ ባው ክርአ ስለዝኾነ ሓደራኹም በዓል ንህበ-ጽምብላሊዕ ኣጽንዑወን። ሓደራኹም ሃገርኩም ኣውሕሱ። ጥቓ ገንዘብን ንብረትን መንግስቲ ክጸንሕ ዝምነ መደናገሪ መልዓል ቅሙጥ’ውን ኣሎ። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ግና ጥቓ ዕርበት ንዘለዉ እሱራትና ኣርክ ቡልና።
ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ንዝቕኒ ዝበልናዮ ካብ ምሕንጣጥ ኣይክንቁጠብን ኢና’ሞ ድሓን ቀንዩ።
የቐንየለይ ኣሰና!
ዶገፋ፡