እዚ ኣቐዲሞም ዝተፈላለዩ ሓርበኛታት ማለት፡ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፣ ሓርበኛ የማነ ተ/ገርግሽ፣ ወዘተ. ሕጂ ድማ ሓርበኛን ውፉይን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ ቫካሮ) ከምኡውን ሓው ብርሃነ ኣፍሮ ወዘተ. ኩላቶም ብዛዕባ’ዚ ጀነራል መላኺ፡ ስብሓት ኤፍሬም ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ኩሉ ሓደ’ዩ። ስርሑ ሻጒራይ (መበጻጽሒ ወረ) ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። ዋላ ባህሪኡ ከምኡ ኣይኹንውን ብገበን ናይዞም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣደራዕ ዝፍጽሙ ዘለው ኣባላት ሰራዊት፡ ከም ሚኒስተር መጠን፡ ቀዳማይ ተሓታቲ ንሱ’ዩ። ነዚ ካብ ጅግና ምቊሕ ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ ብተማእዛዝነቱ ብመላኺ ተሓርዩ፡ ስልጣን ዓራት ዝወረሰ ስብ’ዚ፡ ብልሳን ማሰኛታት ኣቦታትና፡ ነፍስሄር ኣቦይ ነጋሽ ባይራኡ (ነጋሽ ሳግላን) ነፍስሄር ኣቦይ ተወልደ ማዓሾን ዝብሎ ኣሎኒ።
እዚ መጋድልቱ ሓስዩ ዘእስር
ህዝብናን ሃገርናን *ብኣባይ ዘድፍር *ብጸላኢ
እዚ ቃል መላኺ ከም ዳዊት ዚዝምር
እዚ *ኣሩኤል ድዩ’ታ ኣብ በለዛ ዝነብር *ወኻርያ
ጀነራል ትብሉዎ መዓርግ ከሕስር!
ህዝቡ ዓቕሊ ኣጽቢቡ እናተበታተነ
ብምሕደራ ምልኪ ወትሩ *እናመቀነ *እናተጨነቐ
እዚ ምስ መላኺ ንስልጣኑ ዚወገነ
ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ምሒር ዚጨከነ
ካብ ከንቲባ ኣስመራ ሚኒስተር ዝኾነ
ጀነራል ክሰምዮስ ኣይደፍርን ኣነ!
ጀነራል ከመይድዩ!?
ህይወት ሰራዊቱ ብግቡእ ዘይፈልጥ
ትዕበ ትንኣስ *ሓጀት ፍጹም ዘየስልጥ *ጉዳይ፡ ስራሕ
ኣውያት ውጹዕ ህዝቢ ሰሚዑ ዘጽቅጥ
*ንሻን ናይ ጀጋኑ ብሓሶት ዚቕንጥጥ *ሽልማት ኣገልግሎት
ብድምጺ መላኺ ባህሪሩ ዘንቀጥቅጥ
ካብ ጠለብቲ ለውጢ ከዲዑ ዘምልጥ
ጀነራል ኣይኮነን *ጽቁንቁን እዩ ጻቕጥ! *ምጹጹላይ እዩ
እዚ *ንሓወርቲ ከዲዑ ዘሐንኩል *ንገስገስቲ
ህይወት ዜጋታቱ ብዓመጽ ዘቖምስል
እቲ’ኳ ብኾፉ ወትሩ *ዝዕም ዚብል *ትኽስ
ንኽድመት መላኺ ወረ ዘቀባብል
ጀነራል ኣይትበሉዎ መዓርግ ከይብልል
ካልእ ድለይሉ ንእኡ ዚመስል!
ኣየ ጀነራል ህግደፍ!
ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተሰውኡሉ
ዓለም ብምልእታ *ዝማህተትሉ *ዝመስከረትሉ
እቲ ስቡሕ መሬትና *ርእሶ ዝፈርየሉ *ኣርባዕተ ዝጠሬሩ ሓዋይ ስርናይ
*ጠሪሩዎ እንከሎ ወያነ ብሓይሉ *ገቢቱዎ
ዶባትና ጥሒሱ እናዓንደረሉ
ጀነራል ህግደፍ ግን መላኺ ኪሕሉ
ዶባትና ከኽብር ኣበይ ኣርኪቡሉ!
በል ደሓን ጀነራል!
እቶም ጀጋኑና ንህዝቢ እተዓጥቁ
ድምብርጽ ዘይብሎም ፍጹም ዘይጭነቑ
ከማኻ ምስ ምልኪ ዘይተጨማለቑ
ሎሚ ብጥልመትካ ዋላ እንተ ሓቐቑ
ሽርሕታት መላኺ ምስ ተገልጸ ሓቁ
እቲ ህያው ታሪኾም ከም ፈልሲ ጸዲቑ
ወትሩ ክነብር’ዩ ከም ጸሓይ ደሚቑ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08-12-2013