ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ እስራኤል ንምኽባር፣
ኩሉ ዘድሊ ሕጋዊ ስጉምታት ንምውሳድ እጃምና ነበርክት።
ኣብ ሃገረ እስራኤል ካብ ልዕሊ 60, 000 ስደተኛታት ኣፍሪቓውያን፣ ኣስታት 35, 000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ምኻኖም ወግዓዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ገለ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ወረቐት ዘለዎም ገለ ዘይብሎም እዮም። ኩሎም ግና ከም ስደተኛታት ሕጋዊ መሰል ስደተኛ ዘውሕስ የብሎምን። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክብ ለጠቕ ናይ ናብራን መዓልታዊ ሂወትን ሕጋዊ ኣገባብ መሰል ስደተኛን ዘለዎ ኩነታት ከሕልፉ ከምዝጸንሑ ኩልና ንከታተሎ’ዩ።
ባይቶ እስራኤል “ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት” ብዝብል መጽውዒ ኣብ በበይኑ ዝተፈላለየ እማመ ነይርዎ። ሕጂ ሓዲሽ እማመ ባይቶ እስራኤል፣ ስደተኛታት ኣብ ክፉት መዓስከር ቕድም ንሰለስተ ዓመት ዝብል ተቐይሩ ሕጂ ግና ንሓደ ዓመት ክጸንሑ ዝብል’ዩ። ብገለ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ መሰል ድማ ሕጋዊ መሰል ስደተኛ ንምኽባር ስደተኛታት ኣብ ክፉት መዓስከር/ ማእሰርቲ/ ከይኣትዉ ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም ኣዮም።
እማመ ባይቶ እስራኤል ክሳብ ናይ ላዕለዋይ – ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ/ Supreme Court/ ዘፍርሶ ወይ ዘጽድቖ ግና ስደተኛታት ኣብ ክፉት ማእሰርቲ፣ Open- Detention ማለት ብቐትሪ ናጻ ክንቐሳቐሱ ናይ ምሸት ክዳጎኑ ዝብል’ዩ።
ስለዚክቡራትኣሓትንኣሕዋትንደለይቲፍትሒ፦
- ኣስታት ሰላሳን ሓሙሽተን / 35, 000/ ዜጋታትና ኩሉ ኣብ ኣስራኤል መሰል ስደተኛ ከቢሩ ብሰላም ንምንባር ዘውሕስ ሕጋውነት ክህልዎ፣ ካብ ሰንበት ዕለት 05- 07/ ጥሪ/ 2014፣ ሰንበት፣ ሰኑይን ሰሉስን ሰለስተ መዓልቲ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ይቐራረቡ ኣለዉ።
- ከም ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ንመሰል ስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ እስራኤል ንምኽባር፣ ሕልናውን ሞራላውን ምሕዝነትናን ደገፍናን ክንልግሰሎም ግዴታና ክንስከም ይግብኣና።
- ከከም ንነብረሉ ሕጊ ሃገራት በብዝጥዕመና ኣገባብ፣ ኣብ ቕድሚ ኤምባሲ እስራኤል ከይድና ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር፣ መረረና ጥርዓና ከነቕርብ ንመሰሎም ክንጣበቕ ይግብኣና።
- ንላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR, ቐይሕ መስቐል Red Cross, ኤውሮጳዊ ሕብረት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣፍሪቓዊ ሕብረት ጉዳይ ሰብኣዊ- መሰላት፣ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ዓረብ ሊግ ሰብኣዊ መሰላት/ Arab League/ ወዘተ ……. ጸቕጢ ክገብሩ፣ ከም ወትሩ ጥርዓና ሰለማዊ ሰልፍታት ከነቕርብ ፐቲሽን ክንገብር ሓጋዚ’ዩ።
- ንኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምኒስቲ ኢንተርናሸናል፣ Amnisty International, ሁማን ራይትስ ዎች Human Rights Watch ካል0ኦት ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት ጸቕጢ ክገብሩ ጻውዒትና ከነቕርብ ጥርዓና ፐቲሽና ክንሰድድ ከም ወትሩ ግዴታና ንሰከም።
- እማመ ባይቶ እስራኤል ብላዕለዋይ- ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ Supreme Court ክጸድቕ ዲዩ ክንጸግ ዋላ ምስ ግዜ ዝምዘን እንተኾነ፣ ክሳብ ውሳኔ ቤት- ፍርዲ ዝወሃብ ኣብ ክፉት ማእሰርቲ /መዓስከራት/ ምእታው ዝዓግት ነገር የለን።
- ስለዚ፣ ግዜ ዕድል ስለዘይህብ፣ ክንቐላጠፍ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ ኩለን ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መርበብ ሓበሬታት Web Sites, ራድዮታት፣ ፓልቶካት ከም ወትሩ ዝተወደበ ጎስጋሳት ከምዘካይዱ ጽኑዕ እምነት ከምዘለና እናገልጽና ንእግረ መንገድና ከነዘኻኽር ንፈቱ ምስ ግዜ ምቕድዳም ኣገዳሲ’ዩ።
እዚ ንዘጋታትካ ብግብርን ብሞራልን ምሕጋዝ ድማ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዩ::
Eritrea Help Network switzerland
eritreahelpnetwork@hotmail.com
4 january 2014