ቀጺለ ምስ ረዲዮ ኣሰና ዝገበርካዮ ኣፈናዊ ቃለ~መጠይቅ ተኸታቲለዮ።ዝተሰመዓኒ ባህታ መግለጺ ኣይረኸብኩሉን።ንነዊሕ እዋን ከሳቂየካ ዝጸንሐ ሃለዋት ህዝብና ብፍላይ ኣብ ሓድነቱን ምሕደራኡን ሎሚ ሃህ ኢልካ ክትዛረበሉ ምብቃዓካ ልዋም ለይቲ ከም ትድቅስ ርግጸኛ አየ።እቲ ኩላትና ዝሓለፍናዮ ኣደንዛዚ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ሎሚ ኣብቲ ውልቃዊ ሓርነትካ ኣውጅካ ብሰላም ትነብረሉ ሃገር ንሓንቲ ደቂቅ ዓይንካ ሰም ኣቢልካ ንድሕሪት ተመሊስካሞ ዘክሮ ማዓረ ክንደይ ብሽም ሃገርን ሃገራውነትን ከነስተብህለሉ ዝነበረና ጽዩፍን መላኽን ኣከያይዳ ህግደፍ ክትጽይኖ ግዚየ ኣይወስደልካን ኢዩ።እቲ ሓደን ቀንድን እቲ ንስኻ ካብ ልቢ ዘሻቀለካ ምጽውዋር ኤረትራውያን ዘይምህላዉ ኢዩ፡ናይዚ ዋና ተሓታትን ከይሰልከየ ዝሰርሓሉ ዘሎን ህግደፍን ውሑዳት መሳርሕቱን ኢዮም።ብሳንቡኣይ ኣተንፍሱ፡ደቂ ሓደልቢ ቀይሕ መስመር ስልጣነይ ዝሰገረ ነጽልዎ ፍትሒ ዝሓተተ እሰርዎ እናተባህለ መንእሰይ ዘፍቅራ ሃገሩን ወለዱን ራሕሪሑ ፈቀድኡ ተበታቲኑ መስሓቅ ሸራፋት ኮይኑ ኣብ ስደት ከርተት ክብል ይርከብ ኣሎ። ኤርትራ ክልተ ጊዚየ ተራኢያ ሳልሳይን ዝኸፍኤን ኮይና ከይትረአ ኸኣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሻቅሎት አዩ።ቀንዲ ሕማም ኤረትራውያን ምስ ኤርትራን ህዝባን ዘሎና ክቱር ልባዊ ፍቅሪ አዩ።ስለ ዝኾነ ኸኣ አዩ ስለኣ ንዝምር ስለኣ ንነብዕ ስለኣ ንጽሊ።ከሞቲ ዝበልካዮ እውን ከም ኤርትራ ገይሩ ዝተደርፈላ ሃገር ኣይት ህሉን ትኸውን እንተኾነ ህግደፋውያን ነዚ ፍቅሪ እዚ ስለዚፈልጡ እዮም ብጉልባብ ሃገር ንዝወስዱዎ ኢደ ወነናዊ ስጉምትታት ህዝቢ ኤርትራ ከየስተብህለሉ ጋሪደሞ ዘለዉ። ልቢ የዓብዩ ኣብ ዝባኑ ጸይሩ ጨጨጓሩ ንውሽጢ ገይሩ እንተኽደ ግን እታ ሓንቲ መዓልቲ ዘይደሓን ከተረኻኽበሎም ኢያ።
ክቡር የውሃንስ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዘበርከትካዮ ግደ ንውሉድ ወለዶ ዘይርሳዕ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ እቲ ካሊእ እልፊ ኣእላፋት ገጻት ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ግን ህግደፋውያን አዶም ኣይሳኑ ቦኺሩ ምህላዉ ት ዝንግዖ ኣይመስለንን።ወዮ ደኣ ዘማታትካን ግጥምታትካን ኣብ ክእለትካ ከም ዝምርኮሱ ይፈልጥ አየ እምበር፡ ሃገራዊ ደርፍታት ብ ህግደፍ ተስገዲዶም ከምዝዕደሉ ንማንም ስዉር ኣይኮነን።ምኽንያቱ መሕቢኢኦም ስለዝኮነ።እቲ ሓያል ግጥምታትካ እውን ጋን ኮይኑዎም` ወዲ ትካቦ ግጥምታቱ ካልእ ተልእኾ ከይህልዎም`ተባሂሉ ብሰለስተ ሚኒስትራትን ሓደ ወይጦ ስነጥበባዊን ብመንፊት ይከታተልዎ ነይሮም አዮም።
ስለዚ ኣብ መጨረሻ ዓገብ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎእዋን እጃምካ ከተበርክት፡ነደታት ክትድብስ ወላዲ ምስ ውላዱ ከተራኽብ ይኣክል ክትብል ህገርና ሰ ላምን ራህዋን ከውርደልና ከተዘይም ዓቢ ትጽቢት ኣሎኒ።
ሰላም ጥዕናን ምሳኻ ይኹን
ሓውኻ ካ ተክለ