Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ንዕሰል!

$
0
0

ንዕሰል

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

12/18/2013

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና

ይሃምም አሎ መንእሰይና

ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል ገመል

ከም ኣመልካ ደቅኻ ተቐበል

መንእሰይ መጸካ ብደበላ

መማዕደዊት ጠምትለይ በላ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………….

 

ዕሰል ኢሉ መንእሰይ ሞጓቲ

ጸገንቲ ከይሰልኩ ታሕቲ-ታሕቲ

ኣንቲ ቅጭን ኤርትራዊት ለይ-ለይ

መዂባዕቲ ሰውራና ስፈይለይ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….

 

ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል በቕሊ

ለብዘበንከ ’ታይ ዝዓብስ ዓቕሊ

መርሓባ በል እስከ ተቐበሎም

ደቅቓ’ምበር ከይጠልሙ ምሒሎም

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..

 

ዕሰል’ምበር ቍርዲድ ከይሓበጠ

መንቍሱለይ ንእሽቶይ ቍማጠ

እንዳ ህግደፍ ጽገና ለሚኖም

እርዳእኩም’ያ ሕጅስ ትቕበሎም

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..

 

ዕሰል እምበር ኣታ ብዓል ፈረስ

ኣጋይሽ ተቐበል ተመላለስ

መንእሰይ መጸካ እንዳ ዘለለ

ሰውራዊ መገሻ ትሓምበለ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………

 

ፎርማ ህግደፍ ምዓስ ጠፊኡኒ

ተቐምቂሞም ጽቡቕ’የ ክብሉኒ

ርኣዩዎም ጀማሚሮም መልቀስ

ባርበሪ መለኽቲ ጒዳም መቐስ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………

 

ዕሰል እምበር ኣታ ብዓል ጭራ

ክንደይ ዘይዓቖርካ ዓቢ ቦዂራ

ኣውጽኣዮ ‘ቲ ኹሉ ሕማምካ

ድሕሪ ደጊም መድር ከም ድላይካ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….

 

ዕሰል’ምበር ኣታ ብዓል ዘንጊ

ኣቦ ባይቶ ተኸዳኒ ፈርጊ

ደጊም ክፈርስዩ ዒራዒሮ

ይወሓስ የግብእ ክትጅምሮ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………………

 

ድሙ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ከላ

ጽገና ክትወልድ ተማህሊላ

ጒዳም ስልኪ ጒዳም ተላፊኖ

ከይወለደት ድኣ ከይትፋኖ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና……………..

 

ዕሰል’ምበር ስላዕ ምልክቱ

ፍረ-ማህጸን መጺኡ ከቲቱ

ግራትካ ክሕረስ ከም ኣመሉ

ኣርኪቦም’ዮም ዘርኢ ዘቐብሉ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና…………….

 

ኣጆኻ መንእሰይ ሰዶ-ሰዶ

ወዲ ዘበን ምዓንጥኡ ማእዶ

ኣታ ዕቦል መረብ ስቲ ለይለይ

ዓሰልኩኻ ጥዕና ‘ሃበለይ

 

ንዕሰል-ንዕሰል ኩልና………….

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130