Quantcast
Channel: ርእይቶ – Assenna.com
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ!

$
0
0

ዋንጫዶ ኣታ ዓቲራ ጋንታ ኣፈወርቂ

ደሃያ እስከ ሃቢ ክንቲት ድምጺ ሓቂ

ርግጽ ተዓዊታ ጋንታ ኣፈወርቂ

ራህዋ ከተተንፍስ ካብ መከራ ጭንቂ

*ተኣንጊባ ኢሎማ ናይ ሓርነት ዕጥቂ!      *ተሰኪማ፡ ተዓጢቓ

 

ኣንቲ ድምጺ ሓቂ እንታይ ደኣ ትም ኢልኪ

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ደሃዮምዶ ኣሎኪ?

‘ፎእ!’ ከም ዝበሉዎ ንምሕደራ ምልኪ

ሓቂ’ባ ንገሪ ልበስዮ ስምኪ!

 

ጸሓይ ዝወቕዖ ፍጻመ ጨው ቀትሪ

ክፋእኪ እንተ ኾይኑ ሸፊንኪ ትሰትሪ

ናብ ካልኦት ግና ኢድኪ ትቕስሪ

ኣሉ ንኽትብሊ ፍጹም ዘይትሓፍሪ

ናይ *ፍሑል ጎይታኺ ሓመድ ድበ ቀብሪ     *ሰኽራም

ቀሪብኪ ኢኺ ሎሚስ ባዕልኺ ክትነግሪ!

 

ሓሲራ መሕሰሪት *ባሉን ድምጺ ሓቂ        *ፍሕኛ (ብእንግሊዝ)

ፈልፈል’ባ በልኪ ፈዂስኪ ከም ጨርቂ

ጎይታኺ ኪዘምት ናይ መሬትና ወርቂ

ህዝብና ክነብዕ ንስኺ ክትስሕቂ

ተንኰላት ንምእላም ወትሩ ትራቐቒ

ህዝቢ እናረገጸ መላኺ ተድንቒ!

 

Serving the truth እንታይድዩ ትርጉሙ

ሓሶት ክትቃንዪ ኣእዛንና ጸሚሙ

እንታይ ደኣ ሎሚ ኣፍኪ ተሎጒሙ

ኣብ ከንያ ናይሮቢ እንታይ እዩ ተፈጺሙ

ሓድሽ’ኮ ኣይኮነን እሱራት ክሃድሙ

ንገርና ደኣ ጎይታኺ ምሕማሙ

*ኣሶት ከነዳሉ ከይጠፍእ ለኪሙ!            *መድሃኒት፡ ፈውሲ

 

ኣገናዕ በሉዎም ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ

ትንፋስ ንኽሓጽራ ናይ መላኺ ዕምሪ

ስጉምቲ ወሲዶም ናይ ሓርነት ወፍሪ

ብድሕሪ’ዚ ምዕራፍ ናይ መላኺ ቀብሪ

ሃገራዊ ስምረት ዋዕላ ከም ትገብሪ

ኤርትራ ሃገረይ ብስራት ንገሪ!

 

ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 10-12-2013


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1130