ጽገና!
ሸለል ተበልኩዎ ዋዛ መሲሉኒ
እንታይ እዩ እዚ ዕላል ዝደጋገመኒ
መን’ዩኸ *መሃንድስ መን’ዩ እቲ ወጣኒ *ጆሜትራ (ብጥልያን)
ብሓድሹ እንከሎ ንዘይኣዕቖበኒ
ዝዓነወ መንደቕ ኪጽግን ዝብለኒ!
መን’ዩ ኣንታ ጸጋኒ ወሓለ ነዳቓይ
ኪቕጽል ዚምነ ናይ ህዝብና ስቓይ
ህይወት ኪዘርኣሎም ንጉጅለ ጣልማይ
ኣብ ዓርቢ ስቕለቶም ዘቐብል እኽለማይ!
ኪንጽግን ዝበለ ይፈለጥ ብልሓቱ
እስከ ሕተቱዎ እንታይ እዩ ድሌቱ?
ነዚ እኩይ ስርዓት ኣብ ኣጋ ዕርበቱ
ብዓልመን’ዮም ኣንታ ክኾኑ ጸገንቱ
ብህዝብን ሃገርን ቁማር ክጻወቱ
ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ከድሕኑ ህይወቱ!
ካብ ሱሩ ነቒልካ እንተዘይተሓደሰ
*ዓምቢዶ ይጸድቕ’ዩ ውሽጡ ዝበስበሰ *ብደዉ ዝቦኽበዀ ቆልቋልዶ
ብኢዱ ተኣልዩ ብእግሩ እንተነገሰ
ጉልሻ ቀይርካ ጻሕሊ እንተተኾሰ
ጣዕሚ ኣይህቦን መልሓስ ጸብሒ እንተቐመሰ!
መን’ዩ ኣንታ እዚ *ዋያ ዚጽሊ ከምስል *መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ
ብባዶ መብጽዓ የዋሃት ከታልል
ዝተቐደ *ወዲፈት ንለግቦ ዚብል *ብላይ ጨርቂ
ዘጽልለና ዳዕሮ ስሩ ንኸይድልድል
መን’ዩ ኣታ ዚሓትት ኣብ ሑጻ ክንተክል
ሰላም ኣስተንፊስና እፎይ ንኸይንብል
መን’ዩ ተመንዩ *እልበትና ኪቕጽል!? *ሓሳር መከራና
ብኣጋ ኣስተውዕሉ ሓለምቲ ጽገና
ግዜ ከምዘይብሉ ንላግጺ ህዝብና
ካብዚ ዕሉል *ፋኖ ጠንቂ ናይ ስደትና *ቀይዲ በተኽ፡ ሽፍታ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ከይተገላገልና
ራህዋን ቅሳነትን የለን ኣብ ሃገርና!
በቲ ንጹህ ደምና *ዕንደ ተባዒጡ *ሑጻ
*ብዓረ ኣዕጽምትና መንደቕ ተሰሪቱ *ኣዝዩ ተሪር ከውሒ
ብሳላ እቲ ገንሸል ብኽቡር መስዋእቱ
ቤትና ተሃኒጹ ዓዲ ካብ ንኣቱ
ድያብሎስ ነጊሱ ሕሰም ሕላገቱ
ብነገር ደም ምፍሳስ ኮይኑ ባህርያቱ
እኖሆ የጥፍኣና ምስ ጀነራላቱ!
ነዚ መዕነው ሃገር መጥፍእ ህዝቡ
ዕረ ዘስተየና *እዝውቲ ሓሊቡ *ብዙሕ ጸባ እትሕለብ ላም
ህይወቱ ንምድሓን ሎሚ ኣብ ምዕራቡ
እትጽግኑዎስ እንታይ ኢኹም ክትረኽቡ!?
ኣንቱም *እንጂነራት ነቓዓት ጸገንቲ *መሃንድስ
ብሓቂ እንተ ኴንኩም ናይ ህዝቢ ሓለይቲ
ልምድናን ባህልናን ናይ ወለዲ ርስቲ
ምልኪ ከይብሕጉጎ ናይ ሃገርና ሃብቲ
ክብሩ ዓቅቡዎ ክውረስ ምእንቲ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/12/2013