ንዕሰል
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
12/18/2013
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና
ይሃምም አሎ መንእሰይና
ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል ገመል
ከም ኣመልካ ደቅኻ ተቐበል
መንእሰይ መጸካ ብደበላ
መማዕደዊት ጠምትለይ በላ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………….
ዕሰል ኢሉ መንእሰይ ሞጓቲ
ጸገንቲ ከይሰልኩ ታሕቲ-ታሕቲ
ኣንቲ ቅጭን ኤርትራዊት ለይ-ለይ
መዂባዕቲ ሰውራና ስፈይለይ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….
ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል በቕሊ
ለብዘበንከ ’ታይ ዝዓብስ ዓቕሊ
መርሓባ በል እስከ ተቐበሎም
ደቅቓ’ምበር ከይጠልሙ ምሒሎም
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..
ዕሰል’ምበር ቍርዲድ ከይሓበጠ
መንቍሱለይ ንእሽቶይ ቍማጠ
እንዳ ህግደፍ ጽገና ለሚኖም
እርዳእኩም’ያ ሕጅስ ትቕበሎም
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..
ዕሰል እምበር ኣታ ብዓል ፈረስ
ኣጋይሽ ተቐበል ተመላለስ
መንእሰይ መጸካ እንዳ ዘለለ
ሰውራዊ መገሻ ትሓምበለ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………
ፎርማ ህግደፍ ምዓስ ጠፊኡኒ
ተቐምቂሞም ጽቡቕ’የ ክብሉኒ
ርኣዩዎም ጀማሚሮም መልቀስ
ባርበሪ መለኽቲ ጒዳም መቐስ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………
ዕሰል እምበር ኣታ ብዓል ጭራ
ክንደይ ዘይዓቖርካ ዓቢ ቦዂራ
ኣውጽኣዮ ‘ቲ ኹሉ ሕማምካ
ድሕሪ ደጊም መድር ከም ድላይካ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….
ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል ዘንጊ
ኣቦ ባይቶ ተኸዳኒ ፈርጊ
ደጊም ክፈርስዩ ዒራዒሮ
ይወሓስ የግብእ ክትጅምሮ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………………
ድሙ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ከላ
ጽገና ክትወልድ ተማህሊላ
ጒዳም ስልኪ ጒዳም ተላፊኖ
ከይወለደት ድኣ ከይትፋኖ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..
ዕሰል’ምበር ስላዕ ምልክቱ
ፍረ-ማህጸን መጺኡ ከቲቱ
ግራትካ ክሕረስ ከም ኣመሉ
ኣርኪቦም’ዮም ዘርኢ ዘቐብሉ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….
ኣጆኻ መንእሰይ ሰዶ-ሰዶ
ወዲ ዘበን ምዓንጥኡ ማእዶ
ኣታ ዕቦል መረብ ስቲ ለይለይ
ዓሰልኩኻ ጥዕና ‘ሃበለይ
ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………….
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)