ነቲ ብዕለት 30/11/2013 ዝተባዕለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን፡ ጉጅለ ጓይላን ደገፍቱንውን ብከበሮን ዳንኬራን ከም ዘብዓሉዎ ብኣዒንተይ ተዓዚበ ኣለኹ። ጉጅለ ሕሰም ግን ቕድሚ ጓይላ ምግባሩ፡ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራ ንምንታይ ኣካሎም ጎዲሉ? ንዚብል ሕቶ ክምልስ ነይሩዎ። ነዛ ሕጂ ህዝባ ብሕሱም ምሕደራ ምልኪ ተበታቲኑ፡ ኣብ ምልእቲ ዓለም ብሕስረት ዝንከላበት ዘሎ ዜጋ ዝዋንኣ፡ ድሕሪ 23 ዓመተ ናጽነታ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ትሳቐ ዘላ ዘይትጽቢታ ዝረኸበት ሃገረ ኤርትራ ንምርኣይ ከም ዘይኮነ መቸም ጉጅለ ሓንዘርውን ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። በሉ’ስከ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ካብዚ ቀጺለ ንቓል’ቶም ብሕሰም ህዝቦም ደም ዝነብዑ ዘለዉ ጀጋኑ ስንኩላንና፡ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ከውካኣልኩም።
ዳግም ክስንክል’የ!
ደቃ ምስ ሃለቑ ዘይብሎም ኣበሳ
ሃገር ተናዊጻ ቆላ ምስ ከበሳ
ሓመድ ከይተልብሶ ናይ ውላዳ ሬሳ
ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ በሊዑዎ ዓሳ
እዛ ለዋህ ወላዲት ሓዘን ተረሚሳ
ጽንዓት ይሃብኪ ኢለ ኣነ ከይድብሳ
*በሃም ተቐይረ ልሳነይ ለሚሳ! *ዓባስ
ኣብ ባሕሪ ክጠፍኡ’ወ ብጃምላ ኣሕዋተይ
ብሓዘን ክትኩርመ ለዋህ ወላዲተይ
ሕማቕ ከይትርእያ ብሌናት ኣዒንተይ
እንቋዕ ኣጥፋኣክን ዓረር ናይ ጸላእተይ!
እህታን ቁዝማን ናይ ኣቦታት ደጒዓ
ደቅና እናበላ ኣደታት ክነብዓ
ቃንዛን ስቅያትን ዓመጽ ከይትሰምዓ
ንናጽነት ሃገር ምምካኽክን ከም ሽምዓ
ይሕሸክን ኣእዛነይ ጸማም ክትጽወዓ!
እሾኽን ረመጽን ዕጅብ ከይበለክን
ንቖጥቋጠ እምኒ ከም እራብ ዘሊልክን
መላኺ ንምጽራግ ካብ ቤትና ሓግሒግክን
ከይትጎያ ኣእጋረይ ከምቲ ናይ ቀደምክን
እዛ ሰራም ፈንጂ’ባ ዓዲ ኣውዒላትክን!
ክንደይሳዕ ክንነብዕ ክንስደድ ክንጠሚ
ብባዶ መብጽዓ *ከይሓወርና ስጉሚ *ከይሰጎምና፡ ከመረሽና
ካብ ሽግር ክንወጽእ ካብ ታኼላ ሰልሚ
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ወጢንና ብትልሚ
ምልኪ ንኽውገድ ንግበረሉ ፈጽሚ!
ቀላጽም ኣእዳወይ ድርብ ዝኣዕጽምተን
ቦምባ ምስ ኣርፕጂ ካላሽን ዓትዒተን
ኣዒንቲ ጸላኢ ዘንቁራ ጨሚተን
ኣባየን ክቐጽዓ ጽንኩር ዘይሕርብተን
መላኺ ከይኣልያ ዘራጊ ማይ ቤተን
ዓረር ሞርታር’ባ መንጢላ ኣጥፊኣተን!
ኣዕጽምተይ ከስኪሰ ደመይ ዘፍሰስኩላ
ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተሰውኡላ
ኣብ ህልቂት ናይ ደቃ እናተኸለ ጓይላ
ሃገርና መላኺ እናሽካዕለለላ
ሕልናይ ኣይፈቕዶን ክብል ጽቡቕ ኣላ
ዳግም ክስንክል’የ እሶኽ ክነቕሰላ!
እቲ ናይ ትማሊ ፍጻመ ማይ ሓባር
ብዝማረኽኩዎ ናይ ጸላእተይ ኣጽዋር
ዓረር ከዝንቡለይ ኣዕጽምተይ ንምስባር
ሸለል ተበልኩዎ ጸሊአ ምዕግርጋር
ኣሻዲኑዎም ግን ክብረተይ ንምድፋር
ምርኩሰይ ኣልዒለ መሰለይ ንምኽባር
ተዓጢቐ ኣለኹ መግዛእቶም ንምሕጻር!
ጉጅለ ውሑዳን ህዝቢ እናኣታለሉ
ሃብቲ ናይዛ ሃገር እንክጻወቱሉ
ስንኩል ልኡኽ ስውእ ክርኢ ትም ኢሉ
ጥልመት ናይ ብጾቱ ኣይጸሮን’ዩ ዓቕሉ
ህዝቡ ንኸቕስን ብስውእ ምሒሉ
ዓጋቲ የብሉን ጅግና እንተልዒሉ
ምልኪ ክገንዝ’ዩ ተንኮበት ጠቕሊሉ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 13-12-2013