ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!
ተስፋ ኣሎና ኣባኻ ኣንታ መድሕን ህዝቢ
ኪትቕንጥጦ ኢኻ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ
ፍትሕን ደሞክራስን ተሓንጊጣ ርግቢ
ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ ዝኾና መዕለቢ!
ገዛኢ ድያብሎስ ኣመና ጨኪኑ
ንህዝብን ሃገርን ከዐኑ ሓሊኑ
እናተጓዓዘ ብመደብ ወጢኑ
ኣብ ሃገር ሰማእታት ዓዲ ናይ ጀጋኑ
መዕለብ ርግቢድዩ ኣታ ገረብ ተሳኢኑ!?
መዓስ ተተኺሉ’ሞ መዓስ ዝጸደቐ
እዚ ዕቡይ መላኺ ህዝቡ ዚናዓቐ
ኣይኮነን ንገረብ ሰብ እናጨፍለቐ
ተባዕ ተሳኢኑ *በለው ዚዓጠቐ *ስረ
ብርሃንና ጸልሚቱ ብስውእ ዝበረቐ!
ኣብ ቅርዓት ወጺእኪ ዙርያ ተኸዲንኪ
ሓቂ መሲሉዎ ዕልል እንተ በልኪ
ከየመዛዘነ ውሽጣዊ ሽግርኪ
ተገሪሁ ኔሩ ወድኺ ኣግዲዑኪ
ሰብ ኪኸውን’ዩ ኢሉ ኣገልጊሉ ምልኪ!
ሕጂ ግን እኖሆ ግዜኡ ኣኺሉ
ወድኺ ሓሪኑ ንግጥም ነቒሉ
ናይ ሓድነት ኣጽዋር ከማሂ ዘይብሉ
ናብ ግንባር መላኺ ብድሎ ኣቕኒዑሉ
መግዛእቲ ድያብሎስ ፈጽሚ ክንግበረሉ
ሃየ ደቂ ዓደይ *ዙይን ኣቐብሉ! *ናይ ሬሳ ዓራት
እወ ተዓጢቑ ዓደይ ምእንታኺ
ብሓጐስ *ኪሽናህ ቀሲኑ ልብኺ *ኪፍሳህ
*ጽግድም ኣጥፊኡ መንጣሊ ደቅኺ *ጨቓውት ዚምጥል ሽላ
ከቕስነኪ’ዩ ኣደይ ኣይትንብዒ ኣጆኺ
ዓልልሉ ጥራይ ንዓወት ወድኺ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/12/2013